ትሽዓተ ሚልዮን ነበርቲ ዘፈናቐለ ውሕጅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጃፓን፡ ብሰንኪ ሓያል ዝናብን ማዕበልን ምህማም መሬትን ሓደጋ ውሑጅን ከየጋጥም ተሰጊኡ።
ካብ ቀረባ ዓሰርታት ዓመታት ንነጀው፡ እታ ሃገር ብኣዝዩ ዝለዓለ ማዕበል ተጠቒዓ ትርከብ።
እዚ፡ ታይፎን ናንማዶል ዝተባህለ ማዕበል ብውሑዱ ክልተ ሰባት ክቐትል እንከሎ፡ ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ደቡባዊ ደሴት ክዩሹ ብዝስዓበ ምህማም መሬት፡ 90 ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም።
በዚ ምኽንያት፡ ትሸዓተ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪ ገዝኦም ክግዕዙ ክንገሮም እንከሎ፡ ኣብ 350 ሽሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት መብራህቲ ተቛሪጹ።
ኣብ ዝቕጽል 24 ሰዓታት 400 ሚሊ ሜትር ዝናብ ክሃርም ከም ዝኽእል ትንበያታት የመልክቱ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኤንኤችኬ፡ ኣብ መኪንኡ እንከሎ ብውሑጅ ዝተዋሕጠ ሓደ ውልቀሰብን፡ ብምህማም መሬት ዝተቐብረ ካልእን ከም ዝሞቱ ሓቢራ።
ካልእ ድሃዩ ዘይተረኸበ ውልቀሰብ ክህሉ እንከሎ፡ 87 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ይግለጽ።
እዚ ህቦብላ፡ ኣብ ሰዓት 234 ኪሎ ሜትሮ ዝጉዓዝ ኰይኑ፡ ኣባይቲ ኣዕንዩ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ንግድን ክቋረጽ ገይሩ ኣሎ።
ህቦብላ ናንማዶል፡ ማዕረ ራብኣይ ወይ ሓምሻይ ደረጃ ሃሪኬይን ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቶክዮ፡ ከቢድ ዝናብ ተአንግድ ብምህላዋ ብምኽንያት ውሕጅ ምንቅስቓሳት ይትኣጓጐሉ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣገልግሎታት ባቡር ተቛሪጹ ኣማኢት በረራታት ተሰሪዙ፤ ድኳናትን ትካላት ንግድን ክኣ ተዓጽዮም ኣለው።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንምስታፍ ናብ ኣሜሪካ ዝነበሮ በረራ ክደናጐ ገይሩ’ዩ።
እቲ ማዕበል፡ ኣንፈቱ ናብ ምብራቕ ክቕይርን ሮቡዕ ናብ ባሕሪ ቅድሚ ምዃዱ ንደሴት ሆንሹ ከም ዝሓልፍን ትንበያታት የመልክቱ።
ተመራመርቲ፡ ኣብዚ ዓመት፡ ብተፈጥሮኣዊ ክስተት ኤልኒኖ ዝስዓበ ንጡፍ ወቕቲ ሃሪኬይን ከም ዝህሉ ገሚቶም ነይሮም።
ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ኣትላንቲክን ካሪብያንን ዘጋጥም ዘሎ ዋዒ ፍጥነትን ጻዕቕን ሃሪኬናት ክጸልዎ ከም ዝኽእል’ውን ይግመት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







