'ድርዘት ሓንጎል' - ብዘሰልክይ ነገር ባህታ ዝስምዖም ሰባት

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ሽጎማኖ ከመይ ከምዝዕጸፍ ወይ መንቀጽ ጸጉሪ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ዘርኢ ኣዝዩ ነዊሕን ዘሰልክይ ፊልም ምርኣይ ትፈትዉ'ዶ?
ሕራይ ኣይትፈትዉን። ዝፈትዉ ሰባት ከምዘለዉ'ኸ ትፈልጡ'ዶ?
እወ፡ ዘሰልክይ ነገር ዘሐጉሶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣለዉ።
እዚ ክሳብ 2010 ብወግዒ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦ ኵነታት እዩ።
'ኣውቶኖመስ ሰንሰሪ ሜሪድያን ሪስፖንስ' (Autonomous Sensory Meridian Response - ASMR) ይበሃል። ግብረ መልሲ ርእሰ-ምምሕዳራዊ ህዋሳዊ እዋነ ዝኽረት ክንብሎ ንኽእል።
ኤኤስኤምኣር ጸላዕላዕ ዝብል ስምዒት ከም ማለት እዩ።
ብተለምዶ ካብ ቆርበት ርእሲ ጀሚሩ ናብ ክሳድን ዓንዲ ሕቖን ንታሕቲ ዝወርድን ብምዝንጋዕን ድሕነትን ዝተሰነየ ስምዒት እዩ። መበገሲኡ ድማ ከም ልስሉስ ድምጺ፡ ሕሹኽታ፡ ልኡም ምትንኻፍ ወይ ገለ ተርእዮታት ክኸውን ይኽእል።
መብዛሕትኡ ግዜ "ድርዘት ሓንጎል" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ሓደ ካብቶም እዚ ኵነታት ከምዘለዎም ዝገልጹ ሰባት እንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ሮድሪ ማርስደን እዩ።
ሮድሪ ማርስደን፡ ኣብ ዩቱብ ኮነ ኢሉ ኣሰልቻዊ ቪድዮታት ብምዕዛብ ይምስጥ ነይሩ። እዞም ቪድዮታት ሽጎማኖ ብኸመይ ከምዝዕጸፍ ወይ መንቀጽ ጸጉሪ ብኸመይ ከምዝሰርሕ ዘርእዩ እዮም።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዚኦም ዝበሉ ቪድዮታት ባህ ዘብል ስምዒታት ከምዘፈጥረሎም ይዛረቡ።
ብሓቂ ብኣሰልቻዊ ቪድዮ ባህታ ዝረኽቡ ሰባት ኣለዉ'ዶ?
ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ቶም ስታፎርድ፡ "ብርግጽ ኣለዉ" ይብል።
ሰባት ባህታ ተሰሚዑኒ እንተይሎም፡ ብገለ መልክዕ ወይ ብኻልእ ናይ ብሓቂ ወይ ክውን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሕቶ ግን እንታይ ዓይነት ክውንነት እዩ ዝብል ይኸውን።
"ኩሎም እቶም ሰባት ተመሳሳሊ ነገር ድዩ ዘጋጥሞም ዘሎ? ዘማዕበልዎ ነገር ድዩ ወይስ ምስኦም ዝተወልደ ባህሪ? ክሳብ ክንደይ ልሙድ እዩ? ከም መጠን ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ነዞም ሕቶታት ክንሓትት ኣለና" ይብል ቶም።
ድርዘት ሓንጎል ገና ኣብ ቀረባ እዋን እዩ ኣቓልቦ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ዝረክብ ዘሎ።
ካብ ቀደም ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ እቲ ተመክሮ ኣጋጢምዎ፡ ተሓጒሱሉ ወይ ሸለል ኢሉዎ ከምኡ'ውን ብውሽጡ ዓቒብዎ ክኸውን ይኽእል።
ክሳብ 2010 ግን መጸውዒ ስም ስለዘይተወሃቦ፡ መብዛሕትኦም እዚ ስምዒት ዝነበሮም ሰባት ብዛዕባኡ ከምዘይተዛረቡ ይግመት።
ክሳብ'ቲ እዋን እቲ ስም ከይተወሃቦ ምጽንሑ ዘገርም እዩ። ብመንጽር ሳይንስ ግን ኣይነበረን እዩ ዝበሃል።
ደሓር ግን መበል 21 ክፍለ ዘመን መጸ። ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ ድማ ዋላ ካብ ሚልዮን ሓደ እንተኾንኩም ዕድመ ንኢንተርነት ከማኹም ዝበሉ ኣሽሓት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ መርበባት ሓበሬታ፡ መድረኻት ዘተ፡ ዋላ ገጽ ዊኪፒዲያ ከይተረፈ ብዛዕባ'ዚ ኵነታት መግለጺ ምርካብ ቀሊል እዩ።
ስም እውን ተዋሂብዎ ኣሎ። ብሓቂ ብዙሓት ኣስማት ኣለዎ። ገለ ካብዚኦም "ኣተንሽን ኢንድዩስድ ዩፎርያ"፡ "ብሬንጋዝም"፡ "ድርዘት ሓንጎል" ወይ "ዘይተሰመየ ስምዒት" ዝብሉ ኰይኖም ኩሎም ግን ክንዲ 'ኣውቶኖመስ ሰንሰሪ ሜሪድያን ሪስፖንስ' ዝኣክል ተቐባልነት ኣይረኸቡን።
'ድርዘት ሓንጎል' እንታይ እዩ?
ድርዘት ሓንጎል ከም ድምጽታት፡ ርእየታት፡ ወይ'ውን ምትንካፍ ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ድፍኢታት ዘስዕብዎ ስምዒት እዩ።
ድርዘት ሓንጎል ዘጋጥሞም ሰባት፡ ካብ ርእሲ ጀሚሩ ናብ ድሕሪ ክሳድ ንታሕቲ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናብ ዝተረፈ ክፋል ኣካላት ዝውሕዝ ጸላዕላዕታ ከምዝተሰምዖም ይዛረቡ።
ካልኦት ሰባት ድማ ካብ ቆርበት ርእሲ ጀሚሩ ንታሕቲ እናወረደ ኣካላቶም ዘጽርይ ህዱእ ስምዒት ከምዝዀነ ይገልጽዎ።

መንቀሊ ድርዘት ሓንጎል
መብዛሕትኡ ግዜ መንቀሊታት ድርዘት ሓንጎል ኣብ ሓሙሽተ ይምደቡ።
ምርኣይ፡ ምትንኻፍ፡ ተደጋጋሚ ድምጽታት፡ ምምሳልን ድምጺ ኣፍን እዮም። ግን ብኻልእ መገዲ እውን ከጋጥም ከምዝኽእል ይንገር።
ብተወሳኺ መንቀሊኡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተፈላለየ'ዩ።
እቶም ልሙዳት መንቀሊታት ግን እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
- ሕሹኽታ ወይ ልኡም ዘረባ
- ምትንካፍ፡
- ምሕኻኽ
- ቀስ ዝበለ ምንቅስቓስ ኢድ
- ተደጋጋሚ ዕማማት
- ናይ ቀረባ ውልቃዊ ኣቓልቦ
- ጸጉሪ ምስንታር ወይ ብሩሽ
- ሽጎማኖ ምዕጻፍ
- መጽሔ/መጽሓፍ ምግላጽ
- ዝናብ
- ከም ቅራፍ ቆጽሊ ዝኣመሰሉ ዝፈጥርዎ ቅጥን ዝበሉ ድምጽታት
ረብሓ ድርዘት ሓንጎል
ድርዘት ሓንጎል ብሓቂ እንታይ ረብሓ ኣለዎ? ንምድቃስ ክሕግዝ ይኽእል'ዶ?
ሓቀኛ ፍወሳዊ ባህርያት ኣለዎ ድዩ? ኣብ ገለ ኵነታት ጥዕና ኣእምሮ ከም ሓደ ዓይነት ሕክምና ክጠቅም ይኽእል ድዩ?
እዞም ሕቶታት ንምምላስ ብዛዕባ እዚ ኵነታት ኣዝዩ ዝያዳ መጽናዕቲ ይሓትት።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤሰክስ መምህር ስነ-ልቦና ዝዀነት ዶክተር ጁልያ ፖኤሪዮ፡ "ምስ ስምዒታት ገለ ዓይነት ህድኣትን ምዝንናይን'ውን ዝተኣሳሰር'ዩ" እዩ ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሸፊልድ እናሰርሐት ከላ ዘካየደቶ መጽናዕቲ፡ ናይ ህድኣት ስምዒት ከምዘስዕብ ዘመልክት ከምዝዀነ ድማ ትጠቅስ።
ብዝዀነ ግን፡ ተመራመርቲ ብዛዕባ ድርዘት ሓንጎል ዘካይድዎ መጽናዕቲ ገና ኣብ ቀረባ እዋን'ዩ ተጀሚሩ።
ሕጂ'ውን ብዛዕብኡ ብዙሕ ዘይፈልጥዎ ነገር ኣሎ።
ገለ ክኢላታት ድማ ድርዘት ሓንጎል ከም ጭንቀት፡ ቅዛነትን ስእነት ድቃስን ዝኣመሰሉ ኵነታት ንዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ መስርሕ ክኸውን ዝኽእል እንተዀይኑ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከቡ።
ብዛዕባ'ዚ ኵነታት ዝግደሱን ብዛዕባኡ ተወሳኺ ፍልጠት ክረኽቡን ዝደልዩ ቁጽሪ ሰባት ብቐጻሊ ይውስኽ ኣሎ።
ሓደ ንኹላትና ዘመሳስለና ነገር እንተሃልዩ፡ ውሽጣዊ ተመኩሮና ብኻልኦት ሰባት ኣፍልጦ ክረክብን ብፍላይ ድማ ብሳይንስ ከረጋግጽን ድሌት ኣለና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







