ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ በረድ ዝሓወሰ ዝናብ በርቲዑ፤ ስለምንታይ?

ኣዲስ ኣበባ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA

መግለጺ ስእሊ, ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝናብ ኣዝመራ ኣዝዩ ሓይሉ ኣሎ፤ ብጸሓይ ክነዱ ዝጸንሑ ቦታታት ብብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ይህሰዩ ኣለዉ።

ዝናብ ልዕሊ ንቡር ስለዝዀነ ኣብ ገለ ከባቢታት በረድ ክቝለል ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ። ውሕጅ እውን ህይወት ሰባት ከም ዘጥፍአ ይግለጽ።

ብሰንኪ እዚ ካብ 17 ለካቲት 2015 ጀሚሩ ኣብ ወቕቲ ኣመዝራ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኦሮምያ፡ ኣምሓራ፡ ሶማል፡ ዞባታት ደቡብ ከምኡ’ውን ከተማታት ድሬዳዋን ኣዲስ ኣበባን ብርቱዕ ዝናብ ኣጋጢሙ።

ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኵነታት ኣየር ቀውዒ ኣብተን ዝተጠቕሳ ክልላትንን ከተማታትን ኣብ ዝርከቡ 48 ቦታታት ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ንላዕሊ ዝናብ ከም ዘጋጠመን ገሊጹ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ኣብዞም ከባቢታት ልዕሊ ንቡር ዝናብ ከም ዝተመዝገበ ምክትል ዋና ዳይረክተር ትንበያ ሜትሮሎጂን ክፍሊ ቅድመ መጠንቀቕታን እቲ ኢንስቲትዩት ገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ዝናብ ዝመጸ ውሕጅ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሞት ኣርባዕተ ሰባት ኣስዒቡ እዩ።

ካብ 1 ለካቲት ክሳብ 30 ግንቦት 2015 ኣብ ዝጸንሕ መፋርቕ ወቕቲ፡ ካብ 30 ክሳብ 150 ሚ.ሜ ዝበጽሕ ዝናብ ከም ዝተመዝገበ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

እዚ እንታይ የመልክት?

ኣብ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ፡ ምክትል ዋና ዳይረክተር ትንበያን ቅድመ መጠንቀቕታን ዝዀነ ዶክተር ኣሳምነው ተሾመ ብቛንቋ ሜትሮሎጂ መጠን ዝናብ ኣብ ሰለስተ ከም ዝኽፈል ይገልጽ። ካብ 1 ክሳብ 10 ሚ.ሜ ዝናብ ቀሊል ተባሂሉ ይግለጽ።

ካብ 10 ክሳብ 29 ሚ.ሜ ዝናብ ማእከላይ፡ ልዕሊ 30 ሚ.ሜ ዝናብ ድማ ከም ከም ብርቱዕ ይቝጸር።

ብመሰረት እቲ ክኢላ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 መዓልታት [ካብ 2 ክሳብ 12 መጋቢት 2015] ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ምስቲ ዝሓለፉ ወቕትታት ቀውዒ ክነጻጸር እንከሎ "ኣዝዩ ልዕሊ ንቡር" እዩ።

ደቡብ ኦሞ፡ በና ጸማይ

ምንጪ ስእሊ, SOUTH RADIO AND TELEVISION AGENCY

መግለጺ ስእሊ, ደቡብ ኦሞ፡ በና ጸማይ

ዝናብ ኣዝመራን ድርቅን ዝበዝሓሉ ከባቢታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣሳምነው ኣብ ገለ ከባቢታት ሃገርና ቀውዒ ክሳብ 55 ሚእታዊት ዝሕዝ ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ እዩ ይብል። ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ካልኣይ ወቕቲ ዝናብ ከም ዝዀነ ይሕብር።

ብተወሳኺ እቶም ሕጂ ብድርቂ ዝተሃሰዩን ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ ዝዀነሎምን ከባቢታት ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኸታተልቲ ወቕትታት ትሕቲ ንቡር ዝናብ ይረኽቡ ከም ዝነበሩ እቲ ክኢላ የዘኻኽር።

እዚ ወቕቲ ኣብ ክልላት ሶማል፡ ሲዳማ፡ ደቡብን ደቡብ ምዕራብን ከምኡ’ውን ዞባታት ጉጂን ቦረናን ቀንዲ ወቕቲ ዝናብ እዩ።

ንክልላት ዓፋርን ሃረሪን፡ ደቡብ ትግራይ፡ ምብራቕ ኣምሓራ፡ ድሬዳዋ፡ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ማእከላይ ኢትዮጵያን ካልኣይ ወቕቲ ዝናብ እዩ።

ኣሳምነው፡ እቲ ኢንስቲትዩት፡ ኣብ ወቕቲ ቀንዲ ምንጪ ዝናብ ዝዀነሎም ከባቢታት፡ ዝናብ ደንጉዩ ከም ዝጅምር፡ እንተኾነ "ጽቡቕ" ንቡር ዝናብ ክረክብ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ካብዚ ብምብጋስ ካብ 30 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ዝበዝሑ ከባቢታት ቀሊልን ማእከላይን ዝናብ ተመዝጊቡ ኣሎ፣ እንተላይ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ድርቂ ዝርከቡ ከባቢታት። ኣብ ገለ ከባቢታት እውን ብርቱዕ ዝናብ ከም ዝዘነበ ይፍለጥ።

ኣብ ዞባ ሶማልያ፡ ፊቅ፡ ቀብሪ ደሃርን ጎዴን ክሳብ 150 ሚሊሜተር ዝበጽሕ "ኣዝዩ ብርቱዕ ዝናብ" ከም ዝዘነበን፡ ኣብ ፊቅ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብርቱዕ ዝናብ ከም ዝዘነበን ተገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ቦሬ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ካብ 30 ክሳብ 80 ሚሊሜተር ዝናብ ዘኒቡ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ ሞያሌ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት 43ን 32 ሚሊሜተርን ዝናብ ከምዝዘነበ ይፍለጥ። ብመሰረት እቲ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ሜጋ 35ን ያቤሎን 65 ሚ.ሜ ዝናብ ክዘንብ እንከሎ፡ ኣብ ጉጂን ቦረናምን ድማ ቀውዒ ዝናብ ከም ገሊጹ።

ኣብዚ ናይ ጽድያ ወቕቲ ድማ፡ እቶም ካብ ቀሊል ክሳብ ብርቱዕ ዝናብ ዝዘንበሉ ከባቢታት፡ ነቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ድርቂ "ንግዚኡ" መፍትሒ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ንሰብን ጥሪትን ዝስተ ማይ ንምምሕያሽን ኣብ ሓፂር እዋን ክእከብ ዝኽእል ቀለብ እንስሳን ንምትካል ዝሕግዝ ምዃኑ እውን ገሊጹ። ሕርሻ ኣዝመራ ንምጅማር "ምቹእ ሃዋህው" እውን ይፈጥር’ዩ።

ዝናብ ኣዝመራን ዘስዓቦ ሓደጋ ውሕጅን

ዶክተር ኣሳምነው ተሾመ፡ ኣብ ቀውዒ ካልኣይ ወቕቲ ዝናብ ዝዀነሎም ከባቢታት ንቡርን ልዕሊ ንቡርን ዝናብ ከም ዝተመዝገበን ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ብርቱዕ ዝናብ ከም ዝዘነበን ኣመልኪቱ።

ኣብዞም ከባቢታት ኣብ ሓያሎ ቦታታት ካብ ቀሊል ክሳብ ማእከላይ ዝናብ'ኳ እንተተመዝገበ፡ ኣብ 48 ቦታታት ግን ብርቱዕ ዝናብ ከም ዝዘነበ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ዓፋር፡ ጭፍራ ከባቢ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት 104፡ 51፡ 42ን 30 ሚ.ሜ ዝናብ ከም ዝዘነበ እቲ ክኢላ ጠቒሱ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት 51፡ 41ን 37 ሚ.ሜ ዝናብ ዝዘነበ እንትኸውን ኣብ ካልኦት ኣብ ከባቢታት ድማ ካብ 17 ለካቲት ጀሚሩ ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝናብ ኣጋጢሙ ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዓመት ኣብ ቀውዒ ዝናብ ዘስዓቦ ዕልቕልቕ ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከም ዘውረደ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋ ባርዕን እታ ከተማ ንጋቱ ማሞ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቶ ንጋቱ ዝሓለፈ ቀዳም 9 መጋቢት ምሸት ኣብታ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ሓደ ገዛ ብማይ ኣዕለቕሊቝ፡ ንጽባሒቱ ሰንበት ሬሳ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝተረኸበ ሓቢሩ።

ዞባ ጎፋ

ምንጪ ስእሊ, GOFA ZONE COMMUNICATION

መግለጺ ስእሊ, ዞባ ጎፋ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዝናብ ቀውዒ ዘጋጠመ ሓደጋ ሞት ተመዝጊቡ ከም ዘይፈልጥ እቲ ሓላፊ ገሊጹ።

ኣዲስ ኣበባ ስርዓተ ርስሓት የብላን ዝበለ ኣቶ ንጋቱ፡ ቅድም ክብል ዝተሰርሑ መስመራት ርስሓት ምስ ህልው ኵነታት እታ ከተማ ዘይሰማምዑ ምዃኖም ጠቒሱ።

እዞም መስመራት "ንእሽቶ ምኽንያት ከም ዝደልዩ" ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ እቶም ዝድርበዩ "ነገራት" ክውሰኹ እንከለዉ ኣብ ዝዀነ ወቕቲ ዝዘንብ ብርቱዕ ዝናብ ሓደጋ ውሕጅ ክፈጥር ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ "ብተለምዶ ኣባይቲ ወርሒ ተባሂሎም ዝጽውዑ" ኣብ ዓሚቝ መሰረታት ዝተሃንጹ ስለዘይኰኑ ንሓደጋ ዝተቓልዑ እዮም።

ኣብ ክልል ደቡብ፡ ዞባ ጐፋ፡ ወረዳ መሎ ኮዛ ዝሓለፈ ሰኑይ መጋቢት 11 ምሸት ዝዘነበ ዝናብ ሞት ሓደ ሰብ ከም ዘስዓበ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ዞባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ እቲ ውሕጅ፡ ሓደ ሰብ ብኸቢድ ቆሲሉ ክልተ ከብቲ ሞይቶም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ ኬላ ጥዕናን ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ቀበሌን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝበጽሐ፡ ዝራእቲ እውን ከምዝተጐድአ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብታ ብድርቂ ዝተሃስየት ኣውራጃ ደቡብ ኦሞ፡ በና ጸማይ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝዘነበ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ፡ ኣብ ንብረት "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ጉድኣት ከም ዘውረደ ተለቪዥን እቲ ክልል ሓቢሩ።

ስለምንታይ ናይ ሎሚ ዓመት ዝናብ ቀውዒ በርቲዑ?

ብመሰረት ዶክተር ኣሳምነው፡ ኣብ ውቅያኖሳት፡ ከባቢ ኣየርን መሬትን ዘሎ ኵነታት ኣየር ኣብ ዝናብ ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ።

ነቲ ጉዳይ ምስ ብድርቂ ዝተሃስዩ ከባቢታትን ዝናብ ቀውዒ ቀንዲ ምንጪ ዝናቦም ዝዀነሉን ከዛምዶ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ተኸታተልቲ ወቕትታት ዝናብ ዘጋጠመ ተፈጥሮኣዊ ለውጢታት ይጠቕስ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ወቕትታት ዝናብ፡ ምብራቓውን ማእከላይን ፓስፊክን ምዕራባዊ ህንዳዊ ውቅያኖስን ትሕቲ ንቡር ዝዘሓለ እዩ ነይሩ ይብል።

እዚ ኵነታት ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ በርቲዑ። እዚ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝናብ ከይመጽእ ይገበር።

ይዅን እምበር ኣብዚ ወቕቲ ውቅያኖሳት ናብ ንቡር ተመሊሶም ንዝናብ ምቹእ ኵነታት ፈጢሮም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ባሕሪ ዓረብን ቀይሕ ባሕርን ኵነታት ዋዒ ተራእዩ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ብርቱዕ ርጥብ ዝበለ ኣየር ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብቶም ከባቢታት "ጽቡቕ" ዝናብ ክዘንብ ክኢሉ ክብል ዶክተር ኣሳምነው ናይ ሎሚ ዓመት ዝናብ ቀውዒ ዝሓየለሉ ምኽንያት ኣብሪሁ።