በዓልቲ ቤት ናይቲ ዝተቐንጸለ ፕረዚደንት ሃይቲ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
በዓልቲ ቤት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተቐንጸለ ፕረዚደንት ሃይቲ፡ ማርቲን ሞይሴ ኣብ ፍሎሪዳ ሕክምና ክትከታተል ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ሃገራ ከምዝተመለሰት ተሓቢሩ።
ንሳ ትማሊ ቀዳም ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ፖርት ኣዩ ፕሪንስ ክትኣቱ እንከላ ናይ ጥይት መከላኸሊ ጃኬት ገያራ ተራእያ።
በዓል ቤታ ጆቨኔል ሞሴ ብ7 ሓምለ [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ ገዝኡ እንከሎ ነይሩ ብቐንጸልቲ ዝተቐትለ። በዓል ቤቱ ማርቲን ሞሴ ድማ በቲ መጥቃዕቲ ቆሲላ ስለዝነበረት ኣብ ሚያሚ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዳ ከምዝነበረት ይፍለጥ።
ካብ ሕክምና ወጺኣ ናብ ሃገራ ዝተመለሰትሉ ምኽንያት ድማ ስነ ስርዓት ቀብሪ በዓል ቤታ ንኽተሰናድእ ከምዝኾነ ሰበ ስልጣን ሃይቲ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻቶም ሓቢሮም ኣለዉ። ናብ ሃገራ ኣብ ዝኣተወትሉ ግዜ ብግዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይቲ ክላዉድ ጆሴፍን ካልኦት ናይ ድሕነት ሰባትን ኣቀባብላ ተገይሩላ’ሎ።
በዓልቲ ቤቱ ማርቲን ሞሴ ድሕሪ እቲ ኣብ በዓል ቤቱ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ውሱን ርእይቶ ዝሃበት ኮይና ፖሊስ ሃይቲ ቅንጸላ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብናይ ወጻኢ ዕሱባት ብኣውርኡ ድማ ብደቂ ኮሎምብያውያን ከምዝተፈጸመ’ዩ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ሓደጋ ንሕንጢጥ ዘምለጠት በዓልቲ ቤቱ ማርቲን ሞሴ ኣብቲ እትሕከመሉ ዝነበረት ሆስፒታል ኮይና ብዘቃለሐቶ ናይ ድምጺ መልእኽቲ መዋቲ በዓል ቤታ ፍርቂ ለይቲ ብጠያይቲ ተወቒዑ ከምዝሞተ ሓቢራ።
“እቲ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ቅልጡፍ ስለዝነበረ ዋላ ሓንቲ ቃል ክዛረብ ዕድል ኣይነበሮን” ድማ ኢላ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢላ ኣብ ናይ ውልቃ ትዊተር ገጽ “እዚ ቃንዛ ፈጺሙ ዘይሓልፍ’ዩ” ክትብል ብሞት በዓል ቤታ ኣዝያ ከምዝሓዘነት ጽሒፋ።
ወዲ 53 ዓመት ፕረዚደንት ሃይቲ ነበር ሞይሴ ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ ኣመሪካ ናይታ ዝደኸየት ሃገር መራሒ ኮይኑ ጸኒሑ። ንሱ ኣብ ናይ ስልጣን ግዚኡ ብተግባር ግዕዝይና ዝኽሰስ ኮይኑ ኣብታ ሃገር ኣንጻር መሪሕነቱ ብርክት ዝበሉ ህዝባዊ ተቛውሞታት ኣጋጢሞም’ዮም።
እቲ ናይ ቅንጸላ ተግባር ብመንን መዓዝን ከምዝተፈጸመ ኣብ ዝግበር ምጽራይ ከም ናይ ዓይኒ ምስክር ኮይና ከምአትሕግዝ ተስፋ ዝተገበረላ ኮይኑ ብዛዕባ ኣቀታትልኡ ዛጊድ ሚስጢር’ዩ ኮይኑ ዘሎ።
ፖሊስ ሃይቲ፡ ቅንጸላ ፕረዚደንት ሃይቲ ነበር ብቐንዱ ብናይ ወጻኢ ዝተዓሰቡ ብዝበሎም 26 ኮሎምብያውያን ክልተ ድማ ደቂ ሃይቲ ኣመሪካውያን ከምዝተፈጸመ ዝሓበረ ኮይኑ ካብኣቶም 20 ሰባት ኣብ ቁጽጽር ከምዘውዓለን 3 ድማ ቀቲሉን እቶም ዝተረፉ 5 ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ህድማ ከምዝርከቡ’ዩ ገሊጹ።
ካብኣቶም ብተወሳኺ ኣብ ቅንጸላ እቲ ፕረዚደንት ኢድ ነይርዎ’ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ዝሰርሕ ሃይታዊ ዶ/ር ክርስትያን ኢማኑኤል ሳኖን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሃይቲ ዕላዊ ገይሩ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







