ናሳ ናብ ወርሒ ንምውንጫፍ ዘዳለዋ መንኮርኮር ንካልኣይ ግዘ ተዓናቒፋ

ናብ ወርሒ ክትውንጨፍ ዝተዳለወት ሓዳሽ መንኮርኮር ናሳ ኣርተሚስ 1፡ ንካልኣይ ግዘ ከም ዝተዓናቐፈት ተገሊፁ።
ሰብሞያ ትማሊ ቀዳም ናይ ስፔስ መጀመሪ ሲስተም (ኤስ ኤል ኤስ) ንምልዓል ዝገበርዎ ዳግማይ ፈተነ ኣይሰመረሎምን። ላሕኲ ነዳዲ ጠንቂ እቲ ምስንኻል ከም ዝኾነ ድማ ተገሊፁ።
ሕዚ እቶም መሃንዲሳት፡ ነታ ሮኬት ንምምርማር ዝተተለሙ ኰይኖም፡ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ፅገና ኣብቲ መወንጨፊ ቦታ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቤት-ዕዮ ክካየድ ከም ዝኽእል ተገሊፁ።
እዚ ኩሉ ከይዲ፡ ንብዙሕ ሰሙናት ምድንጓይ ክፈጥር ከምዝኽእል ዘየጠራጥር ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ማለት ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሳልሳይ ዙር ፈተነ ምውንጫፍ መንኮርኮር ከይንርኢ ንኽእል ኢና።
ኤስ ኤል ኤስ፡ ብኤጀንሲ ህዋ ኣሜሪካ ካብ ሞንጎ ዝተሰርሑ እቲ ኣዝያ ሓያል ሮኬት ኮይና፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ተመራመርቲ ናብ ወርሒ ንምብፃሕ ዝተሰርሐት እያ።
እቲ ዝበዝሕ ኣዝዩ ገዚፍ ድፍኢት፡ ኣብ ታሕታዋይ ክፋል ኣብ ዘለዉ ኣርባዕተ ሞተራት ኣስታት 3 ሚልየን ሊትሮ ዝሑል ነዳዲ ብምቅፃል ዝመፅእ እዩ።
ትማሊ ቀዳም እቶም ሰብሞያ፡ መኽዘን ሃይድሮጅን እታ መንኮርኮር ንምምላእ ኣብ ዝኣዘዝሉ፡ ደወል መጠንቀቕታ ላሕኵ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።
ነዚ ስዒቡ ዝተገበረ ፍተሻ፡ እቲ ፀገም ሃይድሮጅን ናብ ተሽከርካሪ ኣብ ዘሕልፍ ቦታ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ተቖፃፀርቲ ነቲ ስራሕ ዳግማይ ንምጅማር፡ ዝተፈላለዩ ፅገናታት እንተፈተኑ’ውን ኣይሰመረሎምን።
ተልእኾ ኣርተሚስ 1 ዋላ’ኳ እንተዘይተሳኽዐ፡ ስራሕ ኣካያዲ ማይክ ሳራፊን፡ መፃኢ ዕድል እታ መንኮርኮር ኣብ መገሻ ደቂ ሰባት ናብ ህዋ ፅልዋ ስለ ዝህልዎ፡ ኣብ ዝካየድ ስርሒት ልዑል ጥንቃቐ ከም ዘድልይ ገሊፁ።
ሳራፊን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ “እዚ ዘይእመን ከቢድ ስራሕ’ዩ። እዚ ናይዛ መንኮርኮር ፈላማይ ናይ በረራ ፈተነ እዩ። ከምቲ ዝበልናዮ፡ ምስ ተዳለውና ክነወንጭፍ ኢና። ኣብዚ ፈላማይ ፈተነ ብዛዕባ እዚ ተሽከርካሪ ክንመሃር ኢና። ከመይ ምጥቃም ከም ንኽእል ከኣ ንመሃር ኣለና” ኢሉ።
ኣማሓዳሪ ናሳ ቢል ኒልሰን’ውን፡ “እዚ ኣካል ናይ ስፔስ መደብና ከም ዝኾነ እየ ዝርእዮ፡ ጉዳይ ድሕነት ድማ ቀዳምነት ዝወሃቦ’ዩ” ኢሉ።
ሓጋዚ ምምሕዳር ናሳ ጂም ፍሪ ብወገኑ፡ “ ነቶም ባትርታት ንምምርማር ወይ ድማ ባትርታት ንምቕያር ናብ ድሕሪት ክንምለስ ኣለና” ኢሉ።

ቀንዲ ዕማም እዛ 100 ሜትሮ ዝንውሓታ መንኮርኮር፡ ካብ መሬት ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኦርዮን ዝተበሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ድሩዕ ሎቆታ ክትስንዱ’ዩ።
ኣብ ከባቢ ወርሒ ስፍሕ ኣብ ዝበለ ዓንኬል ዑደት ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙናት ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ክትዓልብ’ያ።
እታ መንኮርኮር ኣብዚ እዋን ነቲ ኦርዮን ብዘይ ሰብ እያ ሰንድያቶ ክትመፅእ፤ ኣብ 2024 ጀሚሮም ግና ተመራመርቲ ብተደጋጋሚ ናብ ኦርዮን እናኸዱ ምርምራቶም ከካይዱ’ዮም።
እዚ ስርሒት፡ "ኣርተሚስ 1" ዝብል ሽም'ዩ ተዋሂብዎ ዘሎ።
ናሳ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ እዩ ነዛ ሮኬት ከወንጭፍ ፈቲኑ ነይሩ። ተቖፃፀርቲ ኣርባዕቲኦም ዓበይቲ ሞተራት ኣብ ትኽክለኛ መጠን ሙቐት ሙኻኖም ከረጋግፁ ስለ ዘይከኣሉ እቲ ምውንጫፍ ተቛሪፁ።
ተስፋ ብዘቕብፅ ኩነታት፡ እቲ ሓበሬታ ዘቐብል መሳርሒ እታ ሮኬት’ውን፡ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዘመሓላልፍ ተፈሊጡ። እቲ ሓበሬታ ግጉይ ኮይኑ’ምበር እታ ሮኬት ንምውንጫፍ ተዳልያ እያ ነይራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







