ኣብ ሃይቲ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ብውሕዱ 304 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ኣብ ሄይቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መርየት 7.2 ሬክተር ስኬል ዝልካዕ ኮይኑ ትማሊ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ንዝርከቡ ኣብያተ ክርስትያናት ኮነ ሆቴላት ከምዘዕነወ ተሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሄይቲ “ዓብይ ጉድኣት’ዩ ኣስዒቡ” ዝበለ ኮይኑ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ’ሎ።
ሄይቲ ካብቲ ኣብ 2010 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣጋጢምዋ ዝነበረ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት ትሓዊ እያ ዘላ።
እቲ ትማሊ ቀዳም ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መርየት ካብ ሴንት ሉዊስ ዱ ሱድ 12 ኪሎ ሜትር ራሕቒ ከምዝተኸሰተ መጽናዕቲ ጂኦሎጂ ኣመሪካ ኣመላኺቱ።
እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዙሕ ህዝቢ ከምዝነበርላ ዝዝረበላን 125 ኪሎ ሜትሮ ሪሒቓ ኣብ እትርከብን ፖርት ኦው ፕሪንስን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ገሮባብቲ ግዝኣታት ከምዝተሰምዐ ተሓቢሩ’ሎ።
“ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ዓንዮም እዮም፣ ሰባት ሞይቶም፣ ገለ ገሊኦም ድማ ናብ ሆስፒታል ኣትዮም” ክትብል ኣብ ጥቓ እቲ ምንቅጥቃጥ መርየት ዘጋጠመ ቦታ እትነብር ክርስታላ ሴንት ሂላየር ንኤኤፍፒ ሓቢራ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣርኤል ሄንሪ ቅልጡፍ ረድኤት ንምብጻሕ ሓደ ጉጅለ ከምዘጣየሸ ተዛሪቡ። “እቶም ብህይወት ዝተረፉ ካብ እቶም ዝዓነዉ ህንጻታት ምድሓን እቲ ኣገዳስን ግዜ ዘይህብን’ዩ” ድማ ኢሉ።
“ሆስፒታላት ናይቲ ከባቢ መጉዳእቲ ብዘጋጠሞም ሰባት ከምዝተጨናነቓ ፈሊጥና ኣለና” ዝበለ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ከተማ ካይስ ብኣውሮፕላን ከምዝበረረ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሄይቲ ንምሕጋዝ ፍቓድ ዝሃበ ኮይኑ ትካል ረድኤት ኣመሪካ ዝኾነ [ዩኤስአይድ] “እቲ ዘጋጠመ ዕንወት ንምግምጋምን ብሰንኪ እቲ ምንቅጥቃጥ መርየት ንዝተጎድኡ ንምሕጋዝን ክስራሕ’ዩ” ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







