ቬነዙዌላ፡ ብሰንኪ ምህማም መሬት 20 ሰባት ሞይቶም 8000 ኣባይቲ ዓንዩ

ኣብ ዞባ መሪዳ፡ ጎደናታት ከተማ ቶቫር ብጭቃን ዶንጎላታትን እዩ መሊኡ 25 ነሓሰ 2021

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዞባ መሪዳ፡ ጎደናታት ከተማ ቶቫር ብጭቃን ዶንጎላታትን እዩ መሊኡ

ኣብ ምዕራብ ቬነዜዌላ ዞባ መሪዳ ብሰንኪ ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ንዝጠፍኡ ዓሰርተታት ሰባት ንምድላይ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን እታ ሃገር ይሰርሑ ኣለዉ።

ትምበያ ኩነታት ኣየር ኣብቲ ቦታ ንዝመጽእ 10 መዓልታት ማይ ክሃርም ምዃኑ እዩ ዝሕብር፡ እዚ ኸኣ ንነባሪ እቲ ኸባቢ ዝያዳ ሻቕሎት ክፈጥር እንከሎ፡ ንሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝያዳ መሰናኽል ፈጢርሎም ይርከብ።

ክሳብ ሕጂ 20 ሰባት ብሰንኪ እቲ ምህማም መሬት ምማቶም ክረጋገጽ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብቲ ቀንዲ ዝተደብየ ከባቢታት ስለዘይበጽሑ ቁጽሪ ምውታት ብዕጽፍፍታት ክዛይድ ከምዝኽእል እዩ ተሰጊኡ ዘሎ።

ፕረዚደንት እታ ሃገር ኒኮላስ ማዱሮ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 8000 ኣባይቲ ብሰንኪ ብብርቱዕ ማይ ዝሰዓብ ምህማም መሬት ምሉእ ንምሉእ ዓንዩ ምህላዉ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናብ 11 ዞባታት እታ ሃገር ክጽለዋ እንከለዋ፡ ዝበዝሐ እቲ ሞት ኣብ ዞባ መሪዳ፡ ከተማ ኣንድስ እዩ ኣጋጢሙ።

ኣባይቶም ብምህማም መሬት ዝተደብዮም ነበርቲ ከተማ ቶቫር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣባይቶም ብምህማም መሬት ዝተደብዮም ነበርቲ ከተማ ቶቫር

ጎደናታት ከተማ ኣንደስ፡ ካብ ጎቦታት ተንሸራቲቱ ብዝመጽአ ጭቃን መደራጋሕን የዕልቕሊቑ ይርከብ።

ብነበርቲ እቲ ኸባቢ ዝተሰኣለ ተንቀሳቓስን ደረቅን ስእልታት፡ መካይን ብማይን እናተወስዳን ብጭቃ እንተደብያን ዘርኢ እዩ።

ኣብታ ሃገር ምህማም መሬት ክርአ እዚ ናይ መጀመርታ ተርእዮ ኣይኮነን፡ ኣብ 2005 ኣብ ሞኮሪስ እትብሃል ከተማ እታ ሃገር ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 40 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ዓሰርተታተ ኸኣ ሬሰኦም ኣይተረኸበን።