ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ደሃይ 20 ሰባት ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ማእኸላይ ጃፓን ኣብ ሓደ ፍሉጥ መናፈሻ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ሓደጋ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን 20 ሰባት ድማ ድሃዮም ከምዝተሰኣነ ተገሊጹ።
ነቶም ዝጠፍኡ ሰባት ንምእላሽ ዓብይ ናይ ምድሓን ወፍሪ ይካይድ ከምዘሎ ከኣ ተሓቢሩ።
ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናይ መድሕን ሰብሞያ፡ ሎሚ ንጉሆ ነቶም ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት ንምድሓን ኣብ ጎኒ እቲ ገደል ንዝነበረ ጭቃ ናይ ምጽራግ ስራሕቲ ኣካይዶም።
በቲ ከቢድ ዝናብ ዘስዓበ ናይ ጭቃ ምድህማስ ብዙሓት ገዛውቲ ተወሲዶም።
እቲ ሓደጋ ዝተኸሰተላ ከተማ ኣታሚ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ ሕሉፍ ወርሒ ሰነ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ዝናብ ኣተኣናጊዳ እያ።
እቲ ዝተዳህመሰ ጭቃ፡ ንቑልቁል ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ሺዞኳ ኣቢሉ ናብ ባሕሪ ከምዘንከራረወ ትማሊ ቀዳም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተጠቅዐ ቪድዮ የመልክት።
ሓደ ነባራይ እታ ከተማ እቲ ሓደጋ ኣብ ዝተኸሰተሉ ህሞት “ዘፍርሕ ድምጺ” ከምዝሰምዐን እቲ ምድህማስ ፎቖድኡ ይርኣይ ስለዝነበረን ከምዝሃደመ ተዛሪቡ።
“እቶም ድሃዮም ዘጥፍኡ ግዳያት ንምድሓን ሕጂ’ውን እቲ ዝናብ ይቕጽል ስለዘሎ ጥንቃቐ ዝተመልኦ ናይ ምድሓን ወፍርታት ነካይድ ኣለና” ክብል ሓደ ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ንኤኤፍፒ ገሊጹ።
ኣብ ጥቓ እቲ ከባቢ እትርከብ ኣውራጃ ካነጋዋ’ውን ተመሳሳሊ ኩነታት ኣየር ከምዝነበረ ተሓቢሩ።
ኣብታ እምባታት ዝበዝሕዋን ዜጋታታ ኣብ ኣዝዩ ጽዑቕ ዝኾነ ከባቢ ዝነብሩላን ሃገረ ጃፓን ናይ መንደራጉሕን ምድህማስን ሓደጋ ልሙድ ከምዝኾነ ኣብ ቶክዮ ወኪል ቢቢሲ ሩፐርት ዊንግፊልድ ገሊጹ።
ለውጢ ጸባይ ኩነታት ኣየር እቲ ሓደጋ ተደጋጋምን ኣዕናዋይን ንክኸውን ናይ ባዕሉ ተራ ይጻወት ከምዘሎ መረዳእታታት’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







