ኣብ ሀይቲ 'ዕልዋ መንግስቲ' ፈቲኖም ዝተባህሉ 23 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም

ናዕበኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ሀይቲ፡ ክቐትልዎን መንግስቲ እታ ሃገር ንምዕላው ዝፈተኑን ዝበሎም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተው ኣፍሊጡ።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው 23 ሰባት፡ ላዕለዋይ ዳኛ፡ ኣዛዚ ፖሊስን ካልኦት ሰበስልጣንን ይርከብዎም።

ኣብ ሀይቲ መዝነት እቲ ፕረዚደንት መዓስ ከምዘብቅዕ ኣዛራራቢ ኮይኑ ቐኒዩ።

ፕረዚደንት ጆቨናለ ሞይዝ፡ ዕድመ ስልጣኑ ኣብ ለካቲት 2022 እዩ ዝውዳእ ይብል።

እቶም መቀናቅንቱ ግን፡ ትማሊ ሰንበት ከምዘብቀዐ እዮም ዝዛረቡ።

በዚ ዝተላዕለ ድማ ኣብ ርእሰከተማን ካልኦት ከተማታት እታ ሃገርን ሓያል ናዕቢ ተላዒሉ'ሎ።

እቶም ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ ከምዝተጓነጹ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ሓደ ተቓውሞ ዘስምዕ ዝነበረ ''ፕረዚደንት ጆቨናለ ሞይዝ ንቅዋም እታ ሃገር ክጥሕሶ ኣይንቕበሎናን ኢና'' ክበል ተዛሪቡ።

እቲ ቅዋም ክኽበር ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቡ።

ገለ ካብቶም ናዕበኛታት ድማ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ብቕልጡፍ ክፍትሑ ጸዊዖም።

ሰብመዚ እታ ሃገር ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ''ዕልዋ መንግስቲ'' ፈቲኖም ዝበልዎም ሰባት፡ ገንዘብን ኣጽዋርን ሒዞም እንከለው ከምዝተታሕዙ ኣፍሊጦም።

''ንሓላፊ ጸጥታ እዚ ቤተ-መንግስቲ የመስግኖ እየ። ዕላማ እዞም ሰባት ኣብ ህይወተይ ጉድኣት ከብጽሑ ሓሳብ ነይርዎም'' ክብል ፕረዚደንት ጆቨናለ ሞይዝ ተዛሪቡ። እቲ ናቶም ውጥን ከምዝፈሸለ'ውን ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ጆቨናለ ሞይዝ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተዓዊቱ'ዩ ኣብ ስልጣን መጺኡ።

ተነሓናሕቲ እቲ ፕረዚደንት፡ ዕድመ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ከምዘብቀዐ እዮም ዝምጉቱ።

እንተኾነ፡ እቲ ፕረዚደንት ዕድመ ስልጣኑ ሓደ ዓመት ተሪፍዎ ከምዘሎ እዩ ዝምጉት።

ኣብ ሀይቲ ካብ 2019 ኩሎም ባይቶዊ ምርጫ ተሰረዞም ይርከቡ። እቲ ፕረዚደንት ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብኣዋጃት እዩ ክመርሕ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ጆቨናለ ሞይዝ፡ ኣብ ስልጣኑ እንተቐጺሉ፡ ተወሳኺ ናዕቢ ከለዓዕል ከምዝኽእል ተንተንቲ እቲ ዞባ ይዛረቡ።

ኣብ ሀይቲ ተደጋጋሚ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተኻዪዱ እዩ። ግና ርጉእን ናጻን መንግስቲ ክትከል ኣይተራእየን። ሀይቲ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እታ 'ዝደኸየት ሃገር' እናተባህለት እያ እትጥቀስ።