'መራሕትና ናይ ምልዛብ ዓቕሚ የብሎምን'-ተመራማሪት ክሊማ ዶ/ር መለይ መኮንን

ተመራማሪት ክሊማ ዶክተር መለይ መኮንን

ምንጪ ስእሊ, Meley

መግለጺ ስእሊ, ተመራማሪት ክሊማ ዶክተር መለይ መኮንን

ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብታ ኣመና እትውዒ ዱባይ ዝተኻየደ ዓለማዊ ዋዕላ 'ክሊማዊ ለውጢ'፡ ኣስታት 200 ሃገራት፣ ተመራመርቲ፣ ተሓለቕቲ ከባብን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ተሳቲፎም።

ኣብ ‘ኖርወጂያን ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ላይፍ ሳይንስስ'፡ ተመራማሪት ኣግራብ፣ ክሊማዊ ለውጥን ከባቢያዊ ቁጠባን ዝዀነት ዶክተር መለይ መኮነን፡ ሓንቲ ካብቶም ነቲ ዩኒቨርሲቲ ወኪሎም ዝተሳተፉ ተዓዘብቲ’ያ።

ኣብ ትግራይ መቐለ ተወሊዳ ዝዓበየት ዶክተር መለይ፡ ስራሕቲ ምርምራታ፡ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ኣብ እትርከብ ከተማ ወንዶገነት ንዘጽንዓቶ ትምህርቲ ኣግራብ እዩ ዝጅምር።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኢኮኖሚክስ ተጽንዕ ነይራ።

ድሕሪኡ ኣብ ኖርወይ ብዓለምለኻዊ መጽናዕቲ ከባቢ ካልኣይ ዲግሪ ንምጽናዕ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ክትረክብ እንከላ፡ ኣብ ሳልሳይ ዲግሪ ነቶም ኣቐዲማ ዝተማህረቶም ትምህርታት ጠርኒፉ ዝሕዝ ዓውዲ ስነ-ቑጠባ ኣግራብን ሃፍትን ትኹረት ገይራ።

ዶክተር መለይ፡ ክሳብ ሕጂ ክትሰርሖም ኣብ ዝጸንሐት መጽናዕቲታት፡ ብፍላይ ኣብተን ትኹረት እትገብረለን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ምስ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ተመራመርቲ ብሓባር ሰሪሓ እያ።

እታ ተመራማሪት፡ ክሳብ ሕጂ ክትሰርሖም ኣብ ዝጸንሐት መጽናዕቲታት ትኹረት ኣብ ዝገበረትለን ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ምስ ዝርከቡ ዓለምለኻዊ ተመራመርቲ ሰሪሓ'ያ።

ፈለማ ኣብ 'ሓለዋ ትሮፒካዊ ጫካታት' ትኹረት ገይራ ትሰርሕ ነይራ።

ደቡብ ሱዳን - ሓንቲ ካብተን ብሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ዝተሃሰያ ብዙሓት ሃገራት እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ሱዳን - ሓንቲ ካብተን ብሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ዝተሃሰያ ብዙሓት ሃገራት እያ

ኣብ ባይታ ክትሰርሕ ምስ ጀመረት ምስ ኣተገባብራን ስነ-ምግባርን ብዝተሓሓዝ ክፍተት ዘለዎም ብዙሓት ነገራት ክትዕዘብ ከም ዝጀመረት ትዛረብ።

ናይዚ ከም ሓደ ኣብነት እተልዕሎ፡ እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም (ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ) ዝተኣታተወ 'ኣብ ምዕባይ ዘለዋ ሃገራት ብርሰት ኣግራብ ደው ከብላ እሞ ግቡእ ካሕሳ ክረኽባ' ዝብል ውሳነ ምንካይ ካብ ምብራስን ምብስባስን ኣግራብ ዝመጽእ ልቀት እዩ።

“እቲ ዝቐረበ ካሕሳ፡ ሓደ ቶን ልቀት ካርበን ዳይ ኦክሳይድ ዝንኪ ኣስታት ሓሙሽተ ዶላር ዝብል’ዩ" ብምባል እቲ ዘሎ ዘይፍትሓውነት ተልዕል።

ወሲኻ፡ "እዚ ብዙሓት ናይ ስነ-ምግባር ሕቶታት ከተልዕል እዩ ዝገብረካ፤ ማለት እቲ ካሕሳ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ስለ ዘይኰነ፡ ዝዓበያ ሃገራት ልቀት ክቕጽላ ድኻ ሃገራት ናብርኦም ጠጠው ከብሉ ኣለዎም ዝዓይነቱ እዩ ነይሩ።

“ካልኣይ እቲ ልዝብ ብደረጃ ሃገር እዩ ዝካየድ፤ እዚ ናብ ታሕቲ ከም ዝወርድ ዘረጋግጾ የለን። መሬት ክኣ ናይ መንግስቲ እዩ (ኢትዮጵያን ታንዛንያን ሓደ ዓይነት ፖሊሲ መሬት ኣለወን)። ስለዚ መንግስቲ እዚ ከባቢ ንካርበን ፕሮጀክት ይደልዮ’የ እንተይሉ ክኽልሎ ይኽእል’ዩ፤ እዚ ክትርእዮ እንከለኻ ነቲ ድኻ መሊሱ ዘድኪ’ዩ ዝመስል" ብምባል፡ ኣብኡ ትኹረት ክትገብር ከምዝዓደማ ትዝክር።

‘መራሕትና ዓቕሚ የብሎምን’

ስራሕቲ ምርምር ዶክተር መለይ፡ ኣብ ከባቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ከም ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ዛምብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ትኹረት ዝገበሩ’ዮም።

ኣስታት 80 ሚእታዊት ህዝቢ እዘን ሃገራት ድማ መሰረታዊ ድሌታቶም ንምምላእ ኣብ ከም ዕንጸይቲ ዝኣመሰሉ እታወታት ዘመንጭዩ ኣግራብ ዝምርኰስ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ክሊማዊ ለውጢ ዝምልከት ውሳነታት ብደረጃ ዓለም ዝስራሕ ወይ ዝውሰን ብምዃኑ ገሊኦም ፖለቲካዊ ውሳነታት ዝፈጥሩዎ ተጻብኦ ስግኣት ከም ዝፈጥረላ ትዛረብ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ “ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ናይ ምድርዳር ዓቕሚ የብለንን። እቲ ዝተቐመጠ ውሳነ ተቐቢለን ዝምለሳ እየን” ብምባል ተረድእ።

“ስምምዕን ተግባራውነትን ዝተፈላለዩ ነገራት’ዮም። እዚ ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዓብዪ ነገር’ዮም ዝርእዩዎ፤ እንተዀነ እቲ ዝወሃብ ካሕሳ ናብቲ ብክሊማዊ ለውጢ ዝህሰ ዘሎ ሰብ 'ይበጽሕ’ዶ ኣይበጽሕን' ዝብል ዓብዪ ሕቶ’ዩ” ኢላ።

ተመራመርቲ እቲ ዓውዲ ተስፋ ካብ ዝስእንሉ ሓደ፡ እቲ መስርሕ እቶም ዝካየዱ ልዝባት እዩ።

ኣብ ዱባይ ዝተኻየደ ዓለማዊ ዋዕላ 'ክሊማዊ ለውጢ'፡ ኣስታት 200 ሃገራት ተሳቲፈን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ድማ ዝተፈላለያ ዓድታት ዝተፈላለየ ፖሊሲ ስለ ዘለወን፡ ንረብሓታተን መሰረት ዝገበረ ዝኽተላ ብምዃነን እዩ።

“ኣብ ክሊማ ትኹረት ክትገብር እንከለኻ ቁጠባኻ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኢኻ ተእትዎ፤ ብፍላይ ልቀት ካርበን (ግሪን ሃውስ) መንቀሊ ክሊማዊ ለውጢ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ድማ ካብ ነዳዲ ዝመጽእ’ዩ፤ ስለዚ፡ እዚ ደው ምባል ማለት እተን ቁጠብአን ኣብ ነዳዲ ዝድረኽ ሃገራት ስለ ዝጕዳእ’ዩ እቲ ኣተገባብራ ቀስ እናበለ ዝኸውን” ትብል ዶክተር መለይ።

ዶክተር መለይ፡ ኣብ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ክትሳተፍ እንከላ፡ ንሳልሳይ ግዝኣ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ካብ 30 ሕዳር ክሳብ 12 ታሕሳስ 2023 ዝተኻየደ፡ ዝያዳ ምትሕብባር ሃገራትን ግንዛበ ተሳተፍትን ዝርኣየትሉ ምዃኑ ተዓዚባ።

“መጀመርታ ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተኻየደ ኮፕ25’የ ተሳቲፈ ነይረ። ሽዑ፡ ብዛዕባ ክሊማ ይጽሕፍ’ምበር 'እቶም ልዝባት ከመይ ይካየዱ' ዝብል ኣይፈልጦን ነይረ። ካልኦት ‘እዚ ኣይንደራደረሉን፤ እዚ’ዩ ናይ ዓድና ረብሓ ወይ ቁጠባ’ዩ’ እናበሉ ገዛ ዓጽዮም (ከም በዓል ቻይና፣ ህንዲ . . .) ይደራደሩ። እቶም ናትና መራሕቲ (ሃገራት ኣፍሪቃ) ግን ንምንታይ ዕላማ ከም ዝመጽኡ’ውን ዝፈልጡዎ ኣይመስለንን -- ናይ ምድርዳር ዓቕሚ የብሎምን።

“በዚ ምኽንያት ንዓይ መሰንበዲ ነይሩ። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ዝተኻየደ ኮፕ27 ለውጢ ነይሩዎ፤ ብዙሓት ንክሊማ ዝሕለቑ ናይ መናእሰይ ጉጅለታት፤ እቲ ጉዳይ ብዕቱብ ዝወስዱዎን ስለ ምንታይ ከም ዝመጽኡ ዝፈልጡን እሞ ንሚኒስትራት ሃገሮም’ውን ዝምጉቱ ስለ ዝነበሩ ብዙሕ ለውጢ ዝርኣኹሉ ነይሩ” ትብል።

ክሊማዊ ለውጥን ሰላምን

ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ንለውጢ ክሊማ ተቓላዕቲ ዝዀና ሃገራት ክትከውን እንከላ፡ እታ ሃገር ካብ'ቲ ዘጋጠማ ዝኸፍአ ድርቂ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዘይልሙድን ዝኸበደን ዝናብ ኣጒኒፍዋ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ልዕሊ 300 ሽሕ ሰባት ከመዛብል እንከሎ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኬንያን ኢትዮጵያን ዝተራእየ ጋሻ ውሑጅ’ውን ምኽንያት ሞት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኰይኑ’ዩ።

እዚ፡ 'ኤል-ኒኖ' ብዝተባህለ ብሰንኪ ምውዓይ ሰላማዊ ውቅያኖስ ዝመጽእ ጽልዋ፡ ምስ ውሕጅ፣ ህቦብላ፣ ደርቂን ባርዕ ጫካን ዝተኣሳሰር ሳዕቤናት የኸትል።

ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ዝመጽእ ዋዒ ድማ ሓደ ካብ ምኽንያታት ብርቱዕ ዝናብ ክኸውን ከም ዝኽድል ሰብ ሞያ የረድኡ።

ነዞም ጽልዋታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ስግኣታት ናይ ምትንባይ ዓቕመን ድሩት ከም ዝዀነ እትገልጽ ዶክተር መለይ፡ ሰላምን ጸጥታን ምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ ትዛረብ።

ወራር ኣንበጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣብነት፡ ብ2020 ዝነበረ ወራር ኣንበጣ ኣብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ከም ዝብገስ እቲ ተመራማሪት ተዛኻኽር።

"የመን ኣብ ቅልውላው እያ ዘላ፤ ኢትዮጵያ’ውን ከምኡ። በዚ ምኽንያት እቲ ምስ ክሊማ ብቐጥታ ዝተሓሓዝ ወራር ኣንበጣ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፤ ሰላምን ምትሕብባርን እንተዝህሉ ቀዲምካ ምክልኻል ምተኽኣለ ነይሩ"።

ጽልዋ እዞም ሓደጋታት ድማ፡ ዝያዳ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝኸፍአ ከም ዝኸውን እትጠቅስ ዶክተር መለይ፡ ክሊማዊ ለውጢ ሒዙዎም ካብ ዝመጽእ ሓደጋታት ደርቂ፣ ውሑጅ፣ ባርዕ ጫካ፣ ለበዳታት፣ ስደትን ካልኦት ቅልውላዋትን ዘስዕብ ምዃኖም ተዘኻኽር።

መጻኢና እንታይ’ዩ ዝመስል? እንተኢልና ግን፤ ክሊማዊ ለውጢ ርኡይ ዝዀኑ ሓደጋታት ሒዙ ይመጽእ ምህላው ምግንዛብን ቆላሕታ ምሃብን ከም ዘድሊ ኣገንዚባ።

“ኣብ ዓድና እቲ ለውጢታት ይርኣይ’ዩ ዘሎ፤ ኣብ 40 ዓመት ሓደ ግዜ ዝኽሰት ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ሕዚ ልሙድ ኰይኑ ብተደጋጋሚ ይኽሰት ኣሎ። እዚ ኽኣ ምስ ሕሉፍ ጠሊ ዝተሓሓዝ እዩ። ድሓር ድማ ደርቂ ስዒቡ፤ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ኬንያን ኡጋንዳን እናወሰኸ ከም ዝኸይድ እዮም መጽናዕታት ዘርእዩ። ስለዚ ምንም ነገር እንተዘይገይርና፡ መጻኢና ጸልማት እዩ ክኸውን፤ ናትና ዝኸበደ ዝገብሮ ድማ ክንቆጻጽሮ ዘይምኽኣልና እዩ” ብምባል ስግኣታ ትገልጽ።

ኣብ ኮፕ-28 እንታይ ተዓዚባ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ናይ ሎም ዘበን ኣኼባ፡ መራሕቲ ሃገራት ካብ ዝሓለፉ መድረኻት 27ኮፕ ብዝተፈለየ፡ ኣብቲ ለውጢ ክሊማ ዘስዕብ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ለውጢ ንምምጻእ ተስፋ ኣብ ዝተገብረሎም ክልተ ዓበይቲ ስምምዓት ምብጽሖም ዓብዪ ዓወት ዝተመዝገበሉ ምዃኑ ይዝረብ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ብክሊማዊ ለውጢ ንዝተሃሰያ ድኻ ሃገራት ካሕሳ ክወሃብን ተሓዳሲ ዘይኰነ ምንጪታት ጸዓት (Fossil fuel -- ፈሓምን ምህርታት ፈሓምን፣ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ፣ ዘይተፃረየ ዘይቲ፣ ምህርታት ፔትሮልየም ዝኣመሰሉ) ካብ ምጥቃም ክንቁጠብ ትፅቢት ይግበር።

“እተን ብዙሕ ልቀት ዘለዎን ሃገራት ብፍላይ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ኰይነን፡ እቲ ጽልዋ ክሊማ ግን ብብዝሒ ኣብ ድኻ ዓድታት’ዩ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ። ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ጸጋታት ዝስእና ዘለዋ ድኻታት ሃገራት ካሕሳ ክረኽባ ኣለወን ዝብል ንነዊሕ ዓመታት ከካትዑ ካብ ሞንጐ ዝጸንሑ ጉዳያት ሓደ ኰይኑ፡ ሎሚ ክንክሕስ ግድን’ዩ ዝብል ኣብ መጀመርታ መዓልቲ እቲ ኣኼባ’ዮም ተሰማሚዖም” ክትብል ዶ/ር መለይ ኣዘኻኺራ።

ንህጹጽ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣዝየን ተሓተትቲ ዝዀና ሃብታማት ሃገራት፡ ክሳብ ሕጂ ብድምር ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ንፈንድ ክሳራን ዕንወትን (loss and damage fund) ክህባ ተመጻቢዐን ኣለዋ።

እንተዀነ፡ ድኻን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራትን ብኣንፃር ዓመታዊ ብሰንኪ ዓለማዊ ዋዒ ዘጋጥመን ሰብኣውን ቁጠባውን ክሳራ፡ ሰብሞያ እዚ ማዕረ ትሕቲ 0.2 ሚኢታዊት ዝኰነ ካሕሳ፡ እኹል ከም ዘይኰነ ይገልጹ።

ዶክተር መለይ’ውን፡ “ናይዚ ጸገም ሓደ፡ እቲ ሕዚ ዝተኣኻኸበ ገንዘብ ምስቲ ጠለብ ዝመጣጠን ኣይኰነን፤ ብተወሳኺ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ መጀመርታ ኣርባዕተ ዓመታት ባንኪ ዓለም ክቆጻጸሮ’ዩ ተወሲኑ ዘሎ። ስለዚ ዳርጋ እተን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ነዚ ኣሰራርሓ ኣይተሰማምዓሉን፤ ምኽንያቱ ሓደ እቲ ፋይናንስ እኹል ኣይኰነን፤ ብተወሳኺ ምስቲ ባንኪ ዘለወን ተሞክሮ’ውን ዘይሻራውነት ይጐድሎ እዩ ዝብሉ’ዮም” ትብል።

ካብዚ ሓሊፉ፡ እቶም ነዚ ገንዘብ ዝህቡ ኣካላት ዝተፈላለዩ ቅድመ-ኩነት ስለ ዘቐምጡን እተን ሃገራት (ብፍላይ ሃገራት ኣፍሪቃ) ዓቕሚ ስለ ዘይብለንን፡ ነዚ ፋይናንስ ኣብ ምርካብ'ውን ክጽገማ እየን።

“ብዙሓት ካብ ዩጋንዳ፣ ኬንያ፣ ዛምቢያ፣ ቡርኪናፋሶ፣ ሴራሊዮን፣ ካሜሩን፣ ጋና፣ ቤኒን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝመጽኡ ብዙሓት መንግስታውን ዘይመንግስታውን ወከልቲ ኣዘራሪበ ነይረ፤ ተመሳሳሊ ስግኣት እዩ ዘለዎም” ትብል እታ ተመራማሪት።

ክሳብ ሕጂ ዝተኣትወ መብጽዓታት ካብቲ ዘድሊ መጠን ኣዝዩ ውሑድ ኰይኑ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ዝረአ ክሳራን ዕንወትን ኣብ ዓመት ልዕሊ 400 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእልን እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎን ይግመት።

ዓመታዊ ወጻኢታት ናይቲ ዕንወት ድማ፡ ካብ 100 ቢሊዮን ዶላር ክሳብ 580 ቢሊዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ገለ ዘይመንግስታዊ ትካላት ይጠቕሱ።

ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፡ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ምንጪታት ምውዓት ጋዛት ዓለምና ዝዀኑ ተሓዳሲ ዘይኰነ ምንጪታት ጸዓት ኣይተጠቕሰን ነይሩ
መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት፡ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ኣብ ዝተኸተመሉ እዋን ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ምንጪታት ምውዓት ጋዛት ዓለምና ዝዀኑ ተሓዳሲ ዘይኰነ ምንጪታት ጸዓት ኣይተጠቕሰን ነይሩ

ኣአንጋዲት ሃገር ሕቡራት ዓረብ ኢመራትን ጀርመንን ነፍሲ ወከፈን 100 ሚልዮን ዶላር፣ ጣልያንን ፈረንሳን 108 ሚልዮን ዶላር፣ እታ ኣብ ታሪኽ ዝኸፍአ ልቀት ግሪን ሃውስ ዘለዋ - ኣብዚ ዓመት ድማ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳድን ጋዝን ዝዀነት ኣመሪካ - ክሳብ ሕጂ 17.5 ሚልዮን ዶላር ጥራይ መብጽዓ ክትኣቱ እንከላ፡ ንኣመሪካን ቻይናን ስዒቡ ሳልሳይ ዝዓበየ ቁጠባ እትውንን ጃፓን ድማ 10 ሚልዮን ዶላር ኣቕሪበን እየን።

ካልእ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ኮፕ ተላዒሉ ዘይፈልጥ ግን ድማ ዓብዪ ዝላ ናይዚ ዓመት እዩ ዝተባህለ፡ ኣብ ዙርያ ተሓዳሲ ካብ ዘይኰኑ ምንጪታት ጸዓት ስግግር ንግበር ዝብል እዩ።

እዚ በዓል 21 ገጽ ስምምዕ፡ ሃገራት “ብርትዓዊ፡ ስርዓቱ ብዝሓለወ መገድን ማዕረ ብዝዀነ ኣገባብን” ካብዞም ምጪታት ጸዓት (fossil fuels) ስግግር ክገብራ እየን ይብል።

ብተወሳኺ፡ ቅድሚ 2025 ዓ.ም (ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት) ልቀት ዓለማዊ ዋዒ ዝውስኹ ጋዛት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእልን እውን የተሓሳስብ።

ኣብዚ ደረጃ ስምምዕ ክብጽሕ ምኽኣሉ ነቲ ‘ስምምዕ ፓሪስ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓለማዊ ዋዒ ብ1.5 ዲግሪ ክንግድቦ ኣለና ዝብል ዝድግፍ ምዃኑ ዓብዪ ነገር'ዩ ትብል ዶክተር መለይ።

ናብ ተግባራውነቱ መዓዝ እዩ ዝእቶ ንዝብል ሕቶ ግን፡ “ግልጺ ተወፋይነትን ግልጺ ማዕቀፍን ኣይተጠቕሰን። እዚ ማለት እተን ልዑል ልቀት ዘስዕቡ ምንጪታት ጸዓት ዘፍርያን ዝጥቀማን ሃገራት ክኣ ከምቲ ዝተመልደ ዘይቕጽላሉ ምኽንያት የለን" ክትብል ስግኣታ ትገልፅ።