ጥሪት ምስ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም እንታይ የራኽበን? መልሱ ዘገርም እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ስዒቡ ዝርከብ ስእሊ ዝረኣያ ኣላሕም ርእሰን ኣድኒነን ክጓስያን ኣብቲ ሜዳ ዘሎ ሳዕሪ እናገሃጻ ‘እምባሕ’ እናበላ ክስምዓን ንዝረኣየን፡ ካብተን ኣብ ከባቢና እንፈልጠን ከብቲ ዝተፈለያ ኣይመስላን።
ግን ከምኡ ኣይኰነን፤ ኣብ ውሽጢ ከብደን፡ ነዛ ፕላነት ክቕይር ዝኽእል ፈተነ ይካየድ’ዩ ዘሎ።
ኣብ ከስዐ ላሕሚ ዝርከቡ ከም ባክተርያ፡ ቫይረስ፡ ጀርም ዝኣመሰሉ ማይክሮብስ ኣለዉ። እዞም ማይክሮብስ ሚተይን ዝበሃል ሕብርን ሽታን ዘይብሉ ተቓጻሊ ጋዝ የፍርዩ እዮም።
ሚተይን ሓደ ካብቶም ጋዛት ሓምላይ ገዛ ኰይኑ፡ ካብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብግምት ብ25 ዕጽፊ ዝያዳ ሙቐት ክብርኽ ይገብር።
ስለዚ እዘን ኣላሕም ክታበት ጸረ-ማይክሮብስ ዝተወሃበን እየን።
እዚ ዝገብር ዘሎ ድማ ኣግሪሰርች ዝተበሃለ ትካል ሳይንሳዊ ምርምር እዩ።
ዕላማ ኣግሪሰርች ነዚ ክታበት ጸረ-ማይክሮብስ ምስ ካልኦት ጸረ-ሚተይን ሜላታት ምምዕባል እዩ፤ ስጋን ፍርያት ጸባን ከይነከየ፡ ኢንዱስትሪ ጥሪት ኣብ ከባቢ ዘለዎ ጽልዋ ንምንካይ ይጽዕር።

ምንጪ ስእሊ, AgResearch
ዝተፈላለዩ ግምታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ጥሪት ግን ክሳብ 14 ሚእታዊት ካብ ኵሉ ንጥፈታት ደቂ ሰባት ዝፍኖ ልቀት ጋዛት ሓምላይ ገዛ ከምዘበርክታ ይግለጽ።
ሕርሻ ካብ ካርቦን ዳይኦክሳይድ ብተወሳኺ ካልኦት ክልተ ጋዛት ብብዝሒ የፍሪ - ናብ መሬት ሕርሻ ዝውሰኽ ድኹዒን ጎሓፍን ዘስዕቦ ናይትረስ ኦክሳይድን ሚተይን። ሚተይን ብቐንዱ ካብ ኣባጊዕን ከብትን እዩ ዝወጽእ፤ ልዕሊ ሲሶ ናይቲ ካብ ሕርሻ ዝወጽእ ልቀት ድማ ይሽፍን።
ብደረጃ ዓለም፡ ጥሪት (ብመጉሳዕትን ፈሲን) ኣብ ዓመት ምስ 3.1 ቢልዮን ቶን ካርቦን ዳይኦክሳይድ ዝመጣጠን ሚተይን ናብ ከባቢ ኣየር ይፍንዋ።
እቶም ኣብ ኣግሪሰርች ዝርከቡ ሳይንቲስት ግን ሕርሻ ጥሪት ኣብ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ዝገብሮ ዘሎ ኣበርክቶ ክንኪ ምግባር ከምዝከኣል’ዮም ተስፋ ዝገብሩ።
3 ሚእታዊት ካብቲ ጥሪት ዝፍንዋኦ ሚተይን ዘፍርዩ ኣብ ከስዐ ዝርከቡ ማይክሮብስ እዮም። እዞም ማይክሮብስ ኦክስጅን ኣብ ዘይብሉ ከባቢታት ናይ ምንባር ዓቕሚ ኣለዎም።
ኣብ መስርሕ ኣመጋግባኦም፡ እተን ጥሪት ዝበልዕኦም ኣቝጽልትን ኣትክልትን ብምብኳዕ ክበስብሱን ክበስሉን ኣብ ዝገብሩሉ መስርሕ፡ ከም ጐድናዊ ፍርያት ሚተይን የፍርዩ። እዚ ጋዝ እዚ እናፈረየ ከይዱ ምስ ተኣከበ ጸቕጢ ይፈጥር እሞ እተን ጥሪት ነቲ ጸቕጢ ንምፍናው የጉስዓ ወይ ይፈስዋ።
ስለዝዀነ ድማ እቶም ሳይንቲስት ነቶም ማይክሮብስ ክኣልዩ ዘኽእል ክታበት ኣፍርዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሳዕ ሕጂ እቶም ተመራመርቲ ኣብ ዘካየድዎም ፈተነታት እቲ ክታበት ንውሑዳት ላሕምታትን ኣባጊዕን ጥራይ እዩ ተዋሂቡ። ኣብቶም ዝተኸተቡ እንስሳታት ብሓቂ ውጽኢት ድሕሪ ምርኣዩ ድማ፡ ንመስርሕ ሚተይን ከምዝዓግት ከረጋግጹ ይፍትኑ ኣለዉ።
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ ኣብ ምርምር ዝረኸብዎ ውጽኢት ካብቲ ቤተ-ፈተነ እውን ክደግሙ ይፍትኑ ኣለዉ።
ክታበት ግን ትንፋስ ላሕሚ ንምጽራይ ዘኽእል እንኮ መንገዲ ኣይኰነን። እንስሳታት ብዘፍርይዎ ሚተይን ይፈላለዩ እዮም፤ ገለ ካብዚ ፍልልይ እዚ ድማ ብሰንኪ ጀነቲካዊ ፍልልያት ዝመጽእ እዩ።
ውሑድ ሚተይን ዘፍርዩ እንስሳታት መሪጽካ ምርባሕ እውን ብሰንኪ ጥሪት ዝፍጠር ጋዝ ሓምለዋይ ገዛ ንምንካይ ይሕግዝ እዩ።
ትሑት ሚተይን ዘፍርዩ እንስሳት ምርባሕ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሑ ሜላታት ተወሳኺ ኣገባብ’ዩ ዝኸውን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ኣማራጺ ድማ፡ እቶም እንስሳታት ነቶም ማይክሮብስ ዘይምቹእ ዝዀነ ኣመጋግባ ምምጋብ እዩ።
እዚ ብኸፊል ውጽኢታዊ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖቲንግሃም ኣብ ምምጋብ ጸባ ላም ዝነጥፍ ፊል ጋርንስዎርዚ ይገልጽ።
"ምናልባት ኣመጋግባ ብምቕያር ሚተይን ብኣስታት 20-25 ሚእታዊት ክንኪ ምግባር ይከኣል’ዩ" ይብል።
ሓንቲ ላም ዝያዳ ጽሕጊ ዘለዎም መግብታት እንተበሊዓ ዝያዳ ሚተይን እያ ተፍሪ፤ እንተዀነ ግን ኣብ ኣመጋግባኣ ኣእካል ወይ ጥራምረን ዝተፈላለዩ ቅብኣት ዘለዎም መግቢታትን ምውሳኽ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል ይግለጽ።
እዞም ፈተነታት ክሳብ ዝረጋገጹ ግን ዓለምና ምስ ምውሳቕ ሙቐት ዓለም እናተቓለሰት ክትጽበ ክትግደድ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







