ሓደ ቤትመቅደስ ህንዲ ብሓርማዝ ዝፍጸም ሃይማኖታዊ ስርዓት ብሮቦት ተኪኡ

እቲ ምስሊ ሓርማዝ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ እዩ

ምንጪ ስእሊ, PETA

ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ኣብ እትርከብ ግዝኣት ኬራላ ዝርከብ ሓደ ቤትመቅደስ ሃይማኖታዊ ስርዓት ንምፍጻም ሰብ ሰርሖ ሓርማዝ ኣተኣታትዩ።

እቲ ብሓለፍቲ ቤትመቅደስ ኢሪንጃዳፒሊ ስሪ ክሪሸና ዝተወሰደ ተበግሶ መቐጸልታ ናይቲ እንስሳታት ኣብ ዝኾነ በዓላት ዘይምጥቃም ዝብል መብጽዓኦም ምዃኑ ተገሊጹ።

እቲ ሮቦት ንመሰል እንስሳታት ብዝጉስጉስ ማሕበር ፔታ ህንድን ተዋሳኢት ፓርቫቲ ቲሩቮቱን እዩ ተወፍዩ።

እዚ ኣገባብ፡ ጽምብላት “ካብ ጭካነ ነጻ ብዝኾነ” መገዲ ክካየዱ ከምዝሕግዝ ይትስፈው።

ኣብ ሃይማኖታዊ ጽምብላት ኬራላ ሓራምዝ፡ ተመቚሖም፡ ሰባት ተሰኪሞምን ተመላኺኦምን ኣገዳሲ ተራ እዮም ዝጻወቱ።

እታ ግዝኣት ብግምት፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከቡ 2,500 ሓራምዝ እቶም ሓደ ሕምሲት ዝነብሩላ እያ።

ጐስጐስቲ ድሕነት እንስሳታት ብዛዕባ ኣተሓሕዛኦም ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ማእከል መጽናዕትታት መሰል እንስሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝሒ ሞት እቶም ሓራምዝ ምውሳኹ ኣመልኪቱ ናብ ዋና ሚኒስተር እታ ዞባ ደብዳበ ክዝጸሕፍ እንከሎ፡ ኣብ ኬራላ ካብ 2018 ክሳእ 2023 ኣብ ዘለው ዓመታት 138 ቅዩዳት ሓራምዝ ምማቶም ገሊጹ።

ፔታ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ እዋን በዓላት ነቶም ሓራምዝ ንኣዝዩ ብርቱዕ ድምጺ ምቅላዕ “ጭካነ” እዩ ክብል እንከሎ ኩሎም ኣብታ ግዝኣት ዝርከቡ ኣብያተ መቅደስ ናበ ሰብሰርሖ ሓራምዝ ክቕይሩ ተማህጺኑ።

እቲ ብፔታ ዝተለገሰ ምስሊ ሓርማዝ 3.3 ሜተር ቁመት፡ 800 ኪሎግራም ክብደት ዘለዎን ካብ መቓን ሓጺን ዝተሰርሐን ምዃኑ ጸብጻብ ኢንድያን ኤክስፕረስ ይገልጽ።