ብኣትክልቲ ንነብሶም ዝፍውሱ ጕሪላታት ኣብ ሕክምና ሓድሽ ተስፋ ሂቦም

ትሕቲ 150,000 ዝዀኑ ጎሪላታት ምዕራባውያን ቆላ ኣብ ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪቃ ኣብ በረኻ ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣትክልቲ ተጠቒሞም ንገዛእ ርእሶም ዝሕክሙን ዝፍውሱን ጕሪላታት ትዅረት ተመራመርቲ ይስሕቡ ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት፡ መስርሕ ሕክምና እዞም እንስሳታት ኣብ መጻኢ ድማ ዝተፈላለዩ መድሃኒት ንምርካብ ኣመት ክህብ ከምዝኽእል ተተስፍዮም ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብ ጋቦን ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጕሪላታት ዝበልዕዎም ኣትክልቲ መጽናዕቲ ኣካይዶም፤ እዞም ኣትክልቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ባህላዊ ሓካይም’ውን ዝጥቀምሎም እዮም።

ብመሰረት’ቲ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ኣትክልቲ እቶም ኣርባዕተ መድሃኒታዊ ውጽኢት ከምዘለዎም ኣለልዮም።

እቶም ኣትክልቲ ንዋህዮታት ካብ ጉድኣት ዝከላኸል ልዑል ኣንቲኦክሲዳንትን ከምኡ’ውን ጸረ-ረኽስን ከምዘለዎም ኣብ ቤት ፈተነ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ሓደ ካብኣቶም ድማ ባልዕ ኣብ ምክልኻል ጽቡቕ ተስፋ ዘለዎ ኰይኑ ተረኺቡ።

እዞም ጎሪላታት ቆላ ኣብ ጽዑቕ ጫካታት ዝነብሩን ጕንዲ፡ ቆጽሊ ኣርቃይን ፍረታትን ይምገቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዞም ጕሪላታት ቆላ ኣብ ጽዑቕ ጫካታት ዝነብሩን ጕንዲ፡ ቆጽሊ ኣርቃይን ፍረታትን ይምገቡ

ዓበይቲ ኣህባይ ፈዋሲ ባህርያት ዘለዎም ኣትክልቲ ብምምራጽ ባዕሎም ከምዝሕከሙ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ዝቘሰለ ጕሪላ፡ ንተኽሊ ከም መድሃኒት ክጥቀም ምስ ተረኣየ ትዅረት ማዕከናት ዜና ስሒቡን ኣርእስታት ኰይኑን ነይሩ።

እቲ ኣብ ኢንዶነዥያ ዝርከብ ‘ሱማትራዊ ኦራንጉታን’ ብዝብል ዝፍለጥ ዓይነት ገዚፍ ህበይ፡ ኣብ ምዕጉርቱ ንዝነበረ ቍስሊ ንምፍዋስ፡ ካብ ተኽሊ ዝተሰርሐ ልስሉስ መድሃኒት ተጠቒሙ ባዕሉ መድሃኒት ከም ዝወሰደ ተመራመርቲ ምሕባሮም ይዝከር።

ኣብዚ ዳሕረዋይ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ስነ-ኣትክልቲ፡ ኣብ ጋቦን ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ሞካላባ-ዶውዶው፡ ጕሪላታት ቆላታት ምዕራብ ዝበልዕዎ ኣትክልታት መዝጊቦም ኣለዉ።

ምስ ናይቲ ከባቢ ባህላዊ ሓካይም ብዝገበርዎ ቃለ መሕትት መሰረት፡ ጠቐምቲ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣርባዕተ ኣግራብ መሪጾም፤ እዚኦም ኦም ፍሮሜጀር (Ceiba pentandra)፡ ግዙፍ ብጫ መልበርሪ (Myrianthus arboreus)፡ ኣፍሪቃዊ ቲክ (Milicia excelsa) ከምኡ’ውን ኣግራብ በለስ ጥልያን (Ficus) እዮም።

ባህላዊ ሓካይም ከም ሕማም ከስዐ፡ መኻንነትን ካልኦትን ንምፍዋስ ዝጥቀሙሉ ቅላጥ እቶም ኣግራብ፡ ከም ፊኖልን ፍላቮኖይድን ዝኣመሰሉ መድሃኒታዊ ባህሪ ዘለዎም ከሚካላት ዝሓዘ እዩ።

ጋቦን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ብዙሕነት ህይወት ዘለወን ቦታታት ሓንቲ እያ፤ ዘይተኣደኑ መድሃኒታዊ ባህርይ ዘለዎም ተኽልታት ዝሓዘ ዓቢ ዕቋር ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዓለም ብዙሕነት ህይወት ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ጋቦን'ያ፤ ዘይተኣደኑ መድሃኒታዊ ባህሪ ዘለዎም ኣትክልቲ ዝርከብዎ ዓቢ ዕቋር ሃብቲ ኣለዋ

ኣርባዕቲኦም ኣትክልቲ ብውሑዱ ኣንጻር እቲ ‘ኢ. ኮሊ’ ዝበሃል ሓደ ንብዙሕ መድሃኒታት ዝጻወር ዓይነት ባልዕ ጸረ-ረኽሲ ክዀኑ ዘኽእሎም ንጥፈታት ኣርእዮም።

ብፍላይ እቲ ኦም ፍሮመጀር ኣንጻር ኵሎም ዝተፈተኑ ዓይነታት "ዘደንቕ ንጥፈት" ከምዘርኣየ እቶም ተመራመርቲ ይዛረቡ።

"እዚ ጕሪላታት ረብሓ ዘለዎም ኣትክልቲ ምብላዕ ከምዝለመዱ ዝሕብር ኰይኑ፡ ኣብ ኣግራብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘለና ኣፍልጦ ዘሎ ዓቢ ሃጓፍ ዘጕልሕ'ዩ" ትብል ምስ ጋቦናውያን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝሰርሐት ክኢላ ስነ-ማሕበረሰብ ዶክተር ጆኣና ሴቸል ሳይንቲስት ካብ ዩኒቨርሲቲ ዱርሃም ዓባይ ብሪጣንያ።

ኦም ፍሮሜጀር ብባህላዊ ሓካይም ከይተረፈ ሕማማት ንምፍዋስ ይውዕል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦም ፍሮመጀር ብባህላዊ ሓካይም ከይተረፈ ሕማማት ንምፍዋስ የገልግል

ጋቦን ከም ሓራምዝ፡ ቺምፓንዚን ጕሪላታትን ከምኡ’ውን ብዙሓት ብሳይንስ ዘይፍለጡ ኣትክልቲ ዝነብሩላ ዘይተኣደነ ሃብቲ ኣግራብ ዘለዋ ሃገር እያ።

ይዅን’ምበር ሃድንን ሕማማትን፡ ብብዝሒ ቍጽሪ ጕሪላታት ክውሕድ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ዓለምለኻዊ ሕብረት ዕቃበ ተፈጥሮ እውን ኣብ ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ዝርከቡ እንስሳታት ምዃኖም ይገልጽ።