ድሕሪ 23 ዓመታት ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ናብ ምድሪ ዝዓልብ ‘ኣስተሮይድ’

ምንጪ ስእሊ, NASA
ናብ መሬት ገፅ ዝሕምበብ ዘሎ ኣስተሮይድ [ገዚፍ ከውሒ ኣካል ህዋ] ኣብ 2046 ኣብ መዓልቲ ፍቑራት ክዓልብ ከምዝኽእል ሃገራዊ ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ (ናሳ) ኣፍሊጡ።
እቲ ሓድሽ ዝተረኽበ ኣስተሮይድ ኣብ 2046 ክዓልብ ከሎ ኣብ ልዕሊ መሬት ፅልዋ ናይ ምፍጣር ዕድሉ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ናሳ ትማሊ ሰሉስ ብትዊተር ሓቢሩ።
እቲ ብግምት ክንዲ ናይ ኦሎምፒክ መሐንበሲ ዝኸውን ግዝፊ ዘለዎ ኣስተሮይድ፡ ኣብ መዓልቲ ፍቑራት 2046 ናብ መሬት ክበፅሕ ከምዝኽእል ወሲኹ ገሊፁ።
ተመራመርቲ ግን ዳታ ምእካብ ዝቐፀሉሉ ኮይኖም ዝረኽብዎ መረዳእታታት ከኣ ንትንበያታት ክቕይር ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
እዚ ‘2023 DW’ ተባሂሉ ዝተሰየመ ኣስተሮይድ፡ ንመሬት ናይ ምውቃዕ ዕድሉ 1 ካብ 560 ከም ዝኾነ ናሳ ይሕብር።
ኣብ ዝርዝር ሓደጋታት ናሳ ዝርከብ እንኮ ናይ ህዋ ከውሒ ኮይኑ ኣብ መዕቀኒ ‘ቶሪኖ ኢምፓክት ሃዛርድ ስኬል’ ደረጃ ሓደ ዝሓዘ እዩ።
እቲ ካብ 0-10 ዝኸይድ ዓቐን፡ ኣብ ጠፈር ዝርከቡ ነገራት ምስ መሬት ናይ ምግጫዎም ሓደጋ ዝዕቅን እዩ። ኩሎም ኣብ ደረጃ ዓቐን 0 (ባዶ) ዝስርዑ ድማ ዘስዕብዎ ሓደጋ ከምዘየለ የመልክት።
ደረጃ 1 ማለት ከኣ ሓደጋ ምግጫው ዘጋጥመሉ ዕድል ኣዝዩ ጸቢብ ምዃኑን ንሰባት ስክፍታ ዝፈጥር ምኽንያት ከምዘይብሉን ናሳ የረድእ።
መሃንዲስ ናቪጌሽን ጄፒኤል ዳቪደ ፋርኖክያ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ኣቕሓ ብፍላይ ዘተሓሳስብ ኣይኮነን" ኢሉ።
ከውሒ ህዋ ‘2023 DW’ ምስ ምድሪ እንተተጋጭዩ ከምቲ ቅድሚ 66 ሚልዮን ዓመታት ኣብ መሬት ዝነበሩ ዳይኖሰር ክጠፍኡ ዝገበረ ኣስተሮይድ ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ ከምዘይህልዎ ሰብሞያ ናሳ ይሕብሩ።
እቲ ናይ ሽዑ ኣስተሮይድ 7.5 ማይልስ (12 ኪ.ሜ) ስፍሓት ዝነበሮ ኣዝዩ ገዚፍ ከምዝነበረ ምስዚ ጉዳይ ዝተሓሓዙ ሓበሬታታት ዝሕተመሉ ጋዜጣ ሳይንቲፊክ ኣሜሪካን ይገልፅ።
ኣብ ልዕሊ ዓባይ ከተማ ወይ ጽዑቕ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢ እንተዓሊቡ ግና ዓቢ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእለሉ ኩነታት ከምዝኽእል ይዝረብ።
ቅድሚ 10 ዓመት ኣብ ልዕሊ ሩስያዊት ከተማ ቸልያቢንስክ ዝዓረፈ ትሕቲ ፍርቂ ግዝፊ ኣስትሮይድ ‘2023 DW’ ዝነበሮ ካልእ ከውሒ ህዋ ዝፈጠሮ ነውፂ፤ ኣብ ዙርያ 200 ትርብዒት ማይል ርሕቐት ዝነበሩ ገዛውቲ መሳኹቶም ዝሰባበረ ኮይኑ፤ ኣስታት 1 ሽሕን 500 ሰባት ድማ ሃስይዎም።
ተመራመርቲ ነቶም ናብ ኣንፈት ምድሪ ዝመፅኡ ኣስትሮይዳት ንምፍሻል ዘኽእሉ ምርምራት ምክያድ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኣቑፂሮም ኣለዉ።
ናሳ: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ንሓንቲ ንእሽቶ ኣስተሮይድ ናብ ውሽጣ መንኮርኮር ክትኣትው ብምግባር ንኣንፈት ጉዕዞኣ ብዓወት ከም ዝቐየረ ኣፍሊጡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







