ብዛዕባ ኣእምሮና 10 ዘደንጽዉ ሓቅታት

ኣእምሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስነፍልጠት ትጽቢት ዘይተገብረሎም ምዕባለታት እና'መዝገበ ጸኒሑ'ዩ።

ምድሪ ኣሽንኳይዶ ማእከል ዩኒቨርስ፡ ማእከል ስርዓተ-ጸሓይ ከም ዘይኰነት ካብ ዝረጋገጽ ኣማዒት ዓመታት ተቘጺሩ።

ከምኡውን ደቂ-ሰብ ካብ ሓደ ዋህዮ ዘለዎ ህይወታውያን እዮም ተፈጢሮም።

ብዛዕባ ኣእምሮናኸ እንታይ ምዕባለታት ኣሎ?

ኣብዚ ንብዙሓት ካባና ዘሰንብድ ነገር ከም ዘይህሉ ተስፋ ንገብር። ወይለይ፡ ብዛዕባ ኣእምሮና ካባና ንላዕሊ መን ክፈልጥ ይኽእል?

ይዅን'ምበር፡ ብዙሕ ካብቲ ብዛዕባ ኣእምሮና እንፈልጦ ዝመስለና ነገር ጌጋ ምዃኑ እዩ ዝረጋገጽ ዘሎ።

ስነ-ኣእምሮ ግን ልክዕ ከም ፊዚክስን ስነህይወትን ዝገርምን ኣንጻር ትጽቢታትን ኰይኑ ይርከብ።

ኣእምሮ ዘደንጽዉ 10 ኣብነታት እነሆ. . .

1. ዓቢይ ምትላል

እቲ 12 ነጥብታት ምትላል (The 12 dots illusion) ብጃክ ኒኒዮ

ምንጪ ስእሊ, Jacques Ninio

መግለጺ ስእሊ, እቲ 12 ነጥብታት ምትላል (The 12 dots illusion) ብጃክ ኒኒዮ

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ከባቢኦም ንዘሎ ነገር ኵሉ ብዝርዝርን ምስ ኵሉ ሕብሩን ከም ኣብ ሓደ ስእላዊ "ርእየት" ኢና ንርእይ ዝብል ጦብላሕታ ኣለዎም።

ብሓቂ ግን ኣዕይንቲ፡ ሓንቲ ንእሽቶ ብግምት ክልተ ደረጃ (ዲግሪ) ብዝዀነት መስኮት ጥራሕ እየን ዝጥምታ።

ብተወሳኺ፡ ዝኽሪ ናይ ምርኣይ ተመኵሮና ኣዝዩ ንጹር ኣይኰነን።

ነዛ ብጃክ ኒኒዮ ዝተዳለወት ድንቂ '12 ነጥብታት' ዘርእስታ ምትላል ተመልከቱ'ሞ፡ ድሩትነት ኣዕይንትኹም ክትፈልጡ ኢኹም!

ብዙሓት ሰባት ኣብዛ ስእሊ ንዘለዋ ኵለን 12 ነጥብታት ኣብ ሓደ እዋን ክርእይወን ኣይኽእሉን።

ስለምንታይ?

ዓይኒ ብፍልይይ ዝተሰርዐ ቅዲ (እልመት) ምስ ረኣየት እዩ ሓንጎል ብትኽክል ክርዳእ ዝኽእል።

ኒኒዮ "እቶም ኣብ ስንጥቕ ዝበለ ሽቦ ዝርከቡ ጻዕዳ ሰተታታት (ዲስክታት) ብዓቐን ክቕንሱን ብጸሊም ድማ ክዝርዘሩን ከለዉ፡ ክጠፍኡ ይኽእሉ። ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ኣብቲ ገጽ ብዘይ ስርዓት ዝንቀሳቐሳ ውሑዳት ካብኣተን ጥራሕ እዩ ዝርኢ፡" ይብል።

2. ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሕብሪ ጥራሕ ኢና ክንርኢ እንኽእል

ርባባት

ብኽኢላ ተገንዝቦኣዊ ስነልቦና ሊክያንግ ሁዋንን ሃል ፓሽለርን ዝተሰርሐ ዘገርም ስራሕ፡ ሓደ ሕብሪ ዘለዎም ነገራት ከመይ ገይርና ብሓባር ክንጥርንፎም ከም እንኽእል ዘርኢ እዩ።

እቲ ብዅሉ ቀይሕ ዝዀነ ነገር ዝተሰርሐ ቅርጺ ምስ እንርኢ ግና፡ ነቲ ዝተረፈ ቅርጺ ከም "ብዙሓት እተፈላለየ ሕብሪ" ጥራሕ ኢና ክንርእዮ እንኽእል።

እዞም ክልተ ሕብራዊ ርባባት ሓደ ድዮም?

እዚ ንምፍላጥ እቲ ዝሓሸ መንገዲ ንቐይሕ፡ ሰማያዊ፡ ቀጠልያን ብጫን በብሓደ ምፍታሽ ጥራሕ እዩ።

3. ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ነገር፡ ገጽ፡ ወይ ቃል ጥራይ ኢና ክንርእይ እንኽእል

ቅርጽታት

ካብዚ ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ጽሑፍ ብሓደ ግዜ ክንደይ ዝኣኽሉ ቃላት ክትርእዩ ትኽእሉ?

ብግምት ብዓሰርተታት ወይ ምናልባት እውን ብዕስራታት ዝቝጸሩ ቃላት ትርእዩ ዘለኹም ኰይኑ ክስምዓኩም ይኽእል።

ይዅን'ምበር፡ ኣዕይንትኹም ክትከታተሉ እንተ ክኢልኩም፡ ኣብቲ ትጥምትዎ ቦታ ጥራሕ ብድምር ኣስታት 15 ፊደላት ጥራሕ ኢኹም እትርእዩ።

4. ብሓደ ግዜ ብዙሕ ዕማማት ምፍጻም ጽውጽዋይ እዩ

ነፍሲ-ወከፍ ካብቶም ሓንጎልና ዝቘሙ መርበባት ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ነገር ጥራሕ እዩ ክገብር ዝኽእል።

ዝተሓላለኹ ዕማማት ድማ ኣዝዮም ብዙሓት መርበባት ዘጠቓልሉ እዮም። ስለዚ፡ ክልተ ዕማማት ዳርጋ ኵሉ ግዜ ሓደ ዓይነት መርበባት ክጠልቡ ይኽእሉ።

ስለዚ፡ ሓደ ዕማም ክንፍጽም እንከለና፡ እቶም ካልኦት ኵሎም ይዕገቱ።

ብዘይካ ውሑዳት ሰባት፡ መብዛሕትና ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ነገር ጥራሕ ክንፍጽም ከም እንኽእል ድማ ተረጋጊጹ ኣሎ።

ብዙሕ ዕማማት ንፍጽም ኣለና ኢልና ክንሓስብ ከለና፡ ብሓቂ ካብ ዕማም ናብ ዕማም ኢና ንዘልል ዘለና።

ንኣብነት፡ ሞባይል እናተንከፍካ መኪና ምዝዋር ኣጸጋሚ ዝዀነሉ ምኽንያት እዚ እዩ።

5. ምናባዊ ዘይክውን ነብሪ

ነብሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መብዛሕትና ኣጸቢቕና ብዝርዝር፡ ምናልባት'ውን ክውንነታዊ ዝዀነ ምስልታት ናይ መዓልታዊ ኣቑሑት ዘለና ይመስለና።

ምናልባት'ውን ምሉእ ትርኢታት ብፍላይ ናይ ሕልምና ክንስእል ከም እንኽእል ይስምዓና።

እዚ ግን ካልእ ዓይነት ዓቢይ ምትላል እዩ፣ ኣእምሮኣዊ ምስልታትና፡ ዋላ'ኳ ህያው መሲሉ እንተ ተረኣየና ብዘገርም መልክዑ ስእላዊ፡ ዝተሓዋወሰን ዘይቃዶን እዩ።

ኣብ ኣካላት ነብሪ ዝርከቡ መስመራት ብኸመይ ከም ዝተሰመሩ ሕሰቡ። ኣካልን ኣእጋርን እቲ ነብሪ ኣብ ዝራኸብሉ ቦታ እንታይ ዝኸውን ይመስለኩም?

ህያው ኣእምሮኣዊ ምስልታት፡ ብተገራጫዊ መንገዲ፡ ብዓቢይኡ ምናባዊ እዩ።

6. መወዳእታ ዝተሓላለኸ ተዋስኦ

ስምዒታት

ዳይረክተር ፊልም ሶቭየት ሌቭ ኩለሾቭ፡ ኣዝዩ ዘይንጹር ኵነታት ሓደ ገጽ፡ ከከምቲ ምስ ኣብ ከባቢኡ ዝተዛመደ፡ ዝተፈላለየ ስምዒታት ከመልክት ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ።

እዚ ማለት ዓውዲ ናይቲ ኵነታት ወሳኒ እዩ!

ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ዝረቐቐ ምውሳእ ፈጺሙ ምውሳእ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ሓንጎልና ነቲ ስምዒት 'ዘይክርዳእ'ን ኣብቲ ዝጸንሐ ትርጕም ገጽ ክጸንዕን ይኽእል እዩ ማለት እዩ።

7. ዘይርጉጻት ተርጐምቲ ስምዒታትና

ፍርሒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ኣብ ውሽጥና" ንዘሎ ናይ ገዛእ ርእስና ስምዒታት እንህቦ ትርጕም፡ ልክዕ ከምቲ ንገጽ ካልኦት ሰባት እንህቦ ትርጕም፡ ድኹምን ኣብ ዓውዲ ዝድረኽን'ዩ።

ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ዝበረኸ ድልድል ክሰግራ እንከለዋ ምስ ዝረኽብወን ዝያዳ ሰሓብቲ ኰይነን ይረኣይኦም ይብል ኤክስን ዋይን ብዝብል ዝጽዋዕ መጽናዕቲ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ዝበረኸ ድልድል ዝፈጥሮ ፍርሒ፡ ኣብ ውሽጥና ኣድሪናሊን ንኽውስኽ ስለ ዝገብር እዩ። ይዅን'ምበር፡ ኣእምሮና ነዚ ብጌጋ ከም ምልክት ስሕበት ገይሩ ይርድኦ።

8. ውነ-ኣልቦ ሓሳብ፡ ምትላል እዩ

ኣብ መንጎ ብዙሓት ዝፍለጥ ዝተመሳቐሉ ቃላት ቢቢሲ ፎከስ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጎ ብዙሓት ዝፍለጥ ዝተመሳቐሉ ቃላት ቢቢሲ ፎከስ

ከም ዝተመሳቐሉ ቃላት (crossword) ዝኣመሰሉ ጸገማት ንጐድኒ ክንገድፎም ከለና፡ ሓንጎልና ግን ብድሕሪት ክፈትሖም ከም ዝኽእል ንሓስብ።

ሓንጎል ግን ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ነገር ጥራሕ'ዩ ክፍጽም ዝኽእል። እዚ ማለት ድማ ውነ-ኣልቦ ሕልና ምስቲ ንቑሕ ሕልና ማዕረ ክነጥፍ ኣይኽእልን።

ክንፈትሖ ምስ ዘይንኽእል፡ ነቲ ጸወታ ደው ምባል ግን ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ደው ዘበለና ኵነታት ረሲዕና ዳግማይ ክንጅምር እንከለና፡ ነቲ ጸወታ ናይ ምፍታሕ ዕድል ክንረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ሓድሓደ ግዜ ዕድል ወይ ኣገዳሲ ሓሳብ ዘኪርና ፍንጪ ክንረክብ ንኽእል ንኸውን።

9. ድሌትና ዘይምፍላጥ

ኣእምሮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድራኸናን ምርጫናን ካብ ውሽጥና ጽቡቕ ገይሩ ዝምዕብል ክመስለና ይኽእል እዩ። እቲ ክውንነት ግን ብኣንጻሩ እዩ።

ቀጻሊ ዋሕዚ ምኽንያታትን መግለጺታትን ካብ ተግባራትናን ምርጫታትናን ቀዲሙ ዘይኰነስ ስዒቡ'ዩ ዝመጽእ።

ንፍቀ ክቢ ሓንጎሎም ዘራኽብ ጥማር ጽሕጊ ብመብጣሕቲ ዝተኣልየ ተሓከምቲ፡ ዋላ'ኳ ጸጋማይ ሓንጎል ካብ የማናይ ሸነኽ ሓንጎል ምስጢራዊ ውጥን ክፈልጥ እንተ ዘይከኣለ፡ ኣብ ጸጋማይ ፍርቂ ሓንጎሎም ዝርከቡ ማእከላት ቋንቋ ብምጥቃም ብኽልቲኡ ወገን ሓንጎል ንዝቈጻጸሩ ተግባራት ማዕረ ማዕሪኡ ስሉጥን ኣእማኒን ድምጺ ዘለዎ መግለጺታት ይህቡ'ዮም።

10. ምትላል ዕምቈት መግለጺ

ፍሪጅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊዮኒድ ሮዘንብሊትን ፍራንክ ኬልን ዝተበሃሉ ስነ-ኣእምሮኣውያን፡ ኣብ መንጎ እታ ኣብ ከባቢና ንዘላ ዓለም ንርድኣሉ ስምዒትን ብኸመይ ከም እትነጥፍን ከምኡ'ውን እቲ እንህቦ ክፍተት ዘለዎ፡ ዝተደናገረን ፍጹም ተጋራጫዊ መግለጺታትን ዘሎ ሰፊሕ ሃጓፍ ኣቃሊዖም ኣለዉ።

ብመሰረት'ዚ፡ ሰባት ካብቲ እንሓስቦ ኣዝዩ ዝወሓደ ኢና እንፈልጥን እንርዳእን!

ፍሪጅ ብኸመይ ከም ዝሰርሕ ወይ ኣብ ገዛና ዘሎ ሓይሊ ኤለክትሪክ ብኸመይ ከም ዝውሕዝ እንተ ተሓቲትና፡ ክኢላታት እንተ ዘይኴንና ዳርጋ ኵላትና ብኡንብኡ ንደናገር ኢና። እቲ እንፈልጦ እውን ከይተረፈ መብዛሕትኡ ግዜ ፍጹም ምስጢራዊ እዩ። ኣብ ናይ ገዛእ ኣእምሮና ዘሎና ርድኢት እውን ምስዚ ተመሳሳሊ እዩ።