ኣብ ዱባይ ዝሃረመ ዘይንቡር ዝናብ ኢድ-ሰብ ዝተሓወሶ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዝሃርም ዘሎ ዘይንቡር ከቢድ ዝናብ ኣብ ሰብን ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣውሪዱ'ሎ።
ብሰንኩ ዝሰዓበ ዕልቕልቕ ኣብታ ማእከል ንግዲን ቱሪዝምን ዓለም ዝዀነት ከተማ ዱባይ ኣብ መጓዓዝያ ኣየርን ምድርን ሰፊሕ ምትዕንቓፍ ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብታ ከተማ ዝርከብ ብንጥፈታቱ ኣብ ዓለም ብካልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ብማይ ስለዘዕለቕለቐ፡ በረራታት ክሳብ ምቁራጽ በጺሑ'ዩ።
"ኣዝዩ በዳሂ ኵነታት ኣጋጢምዎ" ስለዘሎ ድማ፡ ገለ ገያሾ ናብኡ ክኣትዉ ከይፍትኑ ተማሕጺኑ ነይሩ።
ብረቡዕ ጥራይ ኣስታት 300 ካብን ናብን እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝካየድ በረራታት ክስርዝ ተገዲዱ። እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 80 ሚልዮን ገያሾ ዘአንገደ'ዩ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ታሪኻ እቲ ዝለዓለ መጠን ዝናብ'ዩ ፈሲሱዋ'ሎ። ኣብታ ሃገር ዛጊት ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ይፍለጥ።
ጐረቤታ ዖማን'ውን በቲ ኣይሂ ማይ ተሃሪማ'ያ። ኣብታ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር'ውን 19 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይገልጹ።
ብዛዕባ ጠንቂ እዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝናብን ዕልቕልቕን ዝተፈላለዩ ግጉያት ርእይቶታት ይጋውሑ ኣለዉ። ሓደ ካብቲ ዝብሃል ዘሎ ኢድ-ሰብ ዝተሓወሶ ከይከውን ዝብል ወረ'ዩ።
እቲ ካብ ሰማያት እተን ሃገራት ዝፈስስ ዘሎ ዝናብ ክሳብ ክንደይ'ዩ ዘይንቡር፡ ጠንቁታቱኸ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/ZAHEER KUNNATH
ዘይንቡርነት እቲ ዝናብ
ዱባይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተደኮነት ከተማ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝናብ ዝተሓረማ እያ። ዋላ'ኳ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት 100 ሚሜ ማይ ትረክብ እንተዀነት፡ ሓሓሊፉ ግን ከቢድ ዝናብ ይወርዳ'ዩ።
ኣብታ ልዕሊ 100 ኬ.ሜ ሰሜን ካብ ዱባይ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ኣል-ዒን፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣስታት 256 ሚሜ መጠን ዝናብ ተመዝጊቡ።
ውዑይን ጠሊ ዝሓዘን ኣየር ዝስሕብ፡ ከምኡ'ውን ካልእ ኵነታት ኣየር ከይቅልቀል ዝዓግት ብትሑት ጸቕጢ ዝተሰነየ ፍሉይ ሰርዓተ ኵነታት ኣየር ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ኣይሂ ምዃኑ ይግለጽ።
"እዚ ከባቢታት ዓለም [ወሽመጥ ዓረብ] ንነዊሕ እዋን ዝናብ ተሓሪምዎ ዝጸንሕ ኰይኑ፡ ኣብ ገለ እዋን ግን ዘይስሩዕን ከቢድን ዝናብ ዝረክብ'ዩ። ዋላ'ኳ ከምኡ ይዅን'ምበር፡ እዚ ናይ ሕጂ ግን ኣመና ዘይንቡር ኵነታት ዝናብ'ዩ ነይሩ" ይብል ሜትሮሎጂስት ፕሮፌሰር ማርቲን ኣምቡዋም ካብ እንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ረዲን።
ክሊማዊ ለውጢኸ ግደ ይህልዎዶ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጠን ተራ ክሊማዊ ለውጢ ኣብቲ ዝተራእየ ከቢድን ዘይስሩዕን ዝናብ ብንጹር ምግምጋም ኣብዚ እዋን'ዚ ዝክኣል ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ነቶም ባህርያዊን ሰባዊን ረቛሒታት ጽጹይ ስነፍልጠታዊ ትንተና ምግባር ስለዘድልዮም።
እቲ ታሪኻዊ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ ዘሎ ዝናብ ግን ምስ ለውጢ ክሊማ ምትሕሓዝ ከምዘለዎ ርዱእ'ዩ።
ብቐሊሉ ንምቕማጥ፡ ውዑይ ኣየር ዝያዳ ጠሊ ክሕዝ ይኽእል'ዩ፡ እዚ ማለት ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ዲግሪ ሰሊስየስ 7 ሚእታዊ ዝያዳ ጠሊ ኣለዎ። እዚ ድማ ንመጠንን ሓይልን ናይቲ ዝናብ ከበርኾ ይኽእል።
"ሓይሊ ናይቲ ዝናብ ክብረወሰን ዝሰበረ'ዩ፡ እንተኾነ ምስ ኵነታት ናይቲ እናወዓየ ዝመጽእ ዘሎ ክሊማ ዝቃዶ'ዩ። ዝያዳ ጠሊ ህቦብላታትን ከቢድ ዝናብን የስዕብ'ዩ፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ዕልቕልቕ'ውን ዝያዳ ብርቱዕ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ረዲን ፕሮፌሰር ክሊማዊ ሳይንስ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ዓለም እናወዓየት ኣብ እትኸደሉ ዘላ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ክፍለዘመን መጠን ዝናብ ኣብ መላእ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብ30 ሚእታዊ ክውስኽ ተኽእሎ ኣሎ።
"ደቂ ሰባት ነዳዲ፡ ጋዝን ከሰልን ምንዳድ እንተቐጺሎም፡ ክሊማ እናረሰነ ክኸይድ'ዩ፡ ዝሃርም ዝናብ'ውን ክብርትዕ'ዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ሰባት ኣብ ዕልቕልቕ ህይወቶም ክስእኑ'ዮም" ይብል ኣብ ኢምፐሪያል ኮለጅ መምህር ክሊማዊ ሳይንስ ዶ/ር ፍረደሪክ ኦቶ ብወገኑ።
'ክላውድ ሲዲን' እንታይ'ዩ፡ ጽልዋኸ ነይሩዎ ድዩ?
'ክላውድ ሲዲን' (ምዝራእ ደበና) ንተፈጥሮኣዊ ደበናታት ብምትእትታው ኢድ ሰብ ዝያዳ ዝናብ ከምዝፈስስ ምግባር የጠቓልል።
እዚ፡ ብነፈርቲ ከም 'ሲልቨር ኣዮዳይድ' ዝተባህሉ ባእታታት ጨው ኣብ ልዕሊ ደበናታት ብምዝራእ ክግበር ይክኣል። ከም ሳዕቤኑ፡ ሃፋ ማይ ብቐሊሉ ክሰርብን ናብ ዝናብ ክቕየርን ይኽእል።
እቲ ምዕባለ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ኢማራት ዓረብ ንዘለዋ ዋሕዲ ማይ ንምፍታሕ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ተጠቒማትሉ ነይራ'ያ።
ብሰንኪ'ቲ ከቢድ ዝናብ ሓያል ዕልቕልቕ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ገለ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ምስቲ እታ ሃገር ኣካይዳቶ ዝነበረት ስርሒታት ክላውድ ሲንዲን ከምዝተሓሓዝ ብምግላጽ ግጉይ ሓበሬታ ክዝርግሑ ተራእዮም።
ብሉምበርግ ዝተባህለ ማዕከናት ዜና፡ ብሰንበትን ሰኑይን ነፈርቲ ዘራእቲ ደበና ተዋፊረን ከምዝነበራ፡ ብሰሉስ እቲ ዕልቕልቕ ከጋጥም ከሎ ግን ከምዘይራኣያ ጸብጺቡ ነይሩ።
ቢቢሲ ደበናታት ኢማራት መዓስ ከምዝተዘርኡ'ኳ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ እንተዘይክኣለ፡ ክኢላታት ከምዝብልዎ ግን እቲ ሰባዊ መስርሕ ኣብቲ ዝተፈጥረ ህቦብላ ድሩት ጽልዋ ጥራይ'ዩ ክህልዎ ዝኽእል፡ ስለዚ ኣብ ዘራእቲ ደበና (cloud seeding) ምትኳር "ኣጋጋዪ" እዩ።
"ዋላ ምዝራእ ደበና ኣብ ከባቢ ዱባይ ዝርከቡ ደበናታት ማይ ከንጥቡ ዝድርኽ እንተዝኸውን፡ እቲ ከባቢ ኣየር ብዓንተብኡ ዝያዳ ማይ ተሰኪሙ ደበናታት ክፈጥር ምኸኣለ ነይሩ፡ እዚ ድማ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ'ዩ" ይብል ዶክተር ኦቶ።
ብሓፈሻ ምዝራእ ደበና ዝካየድ፡ ኵነታት ንፋስ፡ ጠሊን ደሮናን ናብ ዝናብ ንምፍጣር እኹል ኣብ ዘይኰነሉ እዋን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ትንበያታት ኣብ መላእ ወሽመጥ ዓረብ ልዑል ሓደጋ ውሕጅ ከምዘጋጥም ኣጠንቂቘም ነይሮም።
"ከምዚ ዝኣመሰለ ጽዑቕን ዓበይትን ስርዓተ-ኵነታት ኣየር] ክግመት ከሎ፡ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት መስርሕ ምዝራእ ደበና ኣይፍጸምን እዩ። ምኽንያቱ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ስርዓተ-ኵነታት ኣየር ብዞባ ደረጃ ምዝራእ" ከምዘየድሊ ፕሮፌሰር ዲያና ፍራንሲስ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ዩኒቨርሲቲ ካሊፋ ሓላፊት ኣከባብያውን ጂኦፊዚካዊን ሳይንስ ተረድእ።

ክኢላ ሜትሮሎጂ ቢቢሲ ማት ተይለር እውን እቲ ከቢድ ፍጻመ ኵነታት ኣየር ድሮ ተገሚቱ ከምዝነበረ የመልክት። "ቅድሚ እቲ ፍጻመ፡ ሞዴላት ኮምፒተር (ንኽህሉ ዝኽእል ጽልዋታት ምዝራእ ደበና ኣብ ግምት ዘየእተዉ) ድሮ ኣብ ከባቢ 24 ሰዓታት ጥራይ ናይ ልዕሊ ሓደ ዓመት መጠን ዝናብ ክዘንብ ምዃኑ ይግምቱ ነይሮም" ይብል።
"እቲ ጽልዋታት ካብቲ ብምዝራእ ደበና ክስዕብ ዝኽእል ንላዕሊ ዝሰፍሐ'ዩ ነይሩ፣ ካብ ባሕሬን ክሳብ ዖማን ንሰፊሕ ከባቢታት ዝሸፈነ ከቢድ ዕልቕልቕ'ዩ ነይሩ።"
ኣብ መሬት ኢማራት ዝካየድ ንጥፈታት ምዝራእ ደበና ብሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (NCM) ዝበሃል ሓይሊ ዕማም መንግስቲ ዝካየድ እዩ።
ኢማራት ዓረብ ንኸምዚ ዝበለ ዘይንቡር ዝናብ ዝተዳለወት ድያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብርቱዕ ዝናብ ናብ ኣዕናዊ ውሕጅን ዕልቕልቕን ከይቅየር ንምክልኻል ንሃንደበታዊ ብርቱዕ ኣይሂ ዝናብ ዝጻወር ድልዱል መከላኸሊ ምህናጽ የድሊ።
ዱባይ ብርግጽ ኣዝያ ዝኸተመት ሰፈር እያ። ነቲ ጠሊ ክመጺ ዝኽል ሓምላይ ቦታ ኸኣ ዳርጋ የለን። ትሕተ-ቅርጺ ስርዓተ-ጽርየት (ፋኛቱራት) ንከምዚ ዝኣመሰለ ልዑል መጠን ዝናብ ክጻወር ኣይከኣለን።
"ነዚ ሓድሽ ክውንነት [ዝያዳ ተደጋጋምን ሓያልን ዝናብ] ኣብ ግምት ዘእተወ ስትራተጂታትን ሜላታትን ክህልዉ ኣለዎም" ይብል ፕሮፌሰር ፍራንሲስ።
"ንኣብነት፡ ትሕተ ቅርጺ ጽርግያታትን መሳለጥያታትን ምስቲ ኵነታት ዝኸይድ ክኸውን ኣለዎ፡ ናይ ኣየት ዝናብ ብምዕቋር ኣብ መወዳእታ ዓመት ንምጥቃምን ዘኽእል ከዘንቲ ማይ ምህናጽ ከድሊ'ዩ።"
ኣብ ጥሪ፡ ብዓልመዚ መንገድን መጓዓዝያን ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ዱባይ ንዝፍጠር ውሕጅ ንምክልኻል ዝሕግዝ ሓድሽ ኣሃዱ ኣካል መስሪቱ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







