ሓደ ኣመሪካዊ ባሕረኛ ድሕሪ 80 ዓመታት ተቐቢሩ

ኣመሪካዊ ባሕረኛ ድሕሪ 80 ዓመታት ተቐቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ መዓስከር ፐርል ሃርበር ዝተቐትለ ሓደ ኣመሪካዊ ባሕረኛ፡ ድሕሪ 80 ዓመታት ተቐቢሩ።

ሀርበርት ጃኮብሰን፡ ብዘመናዊ መርመራ ፎረንሲክ ሬሳኡ ንምፍላጥ ምስ ተኽኣለ እዩ፡ ኣብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ኣርሊንግተን ተቐቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ባሕረኛ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ምፍላጥ፡ ነታ ስድራቤት ‘ሩፍታ’ ከም ዝፈጠረላ፡ ሓደ ወዲ ሓውቦኡ ንማዕከን ዜና ኤፒ ሓቢሩ።

ንሱ ካብቶም ብጃፓን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ወይ ዝቖሰሉ ኣሽሓት ሰባት ሓደ'ዩ ነይሩ።

ጃፓን ብ 7 ታሕሳስ 1941 ኣብቲ ኣብ ሃዋይ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ደሕሪ ዘካየደቶ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ እዩ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ክትሳተፍ ተገዲዳ።

ወዲ 21 ዓመት "በርት” ጃኮብሰን፡ ኣብ መርከብ ዩኤስኤስ ኦክላሆማ ህይወቶም ካብ ዝሰኣኑ 400 ባሕረኛታት ሓደ ዀይኑ፡ እታ ዓባይ መርከብ ሓንቲ ካብተን ብመጥቃዕቲ ጃፓን ዝጠሓላ ኣርባዕተ መራኽብ ውግእ'ያ።

ሬሳኦም ካብ ዝርከብ ክልተ ዓመት እኳ እንተገበረ፡ ብዙሓት መንነቶም ክፍለጥ ኣይከኣለን።

ንኹሎም ግዳያት ንምልላይ ተደጋጋሚ ፈተነታት ተኻይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ክሳብ እቲ ዳሕረዋይ መርመራ ዲኤንኤ ዝግበር ግን ዕውት ኣይነበረን። ሬሳ ጃኮብሰን'ውን ኣብ 2019 እዩ ተለልዩ።

ብሰሉስ ከኣ ኣብ ቨርጂንያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ መካነ መቓብር ኣርሊንግተን ተቐቢሩ።

ንዕኡ ብኣካል ዘይፈልጥዎ ኣባላት ስድራ’ውን፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተረኺቦም ነይሮም።

"እዚ ዘይተፈትሐ ምስጢር ኮይኑ ጸኒሑ'ዩ፡ በርት እንታይ ከም ዘጋጠሞን፡ ኣበይ ከምዝነበረን ንነዊሕ እዋን ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ይቕበር ከምዘሎ ምፍላጥና ናይ መንፈስ ዕረፍቲ ይህበና" ክብል ወዲ ሓውቦኡ ብራድ ማክዶናልድ ንኤፒ ተዛሪቡ።

ግዳያት ፐርል ሃርበር ንምልላይ ዝተገበረ ፈተነታት ድሕሪ ምፍሻሉ - ኣብ 2003 እዩ ሓድሽ ወፍሪ ተጀሚሩ። ኣብ 2015 ከኣ ብመንገዲ ዲኤንኤ ሓዊሱ ዝያዳ ምዕቡል ሜላታት መለለዪ ምጥቃም ተጀሚሩ።

እቶም ፈተነታት ንስድራቤት ጃኮብሰን ሓድሽ ተስፋ ሂቦም እዮም።

ኣደ በርት ካልእ ይትረፍ ወዳ ኣበይ ከምዘሎ ፈጺማ ስለ ዘይትፈልጥ ዓመት ዓመት 7 ታሕሳስ ትበኪ ከምዝነበረት ጸብጻብ ኤፒ ይጠቅስ።

ኣብ ፐርል ሃርበር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ክሳብ እቲ ብ11 መስከረም 2001 ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ምድሪ ኣሜሪካ እቲ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ 1941 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓታት፡ ልዕሊ 2,400 ኣመሪካውያን ተቐቲሎም።

ንጽባሒቱ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ፍራንክሊን ሩዝቨልት፡ ኣብ ልዕሊ ጃፓን ኲናት ምስ ኣዊጀ፡ ኣመሪካ ናብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ተጸምቢራ።

ኣብ ሃዋይ ዝርከብ ፐርል ሃርበር፡ ክሳብ ሕጂ ንጡፍ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ፡ ቤተ መዘክርን ሃገራዊ ሓወልቲ ናይ'ቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝሃለቑን ይርከቦ።