ኤል ኒኖን ላ ኒናን እንታይ’ዮም? ከጨንቑናኸ ይግባእ'ዶ?

ዓለም ስለ ምንታይ ትውዒ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምዕራፍ ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖ፡ ኣብ ሓጋይ 2023 ዝጀመረ ሕጂ ናብ ምዝዛም ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ኵነታት ኣየር ከም ዝዀነ፡ ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ኣውስትራልያ ይገልጽ።

እዚ ተርእዮ፡ ኣብ ክሊ እቲ ብሰንኪ ደቂ ሰባት ዝስዓበ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ምውሳኽ ሙቐት፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ዝተርኣየ መጠን ሙቐት ዓለም ክብረወሰን ክሕዝ ገይሩ’ዩ።

ኤል ኒኖ ኣካል ናይቲ ኤል ኒኖ ደቡባዊ ምንቅጥቃጥ (ENSO) ዝበሃል ተፈጥሮኣዊ ተርእዮ ክሊማ እዩ።

እዚ፡ ኤል ኒኖን ላ ኒናን ዝበሃሉ ክልተ ተጻረርቲ ኵነታት ዝሓዘ እዩ፤ ክልቲኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ኵነታት ኣየር ዓብይ ጽልዋ ኣለዎም።

ኤል ኒኖን ላ ኒናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ካብ ክልተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝኽሰቱ ኰይኖም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ካብ ትሽዓተ ክሳብ 12 ኣዋርሕ ይጸንሑ።

ግድን ግን ዝቀያየሩ ክስተታት ኣይኰኑን፤ ላ ኒና ካብ ኤል ኒኖ ብዝወሓደ መጠን ይኽስት።

ኤል ኒኖ፡ ብዝተፈላለዩ ብዙሓት መዐቀኒታት ክፍለጥ ይኽእል። ንገሊኦም ንምጥቃስ ዝኣክል፤

  • ኣብ ገጽ ባሕሪ ትሮፒካዊ ምብራቓዊ ፓስፊክ ዝርአ ልሙድ ውዑይ ሙቐት
  • ኣብ ዳርዊን፡ ኣውስትራልያ (ምዕራባዊ ፓስፊክ) ልዕሊ ንቡር ጸቕጢ ኣየር ምህላው
  • ኣብ ታሂቲ፡ (ማእከላይ ፓስፊክ) ድማ ትሕቲ ንቡር ጸቕጢ ኣየር ምህላው

ፍሉጥ ጠባይ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት፡ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝርከብ ማይ፡ ብምብራቕ ዝሑል፡ ብምዕራብ ድማ ምውቕ እዩ።

ኣብ ኢኳቶሪያል ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ዝነፍሱ ንፋሳት -‘ትሬድ ዊንድስ’ (trade winds)- ከምኡ’ውን ካብ ጸሓይ ዝመጽእ ሙቐት፡ በዚ ኣንፈት ክጕዓዙ እንከለው ነቲ ማያት በብቕሩብ የሙቕዎ።

ኣብ እዋን ፍጻመታት ኤል ኒኖ እዞም ንፋሳት ይደኽሙ ወይ ይግልበጡ እሞ፡ ውዑይ ማያት ጽፍሒ ናብ ምብራቕ ይሰዱ።

ላ ኒና ኣብ ዝህልወሉ እዋን ድማ፡ እቲ ንቡር ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ዝነፍስ ንፋስ እናሓየለ ይኸይድ፤ እዚ ድማ ነቲ ዝሞቐ ማያት ዝያዳ ናብ ምዕራብ ገጽ ይደፍኦ።

እዚ ድማ ዝሑል ማይ ካብ ዕምቆት ውቅያኖስ ንላዕሊ ክውስኽ ይገብር፤ እዚ ማለት ኣብ ምብራቕ ፓስፊክ ዝህሉ ሙቐት ገጽ ባሕሪ ካብቲ ልሙድ ዝዀነ ወጻኢ ዝሑል ይኸውን ማለት’ዩ።

እዚ ተርእዮ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 1600ታት ዜጋ ፔሩ ዝዀነ ገፋፊ ዓሳ ዘስተብሃሎ ጉዳይ እዩ።

ንሱ፡ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ጥቓ ኣመሪካ ዋዒ ማያት ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጽሕ ኣስተብሂሉ።

ኤል ኒኖ ብቋንቋ ስጳኛ “ኤል ኒኖ ዲ ናቪዳድ” - ወዲ ክርስቶስ ዝብል ሳጓ ተዋሂቡዎ ኣሎ።

ዋዒ

ዓለማዊ ሙቐት ብተለምዶ ኣብ እዋን ሓደ ክፋል ኤል ኒኖ ይውስኽ፤ ኣብ እዋን ላ ኒኖ ድማ ይንኪ።

ኤል ኒኖ ማለት፡ ብዝሒ ውዑይ ማይ ምህላው ኰይኑ፡ እዚ ናብ ገጽ ምድሪ ቀረባ ኰይኑ ይጸንሕ። እዚ ድማ ዝያዳ ሙቐት ናብ ከባቢ ኣየር ብምፍናው ጠሊ ዘለዎን ውዑይን ኣየር ይፈጥር።

ዞባዊ ሳዕቤናቱ ግን ኣዝዮም ዝተሓላለኹ ኰይኖም፡ ገለ ከባቢታት ኣብ ዓመት ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ወጻእ ዝዀነ ውዑይን ዝሑልን ኵነታት ኣየር ከጋጥመን ይኽእል።

ኣብ ዓለም እቲ ክብረወሰን ዝሓዘ ሙቐት ዝተመዝገበሉ ዓመት 2023 እዩ ነይሩ። እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ንነዊሕ እዋን ወዲ ሰብ ዝፈጠሮ ለውጢ ክሊማ፡ ጽልዋ ኤል ኒኖ ተወሲኽዎ እቲ ዋዒ ክሳብ 2024 ቀጺሉ ተራእዩ።

ካብ 2020 ክሳብ 2022፡ ዓለምና ዘይተለምደ ነዊሕ እዋን ኵነታት ላ ኒና ኣጋጢምዋ ጸኒሑ።

ኤል ኒኖ፡ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ዓብዪ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤል ኒኖ፡ ኣብ ልዕሊ ገፈፍቲ ዓሳ ዓቢይ ጽልዋ ኣሕዲሩ'ዩ

ምቅይያር ዝናብ

ኤል ኒኖ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ እቲ ዝውዓየ ማይ ነቲ ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ዘሎ ሓያል ዋሕዚ ኣየር ፓስፊክ ዝያዳ ናብ ደቡብን ምብራቕን ይደፍኦ።

እዚ ድማ፡ እቲ ጠሊ ዘለዎ ኵነታት ኣየር ናብ ደቡባዊ ኣመሪካን ወሽመጥ ሜክሲኮን ክመጽእ ይገብሮ።

ከም ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያ፡ ኣውስትራልያን ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ትሮፒካዊ ዞባታት ብተለምዶ ዝነቐጸ ኵነታት የጋጥሞም።

ላ ኒና ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ውጽኢት ብኣንጻሩ ይኸውን።

ትሮፒካዊ ማዕበላት

ኤል ኒኖ ፡ ንኣገባብ ዑደት ከባቢ ኣየር እውን ይጸልዎ እዩ።

እዚ ማለት ብሓፈሻ ኣብ ትሮፒካዊ ፓስፊክ ዝያዳ ትሮፒካዊ ህቦብላታት ይህልው።

ኣብ ትሮፒካዊ ኣትላንቲክ ከምኡ’ውን ደቡባዊ ኣመሪካ ግን ውሑዳት ይዀኑ።

ኣብ እዋን ላ ኒና ብኣንጻር እዚ እዩ ዝኸውን።

ዓቐን ካርበን ዳይ ኦክሳይድ (CO2)

ተመራመርቲ፡ ኣብ እዋን ኤል ኒኖ፡ መጠን ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ከም ዝውስኽ ተዓዚቦም እዮም።

እዚ ድማ፡ ውጽኢት ኣብ ትሮፒካዊ ዞባታት ዝህሉ ውዑይን ደረቅን ኵነታት ዝስዓቦ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

ብሰንኪ ደርቂ፡ ኣትክልቲ ብዝግባእ እንተዘይዓብዮም፡ ትሑት ካርበን ዳይ ኦክሳይድ እዮም ዝመጡ።

ኣብ ከም ደቡብ ኤስያ ዝበሉ ከባቢታት ዝለዓሉ ባርዓት ሓዊ ድማ፡ ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ይለቁ ማለት እዩ።

ክሊማዊ ኵነታት ኤል ኒኖን ላ ኒናን ስለ ምንታይ የገድሰና?

ዝዀነ ክስተት ሓደ ዓይነት ኣይኰነን፤ ሳዕቤኑ’ውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝተፈላለየ’ዩ።

እንተዀነ፡ ተመራመርቲ ሓደ ዓይነት ሳዕቤናት ክዕዘቡ ክኢሎም ኣለው።

እቲ ብኤል ኒኖን ላ ኒናን ዝስዕብ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ትሕተ ቅርጺ፡ መግብን ስርዓታት ጸዓትን ይጸልዎም’ዩ።

ንኣብነት፡ ኣብ እዋን ኤል ኒኖ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ደቡብ ኣመሪካ ውሑድ ዝሑል ማይ ናብ ጽፍሒ ምድሪ ዝመጽእ እንተዀይኑ፡ ካብ ታሕቲ ውቅያኖስ ውሑድ መኣዛታት እዩ ዝመጽእ ማለት እዩ።

እዚ ማለት ከም ስኩዊድን ሳልሞንን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ዓሳ ባሕሪ ዝረኽቡዎ መግቢ ክውሕድ ይገብር።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ውሑድ ምህርቲ ይረኽቡ።

ካብ 2015 ክሳብ 2016 ዘጋጠመ ጽንኩር ኵነታት ኤል ኒኖ ዘስዓቦ ድርቅን ውሕጅን ንውሕስነት መግቢ ልዕሊ 60 ሚልዮን ሰባት ከም ዝጸለወ ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ክስታት ኤል ኒኖ ብዓቢኡ፡ ዓለማዊ ቍጠባዊ ዕብየት ከም ዝንክዩን፡ እዚ ጽልዋ ኣብ መጻኢ ክሕይል ከም ዝኽእልን የመልክት።

ላ ኒና ክህሉ እንከሎ ዝህሉ ዋዒ ቀላይ

ክሊማዊ ለውጢ ንኤል ኒኖ ወይ ላ ኒና ይጸሉ ድዩ?

ኣብ 2021፡ ተመራመርቲ ክሊማ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 1950 ጀሚሩ ዘጋጠመ ፍጻመታት ኤል ኒኖ ደቡባዊ ምንቅጥቃጥ (ENSO) ካብቲ ካብ 1850 ክሳብ 1950 ዘጋጠመ ክስተታት ዝሓየለ እዩ ኢሎም ነይሮም።

ኣግራብን ካልኦት ታሪኻዊ መርትዖታትን ግን፡ ካብ 1400ታት ጀሚሩ መጠን ዝኽሰትሉን ሓይልን እዞም ክስተታት ፍልልያት ከም ዝነበረ የመልክቱ።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ክሊማዊ ለውጢ ነዞም ፍጻመታት ከም ዝጸሉ ዝሕብር ንጹር መርትዖ የለን ክብሉ ደምዲሞም።

ገለ መርኣያታት ክሊማ፡ ብሰንኪ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም፡ ክስተት ኤል ኒኖ ዝያዳ ተደጋጋምን ዝያዳ ጽዑቕን ከም ዝኸውን ይሕብሩ - እዚኦም ዝያዳ ዋዒ ከስዕቡ ዝኽእሉ’ዮም - እንተዀነ በዚ’ውን ርግጸኛ ምዃን ኣይክኣልን።