ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣእምሮና ብኸመይ ብሞባይል ተጸልዩ?

ሞባይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከም መብዛሕትኡ ሰብ፡ ምስ ተሌፎነይ ብዙሕ ግዜ እየ ዘሕልፍ። ከም መብዛሕትኡ ሰብ ከኣ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣጸቢቐ እፈልጦ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ስምዒት ገበን ይስምዓኒን።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ብዙሕ ግዜ ከይጥቀመሉ ክብል ተሌፎነይ የጥፍእ። ግን፡ ካብቲ ክኣምኖ ዝደሊ ቀልጢፈ፡ ብተሌፎን ጥራይ ክገብሮ ዝግበኣኒ ነገር ክገብር ይኸፍቶ።

ሕሳብ ምኽፋል፡ ምስ ዓርክኻ ቡን ንምስታይ ንምቍጻር፡ ናብ ኣብ ርሑቕ ዝነብሩ ስድራቤት መልእኽቲ ንምልኣኽ፡ ኵነታት ኣየር ንምፍላጥ፡ ሓሳብ ዛንታ ንምጽሓፍ፡ ስእሊ ወይ ቪድዮ ንምስኣል፡ ፖድካስት ንምስማዕ፡ ቅልጡፍ ቅማረ ምግባር፡ ላምባዲና ንምውላዕ ከይተረፈ፡ ቴለፎን የገልግል።

ናብ ቀረባ እዋን ጸብጻብ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነብሩ ዓበይቲ ሰባት፡ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ መዓልቲ 344 ግዜ ወይ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ደቓይቕ ሓደ ግዜ ሞባይሎም ይፍትሹ። ብድምር ድማ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት ኣብ ተሌፎኖም የሕልፉ።

ንመብዛሕትና እቲ ጸገም፡ ሓደ ምስ ተሌፎን ዝተኣሳሰር ቅልጡፍ ዕማም ንምፍጻም፡ ኢመይል ወይ ማሕበራዊ መራኸቢታትና ንምፍታሽ ክንብል ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንክሊል ምጥላቕና’ዩ።

ዕሱብ ዓንኬል እዩ። ስልክታትና ዝያዳ ጠቐምቲ ምስ ዝዀና፡ ዝያዳ ንጥቀመለን ኢና። ዝያዳ ብዝተጠቐምናሎም መጠን፡ ኣብ ሓንጐልና ንዝዀነ ኣብ ኢድና ዘሎ ዕማም ተሌፎናትና ክንወስድ ዝመርሕ መንገዲ መትኒ ነዳሉ - ዋላ’ውን ኣብ ዘየድልየና እዋን ስልክና ክንፍትሽ ድሌት ይስምዓና።

ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ዓቐን ዝተኣሳሰረት ዓለምና ዘሎ ስክፍታታት፡ ኣብዞም መሳርሒታት ጽግዕተኛ ምዃንና ኣብ ሓንጐልና እንታይ የስዕብ ኣሎ? ኵሉ ኣሉታዊ ድዩ ወይስ ገለ ምዕባለታት እውን ኣሎ?

መርመራታትን መጽናዕቲታትን ምስቲ ዓመት ዓመት ብቕልጡፍ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰባዊ ጽግዕተኛነትና ማዕረ ክጓዓዙ ይቃለሱ ኣለዉ።

እንፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ተሌፎን ምፍታሽ ወይ ምልክታ ምርኣይ ዝብል ቀሊል ምዝንባል ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል እዩ።

እዚ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን፤ ብሓፈሻ ብዙሕ ዕማማት ምፍጻም ንዝኽርን ኣፈጻጽማን ከም ዘዳኽም ንፈልጥ ኢና።

ሓደ ካብቲ ሓደገኛ ኣብነታት መኪና እናዘወርካ ተሌፎን ምጥቃም እዩ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ መልእኽቲ ምልኣኽ ዘይኮነስ ብተሌፎን ምዝራብ ጥራይ፡ መራሕቲ መካይን ኣብ ጽርግያ ድንጉይ ምላሽ ንኽህቡ እኹል እዩ።

እዚ ኣብ ትሑት ሓደጋ ዘለዎም መዓልታዊ ዕማማት እውን ተመሳሳሊ እዩ። "ዲንግ" ዝብል ምልክታ ምስማዕ ጥራይ፡ ኣብ ካልእ መጽናዕቲ ዝነበሩ ተሳተፍቲ ኣብ ሓደ ዕማም ኣዝዩ ዝኸፍአ ውጽኢት ክህልዎም ገይርዎም እዩ።

ሳዕቤን ዘለዎ ኣጠቓቕማ ስልኪ ጥራይ ኣይኮነን - ህላወኡ ጥራይ ንኣተሓሳስባና ክጸልዎ ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ፡ ተሳተፍቲ ስልኮም ክርእይዎ ኣብ ዝኽእሉ ኣብ ጥቓኦም (ከም ኣብ ጠረጴዛ ጣውላ) ወይ ኣብ ቀረባ ኣብ ዘይረኣይ ቦታ (ከም ኣብ ቦርሳ ወይ ጁባ) ወይ ኣብ ካልእ ክፍሊ ከቐምጡ ሓቲቶም። ብድሕሪኡ እቶም ተሳተፍቲ ሓበሬታ ናይ ምዝካር፡ ጸገማት ናይ ምፍታሕን ትኹረት ናይ ምግባር ዓቕሞም ንምፍታሽ ተኸታታሊ ዕማማት ክፍጽሙ ተገይሮም።

ነዚ ስዒቡ፡ ስልኮም ኣብ ክንዲ ኣብ ጥቓኦም ኣብ ካልእ ክፍሊ ኣብ ዝህልዋሉ እዋን ኣዝዩ ዝሓሸ ውጽኢት ከም ዘርኣዩ ተረጋጊጹ።

ሞባይል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ቅልጡፍ ዕማም መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዲጂታላዊ ዓንኬል ክመርሓና ይኽእል፣ እዚ ድማ ግዜና ክወስድን ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ክውስኽን ክገብር ይኽእል
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቴለፎን ኣብ ቀረባና ብዝዀነ መጠን፡ ኣብ "ጽርረተ-ኣእምሮ" ኣበርክቶ ዝገብር ይመስል። ሓንጎልና ቴለፎናትና ናይ ምፍታሽ ድሌት ኣብ ምዕጋት ብትሕተ-ንቕሓት ኣበርቲዑ ይሰርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ወይ ድማ ቴለፎንና ክንፍትሽ ኣለና ድዩ የብላን ንምውሳን ከባቢና ብቐጻሊ ይከታተል (ንኣብነት ምልክታ መፍለጢ ምጽባይ)።

ብዝዀነ ኣእምሮና ብሰንኪ እዚ ዝተዘናግዐ ኣቓልቦ፡ ካልእ ዝዀነ ነገር ንምፍጻም ዝያዳ ከጸግሞ ይኽእል እዩ። እቶም ተመራመርቲ ከም ዝብልዎ፡ እቲ እንኮ "መፍትሒ" ቴለፎንና ምሉእ ብምሉእ ኣብ ካልእ ክፍሊ ምቕማጥ እዩ።

ንሱ እዩ (ገለ ካብቲ) ሕማቕ ዜና። ግን – ከምቲ ተመራመርቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝረኸብዎ – ኣብ ጽግዕተኛነት ቴለፎን’ውን ገለ እወታዊ ምዕባለታት ክህሉ ይኽእል’ዩ።

ኣብ ቴለፎን ጽግዕተኛ ምዃንና ናይ ምዝካር ዓቕምና የጉድሎ ኣሎ ዝብል ልሙድ እምነት ሓደ ኣብነት እዩ። እዚ ግን ቀሊል ዘይክኸውን ይኽእል።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ወለንተኛታት ቝጽሪ ዝተወሃቦም ዓንኬላት ኣብ ስክሪን ተዋሂቦም ናብ ሓደ ሸነኽ ወይ ናብቲ ኻልእ ሸነኽ ክጐምትትዎ ተገይሮም። እቶም ወለንተኛታት፡ ዝለዓለ ቁጽሪ ናብቲ ቅኑዕ ሸነኽ ብዝጎተተ ቁጽሪ ዝያዳ ክፍሊት ከም ዝረኽቡ ተነጊርዎም። ፍርቆ፡ ተሳተፍቲ፡ ኣየኖት ዓንኬላት ናብ ኣየናይ ኣንፈት ክኸዱ ከም ዘለዎም ኣብ ስክሪን ክጽሕፉ ተፈቒዱሎም። እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ ዝኽሪ ጥራይ ክምርኮሱ ነይርዎም።

እቶም ዲጂታላዊ መዘኻኸሪ ዝተወሃቦም ዝሓሸ ኣፈጻጽማ ኣርእዮም። እቲ ዝያዳ ዝገርም ድማ እቶም መዘኻኸሪታት ዝተጠቐሙ ተሳተፍቲ ነቶም ልዑል ዋጋ ዘለዎም ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም ዘይጸሓፍዎም ትሑት ዋጋ ዘለዎም ዓንኬላት እውን ዘኪሮም። እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ (ልዑል ዋጋ ዘለዎ) ሓበሬታ ኣብ ስክሪን ድሕሪ ምጽሓፎም፡ ዝኽሪ እቶም ተሳተፍቲ ነጻ ስለዝኸውን ነቲ ትሑት ዋጋ ዘለዎ ሓበሬታ ክዕቅቡ ከም ዝኸኣሉ ይሓስቡ።

እቲ ኣሉታዊ ጐድኒ? ድሕሪ ደጊም ነቲ መዘኻኸሪታት ክረኽብዎ ምስ ዘይከኣሉ፡ ብዛዕባ እቶም ትሑት ዋጋ ዘለዎም ተዘክሮታት ጸኒዑ - ነቶም ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎም ግን ክዝክሩ ኣይከኣሉን።

ጽግዕተኛነት መሳርሒታትና ኣብ ነዊሕ እዋን ንድሌትናን ፍልጠትናን ብኸመይ ከም ዝጸሉ ብንጹር ንምፍላጥ ናይ ብዙሕ ዓመታት ተወሳኺ መጽናዕቲ ከድልይ’ዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን ነቲ ሕማቕ ሳዕቤናቱ ከነቃልሎ እንፍትነሉ ካልእ ኣገባብ ኣሎ።

እዚ ኣገባብ ምስቲ ብዛዕባ ሓንጎልና ብኸመይ ከም እንሓስብ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓይሊ ድሌትና ብዝዀነ ኣገባብ እንተተጠቒምናሉ (ንኣብነት ብትሕተ-ንቕሓት ስልክና ናይ ምፍታሽ ድሌት እንተዓጊትና) ሓፈሻዊ ዕቑር ሃብትና "ተዳኺሙ" ኣብ ካልእ ዕማም ምትኳር ኣዝዩ ከቢድ ይኸውን ዝብል እምነት ከም ዘልዓለ ዴቪድ ሮብሰን ኣብ ‘ዘ ኤክስፐክቴሽን ኢፍክት’ እትብል መጽሓፉ የመልክት። እዚ ሓቂ ክኸውን ይኽእል እዩ። ዴቪድ ግን፡ ብዓቢኡ ኣብ እምነትና ከም ዝምርኮስ ይገልጽ።

ሓንጎልና "ውሱን" ጸጋታት ኣለዎ ዝብሉ ውልቀሰባት ኣለዉ፤ ሓደ ፈተነ ምዕጋት ነቲ ዝቕጽል ፈተነ ንምዕጋት ኣጸጋሚ ይገብሮ ኢሎም ይሓስቡ። ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት ብሓቂ ነዚ እምነቶም ኣብ ፈተና ናይ ምንጽብራቕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ። እቶም ሓደ ፈተነ ዝያዳ ብዝዓገትና መጠን፡ ፈተነ ምዕጋት ናይ ምቕጻል ዓቕምና ዝያዳ ነሐይል ኣለና ዝብሉ ግን ሓንጎል ደረት ኣልቦ ጸጋታት ከም ዘለዎ ይኣምኑ። ኣብ ሓደ ዕማም ርእሰ-ምግታእ ምፍጻም ወይ ኣእምሮኣዊ ድኻም፡ ኣብ ኣፈጻጽማ ቀጻሊ ዕማም ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይህልዎን።

እቲ ዝያዳ ዝገርም ግን፡ ብዛዕባ ሓንጎል ዝህልወና ውሱን ወይ ዘይውሱን ኣረኣእያ ብዓቢኡ ባህላዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስ ከም ናይ ህንዲ ዝኣመሰለ ካልኦት ባህልታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ባህሊ ከም ኣሜሪካ ዝበላ ምዕራባውያን ሃገራት ኣእምሮ ድሩት ክመስሎም ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

ስለዚ እንታይ ማለት እዩ?

ብዘይኣእምሮይ ሞባይለይ ንዘይምልዓል፡ ኣብ ካልእ ክፍሊ እናገደፍኩ ምልምማድ ክቕጽል’የ።

እንተዀነ ሓንጎለይ ካብቲ ዝሓስቦ ንላዕሊ ጸጋታት ከም ዘለዎ’ውን ከዘኻኽሮ’የ - እዚ ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሞባይለይ ናይ ምፍታሽ ድሌት ኣብ ዝዓግተሉ እዋን፡ ነቲ ፈተነ ንምዕጋት ዝያደ ዝቐለለ ዝገብሩ ሓደስቲ ሜላታት መትኒ የዳሉ ኣለኹ።

እዚ ድማ ኣብ መጻኢ ምናልባት ንካልኦት ፈተነታት’ውን ክጠቅም ይኽእል።