ኣብ ህንዲ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ብውሕዱ 110 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, NDRF
ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ህንዲ፡ ማሃራሽትራ፡ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ዝሰዓበ መሬት ምህማምን ዕልቕልቕን ብውሕዱ 110 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።
እቲ ዝናብ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ቁሸታት ዘዕለቕለቐ ኾይኑ፡ ብዙሓት ገዛውቲ ብውሕጅ እንትውሰዱ፤ ብዙሓት ነበርቲ ድማ ካብ ዘለውዎ ከይንቀሳቐሱ ገይሩ ይርከብ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት፡ ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ካብቲ ዕልቕልቕ ንምውጻእ እናተጓየዩ ዝርከቡ ኾይኖም፡ ብዙሓት ሰባት ግን ዛጊድ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ተባሂሉ።
ሰራዊት ህንዲ'ውን ነቲ ብኸቢድ ኩነታት እቲ ዝናብ ተኣጓጒሉ ዝነበረ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይሕግዝ ኣሎ ተባሂሉ።
እታ ግዝኣት፡ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዓ ዓመታት እቲ ዝሓየለ ዝናብ ሓምለ ኣመዝጊባ ተባሂሉ።
ንሓደጋ እቲ ዕልቕልቕ ብዙሓት ምኽንያታት እንተቐረበ'ኳ፡ ብቐንዱ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘስዐቦ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይዛረቡ።
ትማሊ ዓርቢ ሰበ ስልጣን ህንዲ፡ ንኣብዝሓ ሞት ምኽንያት ዝኾነ፡ ነቲ ሓያል ዝናብ ስዒቡ ኣብ ክልተ ወረዳታት ዝተኸስተ ምህማም መሬትን ዕልቕልቕን ከምዝኾነ እዮም ተዛሪቦም።
ንሳቶም፡ ወሲኾም ከምዝበልዎ፡ ካብ ማእኸል ንግዲ ህንዲ ዝኾነት ከተማ ሞምባይ፡ ብኣንፈት ሰሜን ምብራቕ እትርከብ ሓንቲ ንእሽተይ ቁሸት፡ ብሰንኪ ምህማም መሬት ስለዝተደፍነት፡ እንተወሓደ 38 ሰባት ከምዝሞቱ ይዛረቡ።
ሚኒስተር እታ ግዝኣት ኡድሃቭ ታክሬይ ህጹጽ ኣኼባ ዝጸወዐ ኾይኑ፡ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበጽሖም ሰባት ረድኤት ክወሃቦም ንሰበ ስልጣናት ሓቲቱ።
ከምኡ'ውን፡ ሓለፍቲ መንግስቲ ንተመሳሳሊ ሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ካብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ምግዕዓዝ ከምዝርከቡ'ውን ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ብወገኑ፡ ብቲ ሓደጋ ህይወቶም ንዝሓለፈ ዝተሰመዖ ሓዘን ዝገለጸ ኾይኑ፡ ጉድኣት ዝበጽሖም ድማ ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ከምዝግበረሎም ተዛሪቡ።
መርከባት ህንድን ሰብ ስልጣናት ምቁጽጻር ሓደጋን፡ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ንዝወደቐ ሰባት ንምድሓን ናብ ገማግም ባሕሪ ባሕሪ ተጓዒዞም ተባሂሉ።
ኣብ ሓንቲ ገምጋም ባሕሪ እትርከብ ወረዳ፡ መራኸብቲ ዓበይቲ ድልድላትን ስልኪ ዝፍነወሉ ዓቢ ማእኸልን ጉድኣት ስለዝበፅሖም፡ ምስቲ ካልእ ካፋል እቲ ግዝኣት ዘሎ ርክብ ተቛሪጹ ከምዘሎ ይዝረብ።
በቲ ውሕጅ ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት፡ ብሆሊኮፕተር ተሓጊዞም ህይወት ንምድሓን ንዝነጥፉ ዘለዉ ናይ ሓደጋ ሰራሕተኛታት ክረአዩዎም ምእንታን ናብ ዝባን ህድማን በረኽቲ ከባብታት ክወጽኡ ሰብ ስልጣናት ሓቢሮም ኣለዉ።
ኣብ ከተማ ሞምባይ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ሓደ መንበሪ ኣባይቲ ህንጻ ፈሪሱ፡ ክልተ ሰባት ዝሞቱ ኾይኖም፡ ዓሰርተ ሰባት ጉድኣት በጺሕዎም ተባሂሉ።
ኣገልግሎት ባቡር ተቛሪጹ እዩ፤ ዓᎁቕ ዝኾነ ክፋል እታ ከተማ ድማ ብውሕጅ ተዕለቕሊቑ ተባሂሉ።
ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝወቅዕ ዘሎ ሓያል ዝናብ ንመጻኢ ገለ መዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል ተንቢሆም።
ኣብ ሞምባይ ሓያል ዝናብ ከጋጥም ዝተለምደ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ናይ ዝናብ ወቕቲ ሓደጋ ዕልቕልቕ ብተደጋጋሚ ከምዘጋጥማ እዩ ዝዝረብ።
ኣብ ቀረባ ዓመታት ግና፡ ብርተዐ እቲ ዝናብን እቲ ሓደጋን እናተጋደደ ምምጽኡ ይዝረብ።
ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ንሸቕሊ ናብታ ከተማ ይተሙ እዮም ተባሂሉ።
ብዚ ምኽንያትኀ፡ ብዙሓት እኹል ምቁጽጻር ከይተገብረሎም ኣብ ዝሰርሑ መንበሪ ኣባይቲ ክነብሩ ስለዝግዱ፡ ኣዝዮም ንሓደጋ ዝተሳጥሑ እዮም ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







