እናጠሓላት ትሓድር ዘላ ከተማ፡ መጻኢኣ እንታይ ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀስ ብቐስ ናብ ትሕቲ መሬት ክትጥሕል ዝጸንሐት ኣብ ህንዲ ኣብ ዞባ ሂማላያ እትርከብ ከተማ ጆሺማት፡ ኣማኢት ሰባት ለቒቘም ወጺኦም ኣለዉ።
ኣብዚ ነበርቲ ኣብ ዘየተኣማምን ኵነታት ኣብ ዝርከብሉ እዋን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ቪኒት ካረ፡ እታ ከተማ ክትድሕን ትኽእል እንተዀይና ንምርዳእ ንክኢላታት ኣዘራሪባ።
ርእሰ ምምሕዳር ናይታ ጆሺማት እትርከበሉ ግዝኣት ኡታራክሃንድ ፑሽካር ሲንግ ዳሚ፡ ኣስታት 25% ከባቢ እታ ከተማ በቲ ምፍርኻሽ ከምዝተሃስየ ገሊጹ።
25 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ጆሺማት፡ ኣብ ልዕሊ 2.5 ትርብዒት ኪ.ሜ ዝተዘርግሑ ኣስታት 4,500 ህንጻታት ኣለውዋ።
ልዕሊ 800 ህንጻታት ግን ነቒዖም ኣለዉ፤ ሰብመዚ ድማ ነቶም ውሑሳት ዘይኰኑ ህንጻታት ከፍርስዎም ጸኒሖም እዮም።
"እቶም ንቝልቁል ዝጥሕሉ ዘለዉ ከባቢታት ጆሺማት - ሰፈራታት፡ ኣባይትን ህንጻታትን - ዝምለሱ ኣይመስሉን" ይብል ክኢላ ስነ-ምድሪ ዶክተር ኤስፒ ሳቲ።
"ካብቲ ቍልቁለት ንዝወረደ ዝዓግት ነገር የለን፤ ብዙሕ ዝከላኸል ክህሉ ነይርዎ" ይብል፡ ኣብቲ ከባቢ ሽፋን ኣግራብ ዘይምህላው ብምጥቃስ።
ጆሺማት ኣብ ልዕሊ ፍርስራስ ናይቲ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተኣከበ መሬት ዝተሃንጸት ኰይና፡ ንምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዝተቓልዐ ዞባ እያ ትርከብ።
ብተደጋጋሚ ምህማም መሬት ይርአ፣ እዚ ድማ ነቲ ሓመድ ኣዳኺምዎ ኣሎ።
እቲ ምህማም ክሳብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝበጽሕ ክቕጽል ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ትካል ምዕቡል መጽናዕቲ ጂኦሳይንቲስትን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ሲፒ ራጀንድራን የጠንቅቕ።
"ኣብ መወዳእታ ክረጋጋእ'ዩ፡ ሽዑ ግን ብዙሓት ካብቶም ህንጻታት ክጕድኡ'ዮም" ይብል።
ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታትን ሰሙናትን ዝናብ ወይ በረድ ነቲ ኵነታት ከጋድዶ ከይክእል እውን ነበርቲ ስክፍታ ኣለዎም።

እዚ ቅልውላው፡ ንዓመታት ብኣጋኡ ዘይተተለመ ህንጸት ኣባይቲ፡ ፕሮጀክትታት ሓይሊ ማይን ግቡእ ስርዓተ ምፍሳስ ማይ ዘይምህላውን ብካልኦት ሓያሎ ረቛሒታት ከም ዝመጸ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብ 1976 ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ፡ ሓደ መንግስታዊ ጸብጻብ፡ ኣብ ጆሺማት ኣብ ልዕሊ ከቢድ ስራሕ ህንጸት ገደብ ከም ዝነበረን፡ "ዓቕሚ ምስካም ሓመድ" ምስ ተመርመረ ጥራይ ክፍቀድ ከም ዘለዎን ይገልጽ ነይሩ።
እቲ ጸብጻብ፡ ግቡእ ስርዓተ ምፍሳስን ርስሓትን ምህናጽ፡ ከምኡ’ውን ምፍራስ መሬት ንምፍታሽ ናይ ኮንክሪት ሲሚንቶ ብሎኮታት ምትካል እውን ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ብሓደ መንግስታዊ ፓነል ዝቐረበ ጸብጻብ፡ "ጽቡቕ ውጥን ዘለዎ ስርዓተ ምፍሳስ ማይ" ምህናጽ ሓዊሱ፡ ንብዙሓት ካብዞም ለበዋታት ኣቃሊሑ።
ደለይቲ ፍትሒ ግን እዚኦም ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓሉ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ከማርሩ ጸኒሖም እዮም።
ቁጥዐ እቲ ከባቢ ናብ ሓደ መንግስታዊ ኩባንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ህንዲ፡ ኤንቲፒሲ ሊሚትድ ዘቕንዐ ኰይኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ነዚ ጸገም ተሓታቲ ይገብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"እቲ ኩባንያ ኣብታ ታሪኻዊትን ባህላዊትን ከተማ ጆሺማት ንዝወረደ ጕድኣት ተሓታቲ'ዩ፡ ንነበርቲ ድማ ክኽሕስ ይግባእ" ይብል ኣካያዲ ናይቲ ነታ ከተማ ንምድሓን ተቓውሞታት ከካይድ ዝጸንሐ ጕጅለ ኣቱል ሳቲ።
እቲ ኩባንያ ግን፡ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ኣሎ። ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ከተማ ከምዘይሓልፍን "ካብ ደጋዊ ዶብ ከተማ ጆሺማት ልዕሊ ሓደ ኪሎ ሜተር ርሒቝ ዝርከብ ልዑል ርሕቀት" ከምዘሎን ገሊጹ።
መንግስቲ ፈደራል ዝሰርሖ ልዑል ሽም ዘለዎ ፕሮጀክት ጽርግያ ቻር ዳም፡ ንኣርባዕተ ዞባታት ሂንዱ ዘራኽብ ጽርግያታት ንምስፋሕ ዝዓለመ'ውን ነቐፌታ ኣስዒቡ'ሎ። ብጆሺማት ዝሓልፍ ዝነበረ ባይፓስ ጽርግያ ድሕሪ እዚ ተቓውሞታት ደው ኢሉ።
"ከምቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝርከብ ኣውቶባን [ስርዓት ፈደራላዊ ጽርግያታት ጀርመን] ኣብ ሂማላያ ዝተሃንጸ ናጻ ጽርግያ ክህልወካ ኣይክእልን'ዩ" ይብል ሚስተር ራጀንድራን።
እዚ ክስታት ኣብ ልዕሊ "ዋሕዚ በጻሕቲ" ናብቲ ከባቢ ጽልዋ ከሕድርን ንቝጠባ እቲ ከባቢ ክጐድእን ከምዝኽእል ኣመሓደርቲ ይዛረቡ።
"ዛዕባና ኣብ ሳይንስ መሰረት ክንገብሮ ይግባእ" ይብል ኣመሓዳሪ ናይቲ ጆሺማት ዝርከበሉ ኣውራጃ ቻሞሊ ሂማንሹ ኩራና።
"ሂማላያ ኣብ ቻይና፡ ኔፓል፡ ኣብ ፓኪስታን፡ ኣብ ብዙሓት ግዝኣታት ህንዲ ተዘርጊሑ ኣሎ። ስለምንታይ ንኡታራክሃንድ ጥራይ ዒላማ ይገብር?" ይብል ጸሓፊ ርእሰ ምምሕዳር ኡታራክሃንድ ኣር ሚናክሺ ሱንዳራም።
"እቲ ዛዕባ ሂማላያ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ካብዘን ሃገራትን ኣብ ካልኦት ግዝኣታትን ዝዀነ ልምዓታዊ ንጥፈታት ክካየድ የብሉን" ክብል ይውስኽ።
ገሊኦም'ውን መጻኢ ናይታ ናብ ዶብ ህንዲ ምስ ቻይና ዝቐረበት ከተማ ጥንቃቐ ክግበር ይመኽሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ክኢላታት ክሳብ ሕጂ እቲ ኵነታት ክድሕን ዝኽእል ምዃኑ ይኣምኑ።
ኣብ ዋድያ ኢንስቲትዩት ሂማላያን ጂኦሎጂ ክኢላ ስነ-ምድሪ ዶክተር ስዋፕናሚታ ቫይድስዋራን፡ እቲ ቅልጡፍ ኣድላይነት ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ሰባት ምሕዋይ ምዃኑ ትዛረብ።
ኣብ ነዊሕ ግዜ፡ ዝያዳ ጽኑዕ ሕግታት ህንጻ ዘለዋ "ሓዳስ ውጥን ዘለዋ ከተማ" ክትህሉ ከምዘድልያ ትዛረብ።
ካልኦት ግን በዚ ኣይሰማምዑን።
"እዚ ሃጓፍ ሽንጥሮ ካብቲ ማእከላይ ሽንጥሮ ሂማላያን ዝያዳ ዘይርጕእ፡ ንመነባብሮን ህንጸትን ደቂ ሰባት ዘይውሑስ ይመስል" ይብል ዶክተር ጀፍሪ ኤስ ካርገል፡ ላዕለዋይ ክኢላ ስነ-ምድሪ ኣብ ስነ-ምድራዊ ትካል ፕላነታሪ ሳይንስ ኢንስቲትዩት ኣሜሪካ።
"ደጊም ሃገራዊ ፓርክ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ሰባት ንሓጺር ግዜ ተፈጥሮ ከስተማቕሩ፡ ክወጹን ክኣትዉን ይኽእሉ" ክብል ሓሳብ ይህብ።
ንሱ፡ ኣብ 2010 ኣብ ጥቓ ፓኪስታናዊት ከተማ ዓልያባድ ዘጋጠመ "ተመሳሳሊ ምፍጋእ መሬት" ይጠቅስ።
እዚ ምፍጋእ መሬት፡ ንሩባ ሁንዛ ክዓጽዎ ምኽንያት ኰይኑ፡ እዚ ድማ ብግደኡ ማይ ንቝልቁል ከይውሕዝ ዓጊቱ ሒዝዎ ኣሎ፡ ሕጂ ኣታባድ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀላይ ፈጢሩ።
ኣብ ኣታባድ ብዘጋጠመ ምውሳኽ መጠን ማይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ።
እቲ ቦታ ኣብዚ እዋን ናይ በጻሕቲ ቦታ ኰይኑ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







