ኣብ ህንጻ ፓርላማ ደቡብ ኣፍሪቃ ደጊሙ ባርዕ ሓዊ ተልዒሉ

ኣብ ህንጻ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበጽሐ ሓደጋ ባርዕ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኬፕታውን ኣብ ዝርከብ ህንጻ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝበጽሐ ሓደጋ ባርዕ ምቁጽጻር ተኻኢሉ ዝብል መግለጺ ድሕሪ ምውሃቡ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ፡ ንኻልኣይ ግዜ ባርዕ ሓዊ ተልዒሉ ተባሂሉ።

ብሰኑይ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ህንጻ ሃልሃልታ ባርዕ ሓዊ ዝተርአየ ኾይኑ፡ ሰራሕተኛታት ሓደጋ-ባርዕ ነቲ ሓዊ ንምጥፋእ ክጓየዩ ተራእዮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተልዓለ ባርዕ ንህንጻ ታሕታዋይ ቤት ምኽሪ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዕነወ እዩ ተጸብጺቡ።

እቲ ብምውላዕ እቲ ባርዕ: ገዛ እንዳ'ማትካ ሰይርካ ብምእታውን ብስርቅን ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ትጽቢት ይግበረሉ። እዚ ከምዚ እናሃለወ እዩ ሕዚ ድማ ደጊሙ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ ዘሎ።

ሰብስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ህንጻ ዘሎ ምንጻፋትን ምድሪ ቤትን ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሑ መመላኽዕን ነቲ ባርዕ ሓዊ ከየጋድድዎ ስግኣቶም ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል እቲ ፓርላማ፡ ሞሎቶ ማታፖ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ማእከን ዜና 'ታይምስላይቭ' ከምዝበሎ፡ ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ: ነቲ ሓደጋ ንምቁጽጻር ሙሉእ ለይቲ ክሰርሑ ሓዲሮም።

ወኪል ዜና ኤኤፍፒ ብወገኑ፡ ኣብ ምድሓን እቲ ፓርላማ ልዕሊ 12 ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ባርዕ ሓዊ ከምዝተሳተፉ ጸብጺቡ።

እንተኾነ ካልኦት ሰብ ሞያ'ውን ተወሲኾም እቲ ባርዕ ንምቁጽጻር ልዑል ጻዕሪ እንተተገብረ'ኳ፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ካብቲ ህንጻ እቲ ፓርላማ ወጺኡ ሃልሃልትኡ ብደገ ይርአ ነይሩ ተባሂሉ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ዝተውሃበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ራብዓይን ሓምሳይን ደብሪ (ደርቢ) እቲ ህንጻ ሙሉእ ንሙሉእ ዓንዩ እዩ።

ዛጊድ ድማ፡ እቲ ባርዕ ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ እንተሃልዩ ኣይተገለጸን ኣሎ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ነቲ ኣብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተልዓለ ባርዕ ማይ ዝነጽግ መሳርሒ "ብትኽክል ኣይሰርሕን" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተኾነ ሰራሕተኛታት ባርዕ ሓዊ ነዚ 'ኣዕናውን መሰንበድን' ዝበሎ ሓደጋ ባርዕ ንምቁጽጻር ንዘርኣዩዎ ጻዕሪ ንኢዱ።

ተጸዋዒት መንግስቲ ሚኒስተር ፓትሪሺያ ዴ ሊል ብወገና፡ ናይ ድሕነት ካሜራ ትኹረት ከምዘይተገብረሎም ተዛሪባ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ስነስርዓት ምስናይ ሬሳ ሊቀ-ጳጳስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ ጥቓ እቲ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ቅዱስ ጊዮርጊስ ካብ ዝካየድ ድሕሪ ሰዓታት’ዩ ኣጋጢሙ ዘሎ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ኣብ ልዕሊ'ዲሞክራሲና ዝተፈነወ መጥቃዕቲ' ክብል ነቲ ተግባር ኮኒኑዎ።

ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ሕዚ ኣብ ዕረፍቲ ዝርከቡ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዝኾነ ሰብ ከምዘይነበረን፡ በቲ ናይ መጀመርታ ሓደጋ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን ተሓቢሩ።

እቲ ህንጻ ታሪኻዊ መጻሕፍቲ፣ ኣሳእልን ጥንታዊ ስራሕቲ ጥበብን ዝሓዘ ኮይኑ፡ ዝበዝሕ ካብ'ቲ ሓደጋ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ሰብ ስልጣን ይዛረቡ።

እንተኾነ 120 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎን ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተሰነደሉን 'ኬይስካማ ታፔስትሪ' ብዝብል ዝፍለጥ ጥንታዊ ሓዲጊ በቲ ሓደጋ ጉድኣት በጺሕዎ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ።

ኣብ ከተማ ኬፕ ታውን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኖምሳ ማሴኮ፡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ጠቂሱ፤ እቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ጀሚሩ ናብ ኣዳራሽ ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዝተላበዐ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ፓርላማ እታ ሃገር ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ገለ ክፋል እቲ ብመቐጸልታ ዝተሰርሐ ሓድሽ ህንጻ እቲ ቤት ምኽሪ 'ንእሽቶ ዘይበሃል ጉድኣት' ከምዝበጽሖ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ኬፕታውን ዘሎ ህንጻ ፓርላማ ኣብ ሰለስተ ዝኽፈል ክኸውን ከሎ፡ እቲ ኣረጊት ናይ 1884 ህንጻ፣ ኣብ 1920ታት ዝተሃነጸ ሓድሽ ህንጻ ከምኡ’ውን ኣብ 1980ታት ዝተሃነጸ መእከቢ ኣዳራሽ ባይቶ እዮም።