ኣብ ፍቕራዊ ህይወትኩም፡ ትጭነቑ፣ ትስንብዱ ዶ ወይስ ቅሱናት ኢኹም?

ፍቝራት ኣብ ደስ ዝብል ናይ ሻሂ ሰዓት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ሰባት፡ ክንፍቀር ከነፍቅር ወይ ምስ ዘፍቀርናዮ ሰብ 'ዘልኣለማዊ' ህይወት ክንነብር ንምነ፤ 'ንከይፍለያ/ ዮ ቃል ይዅነኒ' ኢልና'ዉን ኪዳን ንኣቱ።

ብተመሳሳሊ፡ ምስ ሰባት ፍቕራዊ ዝምድና ምስ ጀመርና፡ "ገዲፎምኒ ዶ ክኸዱ ይዀኑ? ክንድ'ቲ ኣነ ዘፍቅሮ የፍቅረኖ[ተፍቅረኒዶ] ዶ?" ኢልና'ዉን ንጭነቕ።

እዚ ካበይ ዝነቐለ'ዩ ?

መስመር

ጓል 23 ዓመት ሶፊያ ጃንኮቪች፡ ኣፍቃሪኣ ክገድፈኒ'ዩ ዝብል ስግኣት ኣለዋ።

ኣዕሩኽታ'ዉን ሕጂ'ውን ይፈትዉኒ፡ ምሳይ ኣለዉ ድዮም ዝብል ንምርግጋጽ መልእኽቲ ምስ ሰደደትሎም ክሳብ ዝምልሱላ ክትጽበ ትዕግስቲ የብላን።

እኳ ድኣ ብቐጻሊ መልእኽቲ ትሰደሎም ወይ'ዉን ስምዒቶም ንምዕቃን ቴሌፎን ትድዉለሎም።

"ብልክዕ ኣይኰንኵን ዝሓስብ ነይረ፡ በቃ 'ክገድፉኒ'ዮም' ዝብል ስግኣት ኣለኒ፡" ትብል።

ሶፊያ ምስ ሰባት ዘለዋ ርክብ ወይ ዝምድና፡ ርቡጽ ወይ ጭኑቕ [anxious attachment] ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ዓይነት ምትእስሳር እዩ ዝግለጽ።

እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት፡ ምስ ካልኦት ቅርበት ክህልዎም እኳ እንተብሃጕ፡ "ሓዲጐምኒ ከይኸዱ" ወይ'ዉን "ከይገድፉኒ" ዝብል ፍርሒ ዘለዎም'ዮም።

ክኢላ ስነ-ልቦና ጀሌና ሳሪክ፡ ብቐንዱ ርክባት ፍቕሪ ወይ ዝምድናታት፡ መጀመርታ ምስ ወለድናን ኣለይትናን ብዝጸንሐና ርክብ ዝጽሎ ኰይኑ፡ ምስ ዓበና ንስምዒታዊ ቅርበትን ፍቕርን ብኸመይ ከም እንቕበልን እንርድኦን ዝዉስን ረቛሒ ከም ዝኸዉን ትገልጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ክኢላታት ዝተሰማምዑሎም ኣርባዕተ ቀንዲ ዓይነት ምትእስሳር ኣለዉ፡ እዚኦም፣

  • ውሑስ- Secure
  • ሃዳሚ - avoidant
  • ጭኑቕ- anxious ከምኡ'ዉን
  • ዘይህዱእ - disorganised እዮም።

ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝነበረት ብሪጣኒያ፡ ክኢላታት ስነ-ልቦና ጆን ቦውልቢን ሜሪ ኣይንስዎርዝን፡ ነዞም ኣምራት እዚኦም ሒዞም ተቐልቂሎም።

እዚ ክልስ-ሓሳብ እዚ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት፡ ህጻናት ካብ ኣዴታቶም ንሓጺር እዋን ምስ ተፈለዩ ዝህቡዎ ግብረ መልሲ ንምዕዛብ ዝተኻየደ ፈተነ ዝመጽአ እዩ።

እቲ ግብረ-መልሲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ እዩ። ገለ ቈልዑ ይበኽዩ፤ ገለ ዘፀናንዖም ይደልዩ፤ ውሑዳት ድማ ውሑድ ምላሽ ብምርኣይ ዝተፈላለየ ናይ ምትእስሳር ባህርያት ከም ዘሎ ክፍለጥ ገይሮም።

ሎሚ እዚ ክልሰ-ሓሳብ ኣብ ከም በዓል ቲክቶክን ኢንስታግራምን ዝኣመሰሉ መድረኻት ልዑል ትዅረት ረኺቡ ንዕዘቦ።

ብዙሓት ድማ እቲ ኣለኒ ዝብሉዎ ዓይነት ርክባት ምስ ውልቃዊ ተመኩሮታቶም ብምዝማድ ሓሳብን ርኢይቶን የካፍሉ።

ናይ ገዛእ ርእስዅም ዓይነት ምድናታት ንክትድህስሱ ዝሕግዝ ናይ ኦንላይን ፈተናታት ስነ-ልቦና እውን ኣለዉ።

ንሕና ካኣ እቶም ዝተፈላለዩ ዓይነታት ርክብ እንታይ ይመስሉ ዝብል ኣዋዲድናልኵም ኣለና። ካብዚ፡ ናትኵም ኣየናይ ምዃኑ ከተለልዩ ትኽሉ'ዶ?

መስመር

ጭኑቕ

ንፍቕረኛኡ ዝሓቘፈ ወዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሶፊያ፡ "ሰባት ከዛርቦም እንከለዅ፡ ኣብ ገጾም ዘሎ ኵነታት ይዕዘብን እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ከም ዝጽበዩ እሓስብን፡" ትብል።

ክትዛረብ ከላ፡ ርብፅ ርብፅ ትብል፤ ሓሓሊፉ ድማ ዝተደናገረት ትመስል።

"ወትሩ ከምዚ'የ - ምስ ወለደይ፣ መምህራነይ፣ ድሒሩ ድማ ምስ ኣፍቀርተይ፡" ትብል ንኩነታታ ክትገልፅ።

ህፃን ከላ፡ ሓላፍነት ተሰሚዑዋ ወይ ውልቃዊ ድልየት ሓዲሩዋ ዘይኰነ፡ "ዝዀነ ሰብ ከይሓርቕ፡" ካብ ዝብል ዝንባለ ንሰዓታት ተፅንዕ ነይራ።

ሎሚ'ው ብዙሕ ኣይተቐየረትን።

"ዋላ'ውን ቀዳመ ሰናብቲ [ኣብ ገዛይ] ከዕርፍ እንተመረጽኵ፡ ኣዕሩኽተይ ደገ ክንወፅእ ክጽዉዓኒ ከለዋ 'ኣይፋል' ክብል ኣይክእልን'የ። ድሕሪኡ እንተነፀጋኒ ኸ?" ክትብል ትሻቐል።

ክኢላ ስነ-ልቦና ጀሌና ሳሪክ፡ ዓይነት ምትእስሳሮም ጭኑቕ ዝዀነ ሰባት፡ ንርሶም ዘለዎም ኣረኣእያ ኣሉታዊ ኰይኑ፡ ካልኦት ብዛዕብኦም ኣለዎም ብዝብሉዎ እወንታዊ ኣረኣእያ ዝርድኡዋ ዓይነት ሰባት ከም ዝዀኑ ተብርህ።

እዚ ድማ፡ ፅግዕተኛ ዝምድናታትን ነፍሲ ወከፍ ምስ ካልኦት ዝምስርቱዎ ምትእስሳር ካብ ዓቐን ንላዕሊ ክትንትኑዎ ወይ ትርጕም ክህቡዎ ከም ዝገብሮም ሓቢራ።

ሶፊያ፡ "ሓሓሊፉ፡ ልጥፍ'የ ዝብል፡" ክትብል ትዛረብ።

"ከም ዝፈትውኒ እዅል መረጋገፂ እንተሃቡኒ'ዉን ንዓይ እዅል ኣይኰነን"።

ሳሪክ፡ እዚ ባህርያት ኣብቶም ቈልዑ ከለዉ ኣቓልቦ ወለዲ ዝብህጕ ዝነበሩ ግን ከኣ ምሉእ ብምሉእ ከም ዘይተማልአ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ልሙድ ምዃኑ ትሕብር።

ሃዳሚ

ፍቑራት

ምንጪ ስእሊ, ANTONIO BAT/EPA-EFE/REX/Shutterstock

ኣና ቶሚክ፡ ሰባት ኣመና ክቐርቡዋ እንከለው፡ "ክትሃድም" ከም እትጅምር ትገልጽ።

"ንዓይ ቀፃሊ ዝረኽቦም እንተዀይነ የድክመኒ'ዩ፤ ሓሓሊፉ ዕረፍቲ የድልየኒ'ዩ፡" ትብል።

ከምዚ ዓይነት ቦታ ንምፍጣር፡ ካብ መፃምዳ ንዝለኣኸላ መልእኽቲ መልሲ ምስዳድ'ዉን ከተቋርጽ ትኽእል።

"ሓደ ሰብ ኣብ ቅድመይ ክበኪ ከሎ፡ ከመይ ከም ዝምልሰሉ ኣይፈልጥን'የ - ምህዳም'የ ዝመርጽ" ትብል።

ኣና፡ ኣዕሩኽታ ጸገማቶም ክካፈሉዋ ከለዉ ወይ "ቀፃሊ ትዅረት" ክደልዩ ከለዉ ምቾት ኣይስምዓን።

ናፅነታ ንምሕላዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓሳባታን ስምዒታን ንርእሳ ትዕቅቦም።

ሃዳሚ ቅዲ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት፡ ተወፋይነት ዝፈርሑ፣ ካብ መጠን ንላዕሊን ዘይምዕሩይን ድሌት ናጽነት ዘለዎምን ከም ዝዀኑ ሳሪክ ተብርህ።

ወሲኻ፡ እዚ ቅዲ ምትእስሳር ዘለዎም ሰባት፡ ኣብ መጻምዶም ዝዀኑ ሰባት ጕድለታት ይደልዩን ኣዕሩኽቶም ብርሑቕ ይሕዙን ኢላ።

እዚኦም፡ ካብቲ መጻምዶም ዝዀነ ሰብ ካብቲ "ምዕፋን" ኢሎም ዝገልጹዎ ስምዒት ንምህዳም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ "ካልኦት ሰባት ይቀራረቡ፡ ብኣካል'ዉን ይርሕቑ"።

"ካብ ነብሶም ወጻእ፡ ኣብዛ ዓለም ኰነ ኣብ ካልኦት ሰባት እምነት የብሎምን። ከምዚ ዓይነት ባህርያት፡ ወለዲ ድሌታት ናይቲ ቈልዓ ከየማልኡ ክተርፉ ከለዉ'ዮም ዝምዕብሉ። ስለዚ እዞም ቈልዑ ካብ ካልኦት ብዙሕ ከይጽበዩ ይመሃሩ፡" ትብል ሳሪክ።

ዘይሃድአ

ማርኮ ፔትሮቪች፡ ዝምድናታት "ተቐያየርቲ" ከምዝኾኑ ይኣምን።

"ብቐፃሊ ኣብ መንጐ ምሳይ ክኸዉን ዝደልየኒ ሰብ ክሃድምን፡ ፅምዋ ስለ ዝፈርሕ ዘይዀነኒ ምትእስሳር ክሃድንን'የ ተቐርቂረ ዘለዅ፡" ይብል።

ማርኮ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ድሌታት'ዉን ክዉስን ይፅገም።

"ምስ ሰባት ክቐርብ ድየ ዝደሊ ወይስ ንበይነይ ክኸዉን? ክሳብ ሕጂ ኣይፈልጥን'የ" ክብል ይገልፅ።

ሳሪክ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ወለድኻ ዝነበረካ ዝምድና ምፍርራሕ ወይ ጐነጽ ዝተመልኦ እንተነይሩ፡ ዘይህዱእ ዓይነት ምትእስሳር ከም እተማዕብል ተብርህ።

"ህጻናት፡ እቲ ዝኣልዮም ሰብ ዓለሞም'ዩ። እዚ ድማ ፍቕርን ተቐባልነትን ዝመልኦ፡ ወይ ከኣ ፍርሕን መጥቃዕትን ዝመልኦ ክኸዉን ይኽእል'ዩ" ክትብል ተረድእ።

ማርኮ ሳሕቲ እዩ ዕግበት ዝስምዖ።

"ዋላ'ውን ሓደ ነገር ንከዐውት ኣበርቲዐ እንተሰራሕዅ፡ ኣብ መጻምድቲ ይዅን ኣብ ስራሕ፡ ወይ ብሓፈሻ ኣብ ህይወት ዘለኒ ነገር ወትሩ ኣበር ዘይብሉ ክኸውን'የ ዝደሊ" ይብል።

እዚ "ፍርሒ ዝወረሮ" ርክብ፡ ምስ ፍርሒ ኪዳን ዝኣሰረ ቅርበት ክህልወካ ከም ዝገብር ክኢላ ስነ-ልቦና ሳሪክ ትገልጽ።

"ብዛዕባ መጻምዶም ክኸዉን ዝደልዩዎ ሰብ ሕልማዊ ዝዀነ ድልየት ይህልዎም፤ ወይ'ዉን ክትረኽቦም ኣጸጋሚ ዝዀኑ ሰባት ንምርካብ ሓፍ ለጠቕ ይብሉ፤ እዚ ድማ ሓንሳብ እቲ ዝደለይዎ ምስ ረኸቡ ካብቲ ፍቕራዊ ዝምድና ንኽስሕቡ መመኽነይታታት ክረኽቡ ስለ ዝገብሮም'ዩ፡" ክትብል ትገልጾ።

ውሑስ

መጻምዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውሑስ ዓይነት ምትእስሳራት ዘለዎም ሰባት፡ ብንእስነቶም ስምዒታዊ ድሌታቶም ተማሊኡሎም ዝዓበዩ ክዀኑ ይኽእሉ።

ብቐሊሉ ምስ ሰባት ክቀራረቡ ዝኽእሉ፡ ብግልጺ ዝረዳድኡን ንነቐፌታ ዝጻወሩን'ዮም።

ሶፊያ፡ ነቶም ንዝቐርቡዋ ሰባት ስምዒታ ንምክፋል ከም ዘይትፅገም ትዛረብ።

"ካብ መጠን ንላዕሊ ከተካፍል የብልካን፡ ሓሳብካ ድማ ብስነ-መጐታዊ መገዲ ክትገልጽ ኣገዳሲ'ዩ፡" ብምባል፡ ምስ ግዜ ድማ እንታይ ከም ዘሕርቓ ክትፈልጥ ከም ዝኽኣለት ገሊጻ።

"ምስ ወለድና ውሕስነት እንተዘይስሚዑና፡ ንዘልኣለም ከምኡ ክኸዉን ኣለዎ ማለት ኣይኰነን፡" ትብል ሳሪክ።

ስነ-ልቦናዊ ፍወሳ ወይ ምስ ውሑስ ምትእስሳር ዘለዎ መጻምድቲ ርክብ ምምስራት ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ጥዑይ ቅርበት ንኽረኽቡ ክሕግዞም ይኽእል።

"ብዙሓት ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓኪም'ዮም ናይ መጀመርታ ጥዑይ ርክብ ዘጋጥሞም፡" ትብል።

ክኢላታት ስነ-ልቦና፡ ኣብ ህይወትና ዘለና ዓይነት ዝምድና ወይ ርክብ፡ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ካልእ ኵነታት ንዝህሉ ውልቃዊ ዝምድናታትን ምትእስሳራትን ከም ዝጸልዎ ከረጋግጹ ክኢሎም'ዮም።

እዚኦም፡ ትምህርቲ ክንረክብ፡ ናይ ኣተሓሳስባ ለዉጢ ከነምጽእ ወይ ፍወሳ [ቴራፒ] ክንረክብ እንከለና ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ'ዉን ይኣምኑ።