እዚ እዋን ስለምንታይ እዩ ኣመና ምዉቕ ኰይኑ?

ፀሓይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳርጋ ሲሶ ኣሜሪካውያን ወይ ልዕሊ 113 ሚልዮን ሰባት ኣብ ትሕቲ ጥንቃቐ ዘድልዮ ሙቐት ከምዘለዉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኵነታት ኣየር ኣሜሪካ የገንዝብ።

ኣብ መላእ ኣሜሪካ እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ሙቐት ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረ ክብረወሰን ዝሰብር እዩ። ኣብ ቴክሳስ ከተማ ኤል ፓሶ ን27 ተኸታተልቲ መዓልታት ዝቐጸለ ሙቐት ናብ ልዕሊ 37 ዲግሪ ሴልሲየስ ዝበጽሐ ኮይኑ ነቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1994 ዝተመዝገበ ክብረወሰን ዝሓልፍ ኰይኑ ተመዝጊቡ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ድማ እቲ ኣብ ሰነ ዝተመዝገበ ዋዒ፡ ነቲ ናይ ኵሉ ግዜ ክብረወሰናት ሰይሩ ጥራይ ዘይኮነስ 'ሓማሺሽዎ' ተባሂሉ ክግለጽ ብዝኽእል ሓሊፍዎ'ሎ። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1940 ዝተመዝገበ ክብረወሰን ብ0.9C ዝዛየደ ውዑይ እዩ ነይሩ፤ እዚ ድማ ዓቢ ፍልልይ እዩ።

ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤስያን እውን ተራእዩ ዘይፈልጥ ውዑይ ኵነታት ኣየር እዩ ዝምዝገብ ዘሎ።

ስለዚ ማእከል ትንበያታት ማእከላይ ደረጃ ኵነታት ኣየር ኣውሮጳ፡ ሰነ ብደረጃ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሙቐት/ዋዒ ዝተመዝገበላ ወርሒ ምዃና ምግላጹ ዘገርም ኣይኮነን።

እቲ ዋዒ ሕጂ’ውን ኣይቀለለን። ክሳብ ሎሚ እቲ ዝለዓለ ዝበሃል ዋዒ ዝተመዝገበለን ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝነበራ ኣገልግሎት ክሊማን ኩነታት ኣየርን ሕብረት ኤውሮጳ ኮፐርኒከስ የመልክት።

ማእከላይ ሙቐት ዓለም ብሰኑይ 3 ሓምለ 16.89C ክበጽሕ ከሎ፡ ኣብ 4 ሓምለ ድማ ንመጀመርታ ግዜ 17C ደይቡ።

ኣብ 5 ሓምለ ከኣ እቲ መጠን ዋዒ 17.05C በጺሑ ነይሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ልዑል ደረጃታት ምስቲ ተገሚቱ ዝነበረ ዝሰማማዕ ምዃኑ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሜትሮስን ዩኒቨርሲቲ ኤክስተርን ተመራማሪ ክሊማ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ቤትስ ይዛረብ።

"ብዛዕባ ልዑል ሙቐት ዓለም ፈጺምና ክንነግረም የብልናን። ናይቲ ንነዊሕ እዋን እንፈልጦ ጽኑዕ መዘኻኸሪ'ዩ። ዝተቓፀለ ጋዛት ብዝያዳ ናብ ከባቢ ኣየር ምፍናውና ክሳብ ዘየቋረጽና ዝኸፍአ እውን ክንርኢ ኢና” ኢሉ።

መብዛሕትኡ ኣብ ጥቓ ጽፍሒ መሬት ዝኽዘን ሙቐት ኣብ ከባቢ ኣየር ዘይኮነስ ኣብ ውቅያኖሳት እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ጽድያን ሓጋይን ድማ ገለ ክብረወሰን ዝሰበረ መጠን ሙቐት ውቅያኖስ ክንርኢ ጸኒሕና ኢና።

ንኣብነት ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ኣብዚ እዋን እዚ ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ዝለዓለ ሙቐት ላዕለዋይ ጽፍሒ ማይ የጋጥሞ ኣሎ።

እቲ ማዕበል ሙቐት ባሕሪ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ገማግም ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ጐሊሑ ይርአ። ውጽኢቱ ድማ ገለ ከባቢታት ካብቲ ንቡር ኣብዚ እዋን ትጽቢት ዝግበር ብ5C ዝዛይድ ሙቐት ኣጋጢምዎም እዩ።

ሃገራዊ ምምሕዳር ውቅያኖሳትን ኣትሞስፈሪክን ኣሜሪካ (NOAA) ነዚ ኵነታት ‘ምድብ 4 ማዕበል ዋዒ’ (Category 4 heatwave) ዝብል ስያመ ሂብዎ’ሎ። እቲ ምደባ ካብ ትሮፒካዊ ከባቢታት ወጻኢ ሳሕቲ ዝጥቀመሉ ኰይኑ "ጽንኩር" ሙቐት እዩ ዘመልክት።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል ፕሮፌሰር ስነ-ፍልጠት መሬት ዳኒኤላ ሽሚት "ኣብዚ ክፋል ሰሜናዊ ኣትላንቲክ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይንቡር ሙቐት ተሰሚዑ ዘይፈልጥ እዩ" ትብል።

ብተወሳኺ ድማ ኤል ኒኖ ‘ውን ኣብ ትሮፒካዊ ፓስፊክ ይምዕብል ኣሎ።

ኤል ኒኖ ማለት ውዑይ ማያት ናብ ላዕሊ ብምትሳእ ኣብ ገማግም ባሕሪ ደቡብ ኣመሪካ ክበፅሕ ከሎን ኣብ ውቅያኖስ ምስ ዝዝርጋሕን ዝፍጠር ዝደጋገገም ኵነታት ኣየር እዩ።

ስለዚ ነቲ ኣብ ኣትላንቲክን ፓስፊክን ዘጋጥም ዘሎ ማዕበል ሙቐት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ኣብ ዓለማዊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝለዓለ ሙቐት ምምዝጋቡ ምናልባት ዘገርም ኣይኮነን።

ባሕርታት ካብቲ ልሙድ ብዝበለጸ ዝሞቑ እንተዀይኖም ልዑል ዋዒ ኣየር ትፅቢት ክግበር ግድን እዩ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ፕሮፌሰር ለውጢ ክሊማ ቲም ሌንተን።

ርእሱ ብጋዜጣ ዝሸፈነ ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትኡ እቲ ብሰንኪ ምፍናው በከልቲ ጋዛት ዝተፈጠረ ተወሳኺ ሙቐት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውቅያኖስ ዘሎ ምውዓይ መበገሲ ከምዝኸውን እቲ ፕሮፌሰር ይገልጽ። እቲ ተወሳኺ ሙቐት ናብቲ ዝዓሞቐ ውቅያኖስ ገጹ ንታሕቲ ክሕወስ ዝኽእል ኰይኑ ከም ኢል ኒኖ ዝበለ ኣብ ውቅያኖሳት ዝፍጠር ምንቅስቓሳት ግን ናብ ላዕሊ ክመልሶ ይኽእል።

"ከምኡ ምስ ዝኸውን ዝበዝሕ ካብቲ ሙቐት ናብ ከባቢ ኣየር ይለቅቕ። እዚ ድማ ዋዒ ኣየር ይውስኽ" ይብል ፕሮፌሰር ሌንተን።

ልቀት ጋዝ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ይኸይድ እዩ ዘሎ። ሙቐት ዓለም እናወሰኸ ብዝኸደ መጠን፡ ሓደጋ ማዕበል ሙቐት ዝለዓለ ይኸውን ይብል ኣብ ኢምፔርያል ኮለጅ ለንደን ክኢላ ክሊማ ፍሪደሪክ ኦቶ።

እቲ ዝምዕብል ዘሎ ኤል ኒኖ፡ 2023 እታ ዝወዓየት ዓመት ክገብራ ተኽእሎ ከምዘሎ ክኢላታት ይግምቱ።

እዚ ድማ ከም መፈለምታ ጥራይ እዩ ዝቝጸር። ኣብ ልቀት በካሊ ጋዝ ርኡይ ምንካይ እንተዘይገይርና ሙቐት ዓለም ምውሳኹ ክቕጽል እዩ።

እዚ ዝውስኽ ዘሎ ሙቐት ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ስነ-ህይወት መሰረታውን ዳርጋ ምምላስ ዘይከኣልን ለውጢ የስዕብ ኣሎ።

ንኣብነት ኣብ ብሪጣንያ ዘጋጠመ ክብረወሰን ዝሓዘ ሙቐት ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ሩባታትን ማያትን ተራእዩ ዘይፈልጥ ሞት ዓሳታት ንኽፍጠር ምኽንያት ኮይኑ’ዩ።

“እዚ ሕጂ ዘሎ ማዕበል ሙቐት ባሕሪ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕድር ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ኢና” ትብል ፕሮፌሰር ሽሚት ካብ ዩኒቨርሲቲ ብሪስቶል።

ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ሕጂ ክንድዚ ጻዕቂ ተራእዩ ኣይፈልጥን ነይሩ።

"ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኣብ ከባቢ ኣውስትራልያ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምሉእ ስነ-ህይወት ተቐይሩ እዩ። ኣግራብ ኬልፕ ጠፊኡ፡ ኣዕዋፍ ባሕርን ዓሳ ነባሪን ድማ ይጠምዩ ኣለዉ" ትብል።

ዓለም ብኸቢድ ኵነታት ኣብ ቃልሲ እያ ዘላ።

ናብቲ ዝያዳ ውዑይን ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦን ክሊማ ንግስግስ ከምዘለና ንጹር እዩ፤ እንተዀነ ንልቀትና ዝቕንሱ ቴክኖሎጂታትን መሳርሒታትን ኣለዉና።

ሕጂ እቲ ሕቶ፡ ነቲ ክሊማዊ ለውጢ ንምዝሕሓልን ጽልዋታት ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ምቍጽጻር ዝከኣል ንምግባርን እኹል ፍጥነት ክህልወና ንኽእል ዲና ዝብል እዩ።