ካብ ዕዮ ገዛ ተመሃሮ ክሳብ ፕረዚደንታዊ መደረ ዘዳሉ ኵሉ ዘይሰኣኖ 'ቻትጂፒቲ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ክትደልዩ ከለኹም ኢኹም ናብ ኢንተርነት ትኣትዉ?
ንሕቶኹም ኣብ ጉግል መልሲ ክትረኽቡ ሰዓታት ኣሕሊፍኩም እንተዄንኩም፡ ሕጂ ነገራት ተቐይሮም እዮም።
ቻትጂፒቲ (ChatGPT) ንሕቶታትኩም ቅጽበታዊ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ ዳርጋ ከም እስትንፋስኩም ቀረባ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ጉግል ሓበሬታ ብምድላይ ዝተመሃርኩምዎ ብምምሕያሽ፡ ነቲ ክእለት ዝሓትት ኣርእስቲ ብሓጺር ሕቶ ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ የቕርብ።
ሚልዮናት ሰባት መልእኽቲ ንምድላው፡ ግጥሚ ደርፍታት ንምጽሓፍ፡ ዋላ እውን ኮድ ኮምፕዩተር ንምጽሓፍ ይጥቀሙሉ ኣለዉ።
እዚ ሰብሰርሖ ብልሒ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት እዩ ንዅሉ ተጠቃሚ ተኸፊቱ።
ዝናኡ ግን ከም ዕድመኡ ሓጺር ኣይኮነን።
ኣብ ሕዳር 2022 ዝተጀመረ ቻትጂፒቲ ኣብ ሓደ ሰሙን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጠቀምቲ ከም ዝነበሮ ኣብቲ እዋን ወናኒ እቲ ኩባንያ ኦፐን ኤኣይ ገሊጹ ነይሩ።
ጉግልን ማይክሮሶፍትን ነዚ ሰብሰርሖ ብልሒ ኣማዕቢሎም ኣብ ስራሕ ከውዕሉ ይጓየዩ ኣለዉ።
ማይክሮሶፍት ጥራይ ቢልዮናት ዶላር መዲቡ ኣብ ተግባር ኣትዩ ይርከብ።
ቻትጂፒቲ ብኸመይ ይሰርሕ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵሎም 'ቻትቦታት' ዝገብርዎ ነገር እንተሃለወ ቋንቋ ሰብ ተጠቒሞም ሕቶታት ምምላስ ጥራይ እዩ።
ካብ ዕዮ ገዛ ተመሃሮ ክሳብ ፕረዚደንታዊ መደረታትን ክንዮኡን ንዅሉ ዝኸውን ኮዳት ኮምፒተር ይጽሕፉ።
ብርግጽ እዚ ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣካውንት ምኽፋት ዝሓትት’ኳ እንተዀነ እዚ ግን ቀሊል እዩ።
ብድሕሪኡ ንዅሉ ሕቶታትኩም ብቕልጡፍ መልሲ ይህበኩም።
'ቻትጂፒቲ' ኣብ ዓይነትን ቅርጽን ናይቲ ሕቶ መሰረት ገይሩ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ዳታ ዓለም ብምድህሳስ መልሲ ክህበኩም እዩ።
ቢቢሲ ዘዘራረባ ተመራማሪትን ተንታኒትን ፖሊሲ ቴክኖሎጂ ብርሃን ታየ፡ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተመሰጠት’ኳ እንተዀነት "ዘፍርሕ" ክትብል ትገልጾ።
ኣብ ጽላት ቴክኖሎጂ መዘራረቢ ዝዀነ ቻትጂፒቲ፡ ብቐሊል ቋንቋ ከረድእ ዝተማህረ፡ ዝሰልጠነ፡ ሰብኣዊ ቋንቋ ምስ ዝርዳእ ኢንተርነት ብጽሑፍ ምዝርራብ ምኽኣል ማለት እዩ።
"ብዅሉ መዳይ ሓበሬታ ብምሃብ ዝሕግዘና ሰብሰርሖ ብልሒ [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] እዩ" ትብል ብርሃን።
ቻትጂፒቲ፡ ንመልስታቱ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ሰፊሕ ዳታ ከም ዝጥቀም ትገልጽ ብርሃን። እዚ ድማ ካብ ኵሎም እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ኣገባብ መስርሓት ዳታ ዝተፈልየ ምዃኑ ተብርህ።
ዝዀነ ሰብ ንቻትጂፒቲ ልክዕ ከምቲ ምስ ዓርኩ፡ መምህሩ ወይ ሓላፊኡ ዝዘራረበሉ ቋንቋ እንተዛሪቡ፡ ክርድኦን መልሲ ክህብን እዩ።
ብርሃን፡ ቻትጂፒቲ ንምጥቃም ኣካውንት ክትከፍቱ ከም ዘለኩም ተዘኻኽር፤ መብዛሕትኡ ግዜ ብእንግሊዝኛ ከም ዝሰርሕ’ውን ትዛረብ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ሰብሰርሖ ብልሒ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝተፈላለየ ስርዓታት ኣለዎ። ቻትጂፒቲ’ውን ኵለመዳያውን ኣብ ጽሑፍ ዝተመርኮሰን ከም ዝዀነ ትሕብር።
ብዘይካ’ዚ፡ ደቂ ሰባት ከመይ ከም ዝዛረቡን ንምሉእ ሓሳቦም ብኸመይ ከም ዝሃንጹን ጽቡቕ ገይሩ ስለ ዝተማህረ፡ መልሱ ኣዝዩ ውሕሉል እዩ።
ቻትጂፒቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኵሉ ተጠቒሙ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘለዎ ፍልጠት ኣማዕቢሉ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ቋንቋ ኣጠቓቕማኡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ እዩ።
እቶም ፊልም ስክሪፕት ክጽሕፉ ዝኸኣሉ፡ ዋዛ ክነግሮም ሓቲቶም ዝሰሓቝን ታሪኻዊ ጉዳያት ዘርዚሩ ዘንበበሎምን ሰባት፡ በዚ ዅሉ ስርሓቱ ተመሲጦም እዮም።
እዚ ሰብሰርሖ ብልሒ ብጽሑፍ ትእዛዝ ተቐቢሉ ብጽሑፍ መልሲ ዝህብ ኰይኑ ንብዙሕ ነገራት ከገልግል ይኽእል።
ቻትጂፒቲ ዝህቦም መልሲታት ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ሰብሰርሖ ብልሒታት ዝተፈልየን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓቀኛ ዓለም ኣብ ግምት ዘእተወን ምዃኑ ዘፍርሕ ከም ዝገብሮ ብርሃን ትዛረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፕሮፌሰር ዝዀነ ስቲቭ ፒንከር፡ ብዛዕባ ቻትጂፒቲ "ክንሻቐል ይግባእ፡ ግን ክንስንብድ የብልናን" ይብል።
ወሲኹ፡ ቻትጂፒቲ ብልዕሊ ፍርቂ ትሪልዮን ቃላት ከም ዝተሰልጠነ ይገልጽ።
ምንጪ ስክፍታኦም ድማ እዞም ቃላት ኣብ ኢንተርነት ምህላዎም እዩ።
ቻትጂፒቲን ኣይጋገን ድዩ?
ቻትጂፒቲ ብጽሑፍ ንዝሕተቶ ሕቶ ዝህቦ መልሲ፡ ሓደ ተመራማሪ ብግቡእ ሰኒዱ ዘቕርቦ ዓይነት እዩ ትብል ብርሃን። እንተዀነ፡ ብርክት ዝበሉ ረቛሒታት ኣብ ግምት ብምእታው ብጥንቃቐ ክተሓዝ ከም ዘለዎም ግን ትመክር።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ቻትጂፒቲ እቲ ተጠቃሚ ተመራሚሩ ክረኽቦ ዘለዎ ሓበሬታ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣሰናዲኡ ምሃቡ ሓደ ካብቶም ረብሓታት እዩ።
"ግን እቲ ዝህበና ነገር ኵሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኰነን" ክብል ጌጋ ዘለዎን ሓሶትን ዝሓዘ ነገር’ውን ከም ዝህብ ተመልክት።
ወሲኻ፡ "ገለ ነውሪ" እውን ከም ዝጽሕፍ ትሕብር።
ቻትጂፒቲ ካብ ኵሉ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ዳታ ሓበሬታታት ይእክብ’ዩ። ኵሉ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ዳታ ድማ ጽቡቕን ጽፉፍን ማለት ከም ዘይኰነ ብርሃን ተዘኻኽር።
ኣብ ኢንተርነት ዓሌትነት፡ ጾታዊ ምፍልላይ፡ ከምኡ’ውን ኣድልዎ ሓደ ጾታን ጽልእን ዝሰብኩ ጽሑፋት ኣለዉ፤ ነዚ ኵሉ ኣኪቡ ነቲ ሕቶ ብጽሑፍ መልሲ ከም ዝህብ ተብርህ።
ስለዚ ኵሉ እቲ ካብ ቻትጂፒቲ ዝርከብ ሓበሬታ እናጻረኻ ምውሳድ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ትሕብር።
እቲ ክንጭነቐሉ ዘለና ነገር እንተሃልዩ፡ ናይ ሓሶት ዜና ብዓቢ ደረጃ ክይስናዕ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ስቲቭ ፒንከር። ናይዚ መፍትሒ ድማ መከላኸልን ኣብ ሕቶ ዘእቱ ሜላታትን ምምዕባል ምዃኑ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኵሉ ውጽኢት ስራሕ ቻትጂፒቲ ከም ናይ መወዳእታ ውጽኢት ክንቅበሎ ምጅማርና’ውን ዘስግእ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, THE WASHINGTON POST
"ምኽንያቱ፡ ዝጭበጥ ክውንነት የብሉን፡ ክውንነት ናይ ምቕራብ ዕላማ ከምኡ’ውን ዘተን ዝርርብን ናይ ምቕጻል ዕላማ የብሉን" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።
ካብዚ ሓሊፉ ረብሓ ዘይብሎም ነገራት ክፈጥርን ክዝርግሕን ከም ዝኽእል’ውን ይገልጽ።
ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ እውን ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ትገልጽ ብርሃን፤ ኵሉ ካብ ቻትጂፒቲ ዝመጽእ ሓበሬታ ብኽፉት ዓይኒ ክምርመር ከም ዘለዎ ትምዕድ።
ንሳ፡ ኣብ ስርሐይ ክጥቀመሉ ከለኹ ጽቡቕ'ዩ፡ እንተዀነ ናይ ገዛእ ርእሱ ጉድለት ኣለዎ ክትብል ተመኵሮኣ ትዛረብ።
“ኣብ ቀረባ እዋን ንዘካይዶ ዘለኹ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዓለምና እቶም ብሉጻት 100 ማሕበራት ክህበኒ ሓቲተዮ ነይረ፡ 38 ሚእታዊት ድማ ሓሶት እዮም" ትብል።
ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ ጌጋታት ንምድሓን ዘሎ ሓበሬታ ምፍታሽ ከም ዘድሊ ትዛረብ።
ቻትጂፒቲ እቲ ዳታ ኣብ ኢንተርነት እንተዘይሃልዩ ዝዀነ ነገር ክረክብ ዘይምኽኣሉ ሓደ ጋግ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ብኣምሓርኛ፡ ኦሮምኛን ትግርኛን ዝተጻሓፉ ሓበሬታታት ከም ዘለዉ ብምዝኽኻር፡ እዚ ሓበሬታ ብቛንቋ እንግሊዝ ኣብ ኢንተርነት እንተዘይተረኺቡ እቲ ሓበሬታ ምርካብ ከም ዘይከኣል ተረድእ።
ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ሓበሬታ እውን እቲ ክሳዕ 2021 ዘሎ ጥራይ ዝረክብ ምዃኑ ካልእ ጋግ ከም ዝዀነ ወሲኻ ትገልጽ።
እዚኦም እቶም ሃጓፋት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ናይ ቀረባ እዋንን ኣብ ኢንተርነት ዘይርከቡን ምዃኖም ገሊፀን።
ንተመሃሮን መምህራንን ዘፋጠጠ ቻትጂፒቲ
ብዙሓት ተመሃሮ ዕዮ ገዛኦም ናብ ቻትጂፒቲ ወሲዶም ሕቶ ብምቕራብ መልሲ ይረኽቡን እቲ መልሲ’ውን ባዕሎም ከም ዝጸሓፍዎ ጌሮም የቕርቡን ኣለዉ።
እዚ ከም ምቕዳሕ’ዩ ዝቝጸር ትብል ብርሃን። መምህራን ከይተረፈ፡ እቲ ተመሃራይ ዝሰርሖ ካብቲ ብሓገዝ ሰብሰርሖ ብልሒ ዝተሰርሐ ንምፍላይ ከም ዝጽገሙ ትዛረብ።
እንተዀነ፡ ተመሃሮ ቻትጂፒቲ ኣይትጠቐሙ ምባል ኣጸጋሚ’ዩ እያ ትብል። ተመሃሮ ብኸመይ ክጥቀሙሉ ከም ዘለዎም ክመሃሩ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ’ውን ትሕብር።
ብኢንተርነት ዳህሲሶም ብሓንሳብ ክረኽብዎ ዘይክእሉ ሓበሬታ ንምርካብን ዕዮ ገዛኦም ምስራሕ ከም መበገሲ እንተዝጥቀሙሉን ውጽኢታዊ ከም ዝዀኑ ትዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተጸሓፉ ጽሑፋት ንምልላይ ዝሕግዙ ካልኦት ሰብሰርሖ ብልሒታት ኣብ ምምዕባል ከም ዘለዉ’ውን ትገልጽ።
ብርሃን፡ ቻትጂፒቲ ዝህቦ ሓበሬታ፡ ናይ ሓሶትን ግምታዊን ሓበሬታ ዘጠቓልል ክኸውን ስለዝኽእል ክንጥንቀቕ ኣለና ባሃሊት እያ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







