እንታይ ዓይነት ሽታ ሰብነትና'ዩ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናና ምልክት ዝህብ?

እንታይ ዓይነት ሽታ ሰብነት፡ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕናና ምልክት ይህብ?

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/BBC/Getty Images

ካብ ሰብነትና፡ ብመገዲ መንፊት ቈርበት ገጽናን ኣፍናን ብርቱዕ ኬሚካላት እዩ ዝወጽእ፤ ገሊኦም ክንሓምም ከም እንኽእል ዝሕብሩ ምልክት እዮም - እዚኦም ድማ ኣቐዲምካ ሕማማት ንምፍላጥ ክውዕሉ ይኽእሉ። ካብዚኦም ሓደ ሕማም ፓርኪንሰን እዩ።

ሰብነትና፡ መዓልታዊ ዝተፈላለየ ሽታታት'ዩ ዝፍኑ፤ ሓድሽ ጨና ምስ ዝኸዉን ግን፡ ኣብ ኣካላትና ገለ ነገር ከም ዝተቐየረ ወይ ከም ዘይጥዓየ ከመልክት ይኽእል።

ተመራመርቲ፡ ካብ ሕማም ፓርኪንሰንን መጕዳእቲ ሓንጐልን ክሳብ መንሽሮ ዝበጽሕ ኵነታት ንምፍላጥ ዝግበር መርመራ ከቀላጥፉ ዝኽእሉ ስርዓት ንምፍላጥ ዝሕግዙ ሜላታት ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚኦም ንምፍላይ ዘኽእል ወሳኒ ነገር ክኣ ኣብ ኣፍንጫና ተሓቢኡ ክኸውን ይኽእል እዩ።

"እቲ ምልክታት ርኡይን ብኣኽላባት ክፍለጥ ዝኽእል ክንሱ፡ ሰባት እናሞቱ፡ ንሕና ድማ መንሽሮ ፕሮስቴት ዘለዎም ንምፍላጥ መርፍእ ንወግኦም ምህላውና ኣይፈትዎን፡" ይብል መስራቲ ኩባኒያ RealNose.ai ኣንድሪያስ መርሺን።

እዚ ኩባኒያ፡ ኣብ ጨና ዝተመርኰሰ ሕማማት ንምፍላጥ ዝሕግዝ ሮቦት ኣፍንጫ ዘማዕብል ዘሎ እዩ።

ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት ብተዛማዲ ውሑዳት ሰባት ነዞም ኣብ መጀመርታ ደረጃታት ሓደ ሕማም ዝመጽኡ ባዮኬሚካላት ንምፍላጥ ዘኽእል ሓይሊ ዘለዎ ኣፍንጫ ስለ ዘሎ እዩ።

ብዙሓት ሰባት ክርድኦም ዝገብር ሓያል ባህሪ ሽታ ዘለዎም ገለ ሕማማት ኣለው።

ንኣብነት፡ ትንፋስ ወይ ቆርበት ናይቶም ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት፡ ሃንደበታዊ ምንካይ መጠን ሽኮር ከጋጥሞም እንከሎ፡ ብሰንኪ ኣብ ደም ዝፍጠር ምትእኽኻብ ፍረታት ዝመስል ሽታ ዘለዎም ኣሲዳዊ ኬሚካላት -ኬቶን ዝበሃሉ- ሽታ ፍረ ወይ "ዝበስበሰ ኣፕል" ክህልዎ ይኽእል።

እዚኦም፡ ሰብነትና ኣብ ክንዲ ግሉኮስ ስብሒ ምስ ዘፍሪ'ዮም ዝፍጠሩ።

ሕማም ጸላም ከብዲ ዘለዎም ሰባት ካብ ትንፋሶም ወይ ሽንቶም ዓሳው ወይ ዲን ዝመስል ጨና ክፍንዉ ይኽእሉ።

ትንፋስካ ድማ ሰርሳሪ ሽታ ወይ "ሽንቲ ዝመስል" ጨና እንተሃልይዎ፡ እዚ ምልክት ሕማም ኵሊት ክኸውን ይኽእል።

ገለ ተላባዕቲ ሕማማት እውን ባህርያዊ ጨናታት ይፍንዉ'ዮም።

ጥዑም ጨና ዘለዎ ሽንቲ ደገ፡ ምልክት ረኽሲ ሕማም ኮሌራ ወይ ድማ ልሙድ ጠንቂ ተምላስ ዝዀነ ክሎስትሪዲዮይድስ ዲፊሲል ባክተርያ ክኸውን ይኽእል እዩ - ዋላ እኳ ሓደ መጽናዕቲ ሓደ ጉጅለ ነርስታት ሆስፒታል ንሕሙማት ሰገራኦም ብምሽታት ብትኽክል ክምርምሩ ከም ዘይከኣሉ እንተረኸበ።

ሕማም ዓባይ ሰዓል፡ ድማ ትንፋስ ሓደ ሰብ ከም ዝበስበሰ ቢራ ረሳሕ ጨና ክህልዎን ቈርበቱ ድማ ከም ርጥብ ዝበለ ቡናዊ ካርቶንን ጨው ከም ዝጨኑን ክገብር ይኽእል።

ካልኦት ሕማማት ንምፍላጥ ግን ልዑል ተኽእሎ ምሽታት ዘለዎ ፍሉይ ዓይነት ኣፍንጫ የድሊ።

ንኣብነት ኣኽላባት ካብ ወዲ ሰብ ክሳብ 100 ሽሕ ዕጽፊ ዝሓየለ ናይ ምሽታት ዓቕሚ ከም ዘለዎም ይንገር።

ተመራመርቲ፡ ኣብ ሰባት ንዘሎ መንሽሮ ሳንቡእ፡ ጡብ፡ ማህጸን፡ ሽንቲ ምፍሳስን ፕሮስቴትን ንምሽታት ንኣኽልብቲ ኣሰልጢኖም እዮም።

ንኣብነት ኣብ ሓደ መጽናዕቲ መንሽሮ ፕሮስቴት፡ ኣኽላባት ኣብ ቅምሶ ሽንቲ ነቲ ሕማም ክረኽብዎ ክኢሎ፤ 99 ሚእታዊት'ዉን ዕዉት ውጽኢት ኣመዝጊቦም።

ኣኽላባት፡ ብምሽታት ጥራይ ብኣጋኡ ምልክታት ሕማም ፓርኪንሰን፡ ሕማም ሽኮር፡ ኤፕሊፕሲ ከምኡ'ዉን ዓሶ ንክፈልጡ ሰልጢኖም'ዮም።

ኵሎም ኣኽላባት ግን ሕማም ክፈልጡ ዘኽእል ክእለት የብሎምን፣ ነቶም ከምኡ ዝገብሩ እንስሳታት ንምስልጣን ድማ ግዜ ይወስድ።

ተመራመርቲ፡ ነቲ ዘደንቕ ናይ ከልቢ ናይ ምሽታት ዓቕሚ ክንደግሞ ንኽእል ኢና ይብሉ።

ጨና፡ ኣብ ኣፍንጫና ምስ ዝርከቡ ተቐበልቲ ጨና ኬሚካላት ክራኸብ እንከሎ ዝመጽእ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/BBC/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጨና፡ ኣብ ኣፍንጫና ምስ ዝርከቡ ተቐበልቲ ጨና ኬሚካላት ክራኸብ እንከሎ ዝመጽእ እዩ

ገለ ተመራመርቲ ካብ ሕሙማት ፓርኪንሰን ዝመጽእ 'ሴቡም' (ኣብ ቈርበት ዝፍጠር ቅብኣት ዘለዎ ንጥረ ነገር) ንምትንታን፡ ጋዝ ክሮማቶግራፊ-ማስ ስፔክትሮሜትሪ ይጥቀሙ።

ጋዝ ክሮማቶግራፊ ነቶም ውህደታት ይፈላልዮም፤ ማስ ስፔክትሮሜትሪ ድማ ይመዝኖም።

እዚ ድማ ልክዕ ባህሪ ናይቶም ኣብኡ ዘለዉ ሞለኪዩላት ክትፈልጥ የኽእለካ።

ኢንዱስትሪታት መግቢ፡ መስተን ሽቶን ነዚ ዓይነት ትንተና ጨና ብስሩዕ ይጥቀሙሉ'ዮም።

ካብቶም ኣብ ቈርበት ደቂ ሰባት ልሙድ ዝዀኑ ኣስታት 25 ሽሕ ውህደታት፡ ብግምት እቶም 3000 ኣብ ሕማም ፓርኪንሰን ዘለዎም ሰባት ዝተፈላለየ ምቁጽጻር ከም ዘለዎም ይገልጹ።

ብዙሓት ካብቶም ውህደታት ሽኮር ወይ ስብሒን ነዊሕ ሰንሰለት ዘለዎም ስብሒ ኣሲዳትን እዮም።

ንኣብነት፡ ሓደ መጽናዕቲ፡ ምስቲ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝመጽእ ጨና ዝተኣሳሰሩ ሰለስተ ሽኮር ዝመስሉ ሞለኪዩላት - ሂፑሪክ ኣሲድ፡ ኢኮሰንን ኦክታዴካናልን ዘተኰረ እዩ።

እዚ ትርጉም ኣለዎ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ዝተገበሩ መጽናዕትታት ዘይንቡር ምትሕልላፍ ሽኮር መለለዪ ሕማም ፓርኪንሰን ምዃኑ ይሕብሩ።

ሕማማት ግን ስለ ምንታይ ንጨና ኣካላትና ይጸልዉዎ?

እቲ ምኽንያት ካብ ብ'ቮላታይል ኦርጋኒክ ኮምባውንድስ' (VOCs) ዝፍለጡ ጕጅለ ሞለኪዩላት ዝምንጩ እዩ።

ኣካላትና ብህይወት ንኽጸንሕ፡ ንመግብን መስተን ብቐጻሊ ናብ ጸዓት ክቕይሮ ኣለዎ።

ነዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ማይቶኮንድርያ ዝተባህለ ዋህዮ ብዝፍጸም ተኸታታሊ ኬሚካላዊ ምላሽ እዩ ዝካየድ- እዚኦም እቶም ኣብ ዋህዮታትና ዝርከቡ ደቀቕቲ ኣቃውማታት ካብ መግቢ ዝመጽእ ሽኮር ናብ ኣካላትና ክጥቀመሉ ዝኽእል ጸዓት ዝቕይሩ'ዮም።

እዞም ኬሚካላዊ ርክባት ብሜታቦላይት ዝፍለጡ ሞለኪዩላት የፍርዩ፤ ገሊኦም ድማ ተቐያየርቲ እዮም።

እዚ ማለት፡ ብሙቐት ብቐሊሉ ክሃፉ ይኽእሉ - ስለዚ ድማ ኣፍንጫና ብቐሊሉ ከልዕሎም ይኽእል። ብድሕሪኡ እቶም ቮላታይል ኦርጋኒክ ውህደታት (VOCs) ካብ ኣካላትና ይወጽኡ።

"ብረኽሲ፡ ወይ ብሕማም፡ ወይ ብመጐዳእቲ ትሳቐ እንተዀንካ፡ ኣብ ምትሕልላፍ መግቢ ጽልዋ ክህሉ ምዃኑ ስነ-መጐታዊ'ዩ፡" ይብል ኣብ ፊላደልፍያ ኣብ ዝርከብ ትካል ምርምር ሞነል ኬሚካል ሴንሰስ ሴንተር ኬሚካል ኢኮሎጂስት ዝዀነ ብሩስ ኪምቦል።

"እቲ ኣብ ሜታቦሊዝም ዝመጽእ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣካላትኻ ኣብ ዝህሉ ምትሕልላፍ ሜታቦላይት ክረአ ይኽእል፡"።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሕማም ክህሉ እንከሎ ነቲ ዝፍጠር 'ቮላታይል ኦርጋኒክ ኮምባውንድስ' ክቕይሮ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ብቅጽበት ጨና ኣካላትና ክቕይሮ ይኽእል።

ኪምቦል፡ ምስ መሳርሕቱ ብምዃን፡ ኣብቶም ካብ ኣካላቶም ዝፍኖ 'ቮላታይል ኦርጋኒክ ኮምባውንድስ' ዝመጽእ ለውጢ መሰረት ብምግባር፡ ኣብቶም ኣብ ከም 'ሆኪ' ዝበሉ ዓይነታት ስፖርት ዝጻወቱ ህጻናት ዝበጽሕ መጕዳእቲ ሓንጐል ንምፍላጥ ዝሕግዝ ምርምር ይገብር ኣሎ።

ካብ ቀለልቲ ስዋብ ቆርበት ሕማማት ብኣግኡ ምፍላጥ፡ ንገለ ኩነታት ዝኸውን ሕክምናታት ክቕይር ይኽእል

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/BBC/Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካብ ቀለልቲ ስዋብ ቆርበት ሕማማት ብኣግኡ ምፍላጥ፡ ንገለ ኩነታት ዝኸውን ሕክምናታት ክቕይር ይኽእል
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2016፡ ኣብ ኣናጹ ዘጋጥም ስንባደ ዝፈጥር መጕዳእቲ ሓንጐል ፍሉይ ጨና ከም ዘስዕብን ካልኦት ኣናጹ ንኽሽትትዎ ምምልማል ከም ዝከኣልን ዝገልጽ መጽናዕቲ ኣሕቲሞም ነይሮም።

ኪምቦል ኣብ ቀረባ እዋን ከሕትሞ ዝኽእል ስራሕ ድማ፡ ድሕሪ መውቃዕቲ ኣብተን ቀዳሞት ሓያሎ ሰዓታት ኣብ ሽንቲ ደቂ ሰባት ፍሉያት ኬቶናት ከም ዝፍጠሩ ተዓዚቡ።

እቶም ጨናታት ድሕሪ ከምዚ ዓይነት መጕዳእቲ ዝልቐቕሉ ምኽንያት ንጹር ኣይኰነን፤ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ ግን ሓንጐል ንነብሱ ክጽግን ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ከም ጐድናዊ ውጽኢት፡ 'ቮላታይል ኦርጋኒክ ኮምባውንድስ' ይለቅቕ ዝብል እዩ።

"እዚ ንርእዮ ዘለና ክፍሊ ናይቶም ኬቶናት፡ ምናልባት ነቲ መጉዳእቲ ንምምካት፡ ወይ ድማ እንተወሓደ ንሕውየት ንምድጋፍ፡ ናብ ሓንጐል ዝያዳ ጸዓት ንምብጻሕ ምስ ምፍታን ገለ ርክብ ከም ዘለዎ ይሕብር፡" ይብል ኪምቦል።

ጨና ኣካላት፡ ሓደ ሰብ ዓሶ ከም ዘለዎ እውን ከቃልዕ ይኽእል እዩ።

ኣብ 2018 ተመራመርቲ፡ ብዓሶ ዝተለኽፉ ህጻናት ብቈርበቶም ኣቢሉ ብዝወጽእ ፍሉይ ጨና፡ ንጣንጡ ከም ዝስሕቡ ኣረጋጊጾም።

እቲ ጉጅለ ካብ 56 ህጻናት ምዕራባዊ ኬንያ ዝተወሰደ ቅምሶታት ብምጽናዕ፡ ናይ "ፍረታትን ሳዕርን" ዘለዎ ጨና፡ ዝነፍሩን ዝናኸሱን ሓሳዅ ክጻወሩዎ ከም ዘይኽእሉን ኣለልዩ።

ተወሳኺ ትንተና ናይዞም ቅምሶታት፡ ነቲ ፍሉይ ጨና ተሓተትቲ ዝዀኑ 'ኣልደሃይድስ' ዝበሃሉ ኬሚካላት - ብፍላይ ድማ ሄፕታናል፡ ኦክታናልን ኖናናልን - ከም ዘለዉ ተረጋጊጹ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ሓድሽ መርመራ ዓሶ ንምምዕባል ክውዕል ይኽእል እዩ።

ንሕጂ ግን እቶም ተመራመርቲ ነቲ ጨና ክደግሙን ንዕኡ ከም መሳርሒ ተጠቒሞም ነቶም ሓሳኹ ንምርሓቕ ክጥቀሙሉ ተስፋ ኣለዎም።

ከምኡ'ውን ኣብ ኤምኣይቲ ተመራማሪ ዝነበረ ሕጂ ኣብ ኵባኒያ 'RealNose.ai' ዝሰርሕ ዘሎ መርሺን፡ ንሱን ጕጅለኡን መንሽሮ ፕሮስቴት ከለልይ ዝኽእል ጨና ዝፈልጥ መሳርሒ ንምምዕባል ተስፋ ከም ዘለዎም ይዛረብ።

ብሰንኪ እዚ ሕማም፡ ካብ 44 ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ይመውት።