ባርዕ ሓዊ ኣውስትራልያ፡ ንዞባ ካንበራ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ተኣዊጁ

ፅዕፁዕ ሃልሃልታን ትኪን ንደቡባዊ ካንበራ ብምሁማኽ፡ ንሰማይ ቀይሕ ሕብሪ ኣልቢስዎ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, MARTIN OLLMAN

መግለጺ ስእሊ, ፅዕፁዕ ሃልሃልታን ትኪን ንደቡባዊ ካንበራ ብምሁማኽ፡ ንሰማይ ቀይሕ ሕብሪ ኣልቢስዎ ይርከብ

ሰብመዚ ኣውስትራልያ ኣብ ደቡባዊ ካንበራ ባርዕ ሓዊ ምልዓሉ ስዒቡ፡ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣዊጆም።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ካብ ዘጋጠመ ባርዕ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ፡ እቶም ሰብመዚ ገሊፆም።

እዚ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ተወሊዑ ዘሎ ባርዕ ንልዕሊ 18,500 ሄክታር ይህሙኽ ኣሎ።

ኣብ ጥቓ ካንበራ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ከባቢ ብቅልጡፍ ንክለቁ ፃውዒት ቀሪቡ ነይሩ።

ዋና ሰብመዚ ግዝኣት ርእሰከተማ ኣውስትራልያ (ACT) ሚኒስተር ኣንድሪው ባር፡ "ኣብ 2003 ኣጋጢሙ ካብ ዝነበረ ኣዕናዊ ባርዕ፡ እዚ ናይ ሕዚ እቲ ዝኸፍአ እዩ" ኢሉ።

ወሲኹ'ውን "ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፡ መንግስቲ ግዝኣት እታ ርእሰከተማ፡ ልዕሊ እዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ባርዕ ቀዳምነት ዝህቦ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣብ ሞንጎ ሲድኒን መልበርንን ትርከብ እዛ ንእሽተይ ግዝኣት ኣስታት 40 ሽሕ ነበርቲ ኣለውዋ።

ኣብ 2003 ኣብ ከባቢ ካንበራ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ዘጥፍአ እንትኸውን፡ 500 ሰባት ተጎዲኦም፣ 470 መንበሪ ኣባይቲ ድማ ዓንዮም እዮም።

ሎሚ ዓርቢ ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ከምዝተመዝገበ ድማ ሰብመዚ ሓቢሮም።

መጠን ዋዒ ናብ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክብ ምባሉን ከቢድ ንፋስ ብምስዓቡን ድማ፡ እዚ ባርዕ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ካንበራ ኣብ ሓደጋ ስለዛላ፡ እዚ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ንሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ኣብቲ ቦታ ክርከቡ ተወሳኺ ሓይሊ ከምዝህቦም ድማ ተዛሪቡ።

ኣብ ጥቓ ከተማ ካንበራ ንሰሙናት ዝቐፀለ እዚ ባርዕ፡ መጠኑ ከምዝውስኽ ምስተሰግአ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ መዕርፎ ነፈርቲ ካንበራ ተዓፅዩ ነይሩ እዩ።

ነዚ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ዝነበሩ ሰለስተ ኣሜሪካውያን ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ ነፋሪቶም ብምውዳቓ ሞይቶም እዮም።

ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ብውሑዱ 33 ሰባት ብባርዕ ክሞቱ እንከለው፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኣባይቲ ዓንዮም፤ ልዕሊ 11 ሚልየን ሄክታር መሬት በዚ ባርዕ ምህማኹ ይዝከር።