ናሳ፡ ኣንፈት ሓደ 'ኣስትሮይድ' ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ

ብሃብል ተሌስኮፕ ዝተወሰደ ስእሊ ምግጫው ሳተላይት ናሳ ምስ ዲሞርፈስ

ምንጪ ስእሊ, NASA/ESA/STSCI/HUBBLE

መግለጺ ስእሊ, ብሃብል ተሌስኮፕ ዝተወሰደ ስእሊ ምግጫው ሳተላይት ናሳ ምስ ዲሞርፈስ

ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ ናሳ፡ ኣብ ምቕያር ኣንፈት ሓደ ገዚፍ በራሪ ኸውሒ፡ 'ኣስተሮይድ' ዕውት ስርሒት ከምዘካየደ ሓቢሩ። 

እቲ 160 ሜተር ሰንጣቒት ዘለዎ ዲሞርፈስ ዝተሰመየ በራሪ ከውሒ፡ በቲ ናሳ ዘበገሶ 'ተልእኾ ዳርት' ምስ ሳተላይት ድሕሪ ምግጫው ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መገዱ ከምዝቐየረ ተመራመርቲ ሓቢሮም። 

እቲ ኣስተሮይድ መገዱ ከምዝቐየረ ዝተረጋገጸ ኣብ መሬትን ህዋን ብዝርከቡ ተሌስኮፕ ምክትታል ምስተገበረሉ እዩ። 

ናሳ ነቲ ፈተነ ምቕያር መገዲ እቲ ኣስተሮይድ ዝገበረ፡ ናብ መሬት ገጾም ንዝጓዓዙ ግኡዝ ኣካላት ምህራም ዝከኣል እንተዀይኑ ንምርግጋጽ እዩ።

እቲ ብተልእኾ ዳርት ዝተፈጸመ ስራሕ፡ እዚ ተግባራዊ ክኸውን ከምዝኽእል ዘረጋገጸ እዩ ነይሩ። 

እንተዀነ እቲ ኣስተሮይድ ኣዝዩ ገዚፍ ምስዝኸውን ወይ ከኣ እቲ ስጕምቲ ኣብ ሰዓቱ ምስ ዘይውሰድ ኣጸጋሚ ክኸውን ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣካያዲ ስራሕ ናሳ ቢል ኔልሰን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ “እዚ ተልእኾ፡ ናሳ፡ ንዝዀነ ካብ ጠፈር ዝድርበ ነገራት ድልው ንምዃን ይጽዕር ከምዘሎ ዘርኢ እዩ” ኢሉ። 

“ኣብ ምክልኻል ፕላኔትና ዕቱባት ምዃንና ናሳ ዘመስከረ እመስለኒ፡” ክብል’ውን ወሲኹ። 

ናሳ ንኣንፈት እቲ ኣስተሮይድ ምቕያሩ ብሃብል ተሌስኮፕ ዝወሰዶም ስእልታት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ዳርት (Double Asteroid Redirection Test) ዝተሰመየ ተልእኾ፡ ካብ መሬት ኣስታት 11 ሚልዮን ኪሜ ርሒቝ እዩ ተፈጺሙ። 

እታ ክንዲ ሓደ መዝሓሊ ወይ ፍሪጅ ዝዓቐና ሳተላይት፡ ኣብ ሰዓት 22,000 ኪ.ሜ እናተሓምበበት እያ ምስ ዲሞርፈስ ተጋጭያ። 

እቲ በራሪ ከውሒ ኣብ ዙርያ ካልእ ዝዓበየ (780 ኪ.ሜ ዝቝመቱ) ዲዲሞስ ዝተባህለ ከውሒ እዩ ዝዘውር። 

ዲሞርፈስ ኣብ ዙርያ ዲዲሞስ ሓደ ዑደት ክፍጽም 11 ሰዓትን 55 ደቓይቕን እዩ ዝወስደሉ ነይሩ። 

ድሕሪ እቲ ምግጫው ግን፡ እቲ ግዜ ናብ 11 ሰዓትን 23 ደቓይቕን ከምዝጐደለን ዲሞርፈስ ናብ ዲዲሞስ ገጹ “ብዓሰርተታት ሜትር” ከምዝቐረበ ካብ ቴለስኮፕ ዝተረኽበ ጭብጥታት የረድእ። 

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ በዓልሞያ ኣፕላይድ ፊዚክስ ዝዀነት ዶክተር ናንሲ ቻቦት፡ ሳተላይት ናሳ ነቲ ኣሰተሮይድ ቅሩብ ደፊኡ መገዲ እንተኣቐየሮ’ውን፡ ኣንፈት ኣስተሮይድ ኣጸቢቕካ ንምቕያር፡ ቅድሚ ዓመታት ሳተላይት ምውንጫፍ ከድሊ እዩ ኢላ። 

ኣብ ተልእኾ ዳርት ተመራማሪ ናሳ ዝዀነ ዶክተር ቶም ስታትለር እውን ካብዚ ፈተነ ናብ ብዙሕ መደምደምታ ክብጻሕ ከም ዘይክእል የጠንቅቕ። 

ኣስተሮይድ ብኣዝዩ ዝተፈላለየ መልክዕ ከም ዝመጹን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ተልእኾ፡ ብዙሕ ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግባኦ ነገራት ከምዘሎ ኸኣ ይገልጽ።

ትካል ምርምር ጠፈር ኣውሮጳ - ኢሳ - ብዛዕባ ዲሞርፈስን ዲዲሞስን መጽናዕቲ ንምክያድ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ሰለስተ ሳተላይታት ክውንጭፍ እዩ።