ገለ ሰባት ስለምንታይ ፍንፉን ነገር ደስ ይብለና?

ከም ፈጸጋ ምንታዕ፡ ንፋጥ ወይ ቀልቀል ዝኣመሰለ ምርኣይ ተምሳጥ ዝፈጥረሎም ሰባት ኣለዉ።
ግን እዚ ንብዙሓት ፉንፉን ዝዀነ ነገር ስለምንታይ ደስ ይብሎም?
ዶክተር ቫል ከርቲስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጽሬትን ትሮፒካዊ ሕክምናን ለንደን፡ ዳይረክተር ጕጅለ ጥዕና ከባቢ እያ።
ንሳ ንገዛእ-ርእሳ 'disgustologist' ወይ ክኢላ ክርሃት ወይ ምፍንፋን ኢላ'ያ ትጽውዕ።
እዛ ዶክተር ዕላማ ክርሃት ወይ ምፍንፋን ከምኡ'ውን ገለ ሰባት ስለምንታይ ክፈትውዎ ከም ዝኽእሉ ተብርህ።
መጠንቀቕታ፡ ብቐሊሉ ዕግርግር ዝብለኩም እንተዄንኩም፡ እዚ ጽሑፍ ንዓኹም ኣይከውንን።
ምፍንፋን ሰረታዊ'ዩ
ገለ መለግለግ ዝብል ነገር ክንርኢ ከለና ስለምንታይ ንፍንፍን?
እዚ ኣብ ሰረትና (ኣፈጣጥራና) ዘሎ እዩ ትብል ዶክተር ክርቲስ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ጥንታውያን ኣበዋት እንተ ዘይፍንፍኑ ነይሮም፡ ዘይግብኦም ነገራት ምበልዑ ወይ ምተንከፉ ነይሮም።
"ኵላትና ፍንፉንን ዘፍርሕን ነገራት ኣወጊድና ናብ ከም መግቢ ዝኣመሰሉ ጽቡቕ ነገራት ንምቕራብ ዝድርኹና ተፈጥሮኣዊ ነገራት ኣለና ብዝብል መንጽር እዚ ነገር ሰረታዊ'ዩ፡" ትብል።
እዚ ናይ ምፍንፋን ስምዒት ኣበው ኣብ ዝበስበሰ መግቢ፡ መርዛም ማይ፡ ጐሓፍን ዝሞቱ እንስሳታትን ካብ ዝርከቡ ጐዳእቲ ባክተርያ ውሑስ ክዀኑ ኣኽኢልዎም እዩ።
ስምዒት ክቱር ጽልኢ ዘለዎም ሰባት ጥዕናኦም ምሕላው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከም ዝያዳ ሰሓብቲ መጻምድቲ ተራእዮም እዮም፤ ነቶም 'ናይ ጽልኢ ሰረታት' ናብ ዘርኦም ከመሓላልፉ ክኢሎም።
ዶክተር ከርቲስ፡ "እቶም 'ጥዑይ ምፍንፋን' ዝስምዖም ሰባት፡ ዝያዳ ቈልዑ ክወልዱን ጽቡቕ ጽሬት ክትግብሩን ክኢሎም። እዚ ድማ ድሕነት ደቆም ዝሕልው እዩ፡" ትብል።
"እቶም ከምኡ ስምዒት ምፍንፋን ዘይህልዎም ግን በቃ ምሞቱ ነይሮም።"
ምልክታት
ሓደ ነገር ከም ዘይትፈትውዎ ወይ ከም እትጸልእዎ ብኸመይ ትፈልጡ?
"ጽልኢ ወይ ምፍንፋን ብፍላይ ከሕምሙና ንዝኽእሉ ነገራት ዝምልከት እዩ፡" ትብል ዶክተር ኸርቲስ።
"ንጣዕሚ ጠስሚ ዘይትፈትውዎ ትዀኑ፡ እንተዀነ ግን ናይ ግድን ከሕምመኩም እዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብቲ ጠስሚ ሓንቲ ድዱዕ ስለ ዝረኣኹም ፈንፊንኩም ክትኰኑ ትኽእሉ፡ ምኽንያቱ እታ ድዱዕ ካብ ሽቓቕ ዝመጽአትን ኣብ ኣእጋራ ረኽሲ ዘስዕቡ ባእታታት ዝተሰከመትን ክትከውን ትኽእል'ያ።"
ስነኣካላዊ ግብረ መልሲ እንተ ሂብኩም፡ ናይ ጽልኢ ወይ ናይ ምፍንፋን ስምዒት ከም ዝዀነ ክትፈልጡ ትኽእሉ ኢኹም።
ዶክተር ክርቲስ፡ ስምዒት ምፍንፋን ደረጃታት ኣለዎ ትብል።
ኣቓልቦ ምሃብ፡ ስራሕኹም ደው ኣቢልኩም ነቲ ነገር ከይቀረብኩም ብዝግባእ ርኢኹም ትምርምርዎ።
ምዕልባጥ ወይ ምርሃጽ፡ ከምዲ ኢድኩም ይትርክስ፡ ኣእዳውኩም ተልዕሉ፡ ነቲ ነገር ከይትትንክፍዎ ትርሕቑ ወይ ድማ ነቲ ቀዳማይ ደረጃ ሸለል እንተ ኢልኩሞ ድማ ነቲ ነገር ትገድፍዎ።
ገጽኩም ምቕያር፡ መልሓስኩም ተውጽኡ ወይ ኣፍኩም ጥርቅም ተብሉ - ንምናልባ መልሓስኩም ነቲ ነገር ካብ ኣፍኩም ደፊኡ ንደገ የውጽኦ ከም ዘሎ ተምስሉ። ሓንገገ ኣፍ ዓበሰ።
ምስግድጋድ፡ ብፍላይ ምስ መግቢ ዝተኣሳሰር ስምዒት ምፍንፋን እንተዀይኑ፡ ንኸይትውሕጥዎ ንምግታእ ከብድኹም ይሕቆን፡ ኣፍ ዓቢስኩም ስግድግድ ክትብሉ ትጅምሩ። እዚ ድማ ብኣጋጣሚ እንተ ዊሕጥኩሞ ንኸተምልሱ የዳልወኩም። እዚ እዩ ምስግድጋድ ማለት።
ሕጂ ምልክታት ስምዒት ምፍንፋን ፈሊጥኩም ኣለኹም፡ ዝተረፈ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ ከይፈንፈንኩም ንምንባብ ትኽእሉ እንተዄንኩም ቀጽሉ!
ምቍጽጻር ስምዒት ምፍንፋን
ስለዚ ገለ ሰባት ስለምንታይ ምፍንፋን ክስምዖም ወይ ስግድግድ ክብሎም ይደልዩ?
"ዘፍርሕ ነገር ምፍላጥ፡ ፍንፉን እንታይ ምዃኑ ምፍላጥ - ነገራት ምምሃር ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ፡" ትብል ዶክተር ክርቲስ።
"ኵላትና ንኽንፈልጥ ዕድላት ንደሊ ኢና።"
መባህረር ሕልምታት ምርኣይ ንዘፍርሕ ኵነታት ከም ዘዳልወና ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ኣሎ። መባህረር ሕልሚ፡ ምስ ነቓሕና ንናይ ምቅላስ ወይ ምህዳም ድሌታትና ይስሕሎ።
ፍንፉን ተርእዮታት ምድላይ እውን ምስዚ ተመሳሳሊ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
"ምስቲ ናይ ፍርሒ ግብረመልሲ ዝመሳሰል'ዩ። ንኣብነት፡ ሮለር ኮስተር ደስ ይብለና'ዩ፣ ምኽንያቱ ናይ ብሓቂ ሕማቕን ዘፍርሕን'ዩ። እንተዀነ፡ እንታይ ክንፈርሕ ከም ዘለና ይምህረና። ኵላትና ክንጻወት፡ ነገራት ድማ ብዘይ ስግኣት ክንፍትን ድሌት ኣለና።"

እዚ ምኽንያት'ዚ'ዩ ብረስኒ ዝተመልአ ስምዒት ዕግርግር ከም ዝፈጥረልና እናፈለጥና፡ ከምኡ ክንገብር እንደሊ።
ንኣብነት ሓደ ዝተኸደነ ታኒካ፡ ዘጽልእ ጨና ከም ዝህልዎ እናፈለጥና፡ ነቲ መኽደኒ ከፊትና ነጭንዎ።
ሓንጎልና ኣብ ሓደገኛ ዘይኰነ ኵነታት እንታይ ከም ዘጋጥም ክርኢ ይግደስ። 'ሓቀኛ' ኵነታት ንዘጋጥመሉ እዋን ድማ ሓበሬታ መዝጊቡ የቐመጥ።
"እንታይ ከም ዘጋጥም ንምርኣይ ንለማመድ ኣለና። ንኣሽቱ ቈልዑ ሽንቲ ተንኪፎም ኣጻብዕቶም ይልሕስዎ - እዚ ግን ዳግማይ ዝገብሮ ግን የሎን!" ትብል ዶክተር ከርቲስ።
ምፍንፋን ቀጭቀጭ ዘብል'ዩ
"ንዓቐብ እዩ ዝብለኒ!" ክበሃል ንሰምዕ ኢና። ምፍንፋን ክበሃል ከሎ፡ ብሂል ጥራይ ኣይኰነን።
"ጸጕርኹም ቍማል መሊኡ ኢልኩም እሞ ሕሰቡ፡" ትብል ዶክተር ከርቲስ። "ምሕኻኽ ትጅምሩ፡ ናይ ብሓቂ የሳሕየኩም። እዚ ካልእ ግብረ መልሲ ምፍንፋን'ዩ።"
እዚ ካልእ ኣብ ከባቢ ኤክቶፓራሳይትስ ዝተረፈ ፍልቀት ክኸውን ዝኽእል - ካብ ደገ ክነኽሱኻ ወይ ክዅዕቱኻ ዝኽእሉ ጽግዕተኛታት፡ ከም ቍማል፡ ቍንጪ ወይ ትዃን ዓራት።
"እቲ ካልእ ፈጸጋ ምንታዕ እንፈትወሉ ምኽንያት፡ ኣብ ፍልቀት ሕሉፍ ታሪኽና ንቖርበትና ዝፍሕሩ ብዙሓት ባልዓት ስለ ዝነበሩ እዩ። ስለዚ ፈጸጋ ምስ ዝህልወና ቍሩብ ጽግዕተኛ ወይ ባልዕ ዝረኸብና ይመስል - ተፈጥሮኣዊ ግብረ መልስና ድማ ኣንቲዕና ምእላይ ይኸውን።"
ሕጂኸ ቀጭቀጭ ኣይተሰማዓኩምን? እዚ፡ ፍንፉን ነገር ክንርኢ ወይ ክንሰምዕ ከለና ጽቡቕ ገይርና ክንሓክኽን ክነንትዕን እንደልየሉ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ሓንጎልና፡ ፈጸጋ ኣብ ነንትዓሉ እዋን ዶፓሚን ('ሓጎስ ዝፈጥር ኬሚካል') ከም ዝለቅቕ ተረጋጊጹ እዩ። ኣብ ልዕሊ'ዚ ድማ ካብ ኣካላዊ ስምዒት ጸቕጢ ፈውሲ ንረክብ።

ምፍንፋን ካብ መጠን ንላዕሊ ክስማዓና ክንገብር ንኽእል ዲና?
ፈጸጋ ምንታዕ ጽቡቕ ስምዒት ዝፈጥረልኩም'ኳ እንተዀነ፡ ከምኡ ክትገብሩ ኣለኩም ማለት ግን ኣይኰነን።
ባልዕ ዘይምዃኑ ኣዝዩ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክተንትዕዎ ዝድርኽ ምኽንያት የሎን።
ሓኪም ቆርበት እውን ግደፍዎ እዩ ክበለኩም። ባልዕ ወይ ጽግዕተኛ እንተዀይኑ ግን ናብ ሓፈሻዊ ሓኪም ክትከዱ ይግባእ።
ፈጸጋ ምንታዕ፡ ግዴታዊ ምሕኻኽ ቆርበት ወይ ልዕሊ ዓቐን ምጽብባቐ ዘስዕብ እንተዀይኑ፡ ጸገም ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ብውጥረት ጸጕሪ ምንጻይ ወይ ምምንጫት፡ ወይ ድማ ጭንቀት ክሳብ ዝፈጥር ንነብስና ምጽራይ ክኸውን ይኽእል።
ብፍላይ ካብ መጠን ንላዕሊ ቆርበት ምሕኻኽ ቀዋሚ በሰላ ከስዕበልና ወይ ምንታዕ ፈንጣጣ ወይ በዲዶ ዘስዓቦ ዝመስል ዓሚቝ ምልክት ትንኳዕ ንሓዋሩ ክገድፈልና ይኽእል'ዩ።
ኣዝዩ ልዑል ግብረ መልሲ ምፍንፋን ዘርእዩ ሰባት፡ ንመዓልታዊ ህይወቶም ዝጸሉ ጸገማት ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ጸገማት ጽሬት ከማዕብሉ ይኽእሉ። ወይ ድማ ምትንኻፍን ምስ ካልኦት ሰባት ምቅርራብን ክጸልኡ፡ ወይ ድማ ፍርሒ ሕማም (ኣጎራፎብያ) ከሕድሩ ተኽእሎ ኣሎ።
ንዘፈንፍን ነገር ኣዝዩ ትሑት ግብረመልሲ ምሃብ እውን ጸገም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣዝዩ ትሑት ግብረመልሲ ምፍንፋን ዘርእዩ ሰባት፡ ንጽሬት ዘይብሉ ኵነታት ክለምዱ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ንጥዕና ሓደጋ ዝኸውንን ንጐዳእቲ ረኽሲ ዘቃልዕን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንማሕበራዊ ህይወት'ውን ዝጸሉ እዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







