ቴክኖሎጂያዊ መፍትሒታት ክትፈጥር እትህቅን መሃንድስ ኤሮስፐይስ- ቤተልሄም ግርማ

ምንጪ ስእሊ, BETHELHEM
ቤተልሄም ግርማ ኣሰፋ ትበሃል። ኣብ ካቴድራል ካቶሊክ ልደታ ተማሂራ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድሕሪ ምዝዛማ፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ - ኣምስት ኪሎ፡ ሲቪል ኢንጂነሪን ከተጽንዕ ጀሚራ። እንተዀነ ብዙሕ ኣይቀጸለትን።፡
ጕዕዞ ናብ ቻይና
"ኣብ ኣምስት ኪሎ፡ ጀሚረዮ ዝነበርኩ ዓውዲ ሲቪል ኢንጂነሪን ኣቋሪጸ እየ ናብ ቻይና ዝኸድኩ፡" ትብል ቤተልሄም ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመጠይቕ።
ቈልዓ ካብ ዝነበረትሉ ኣትሒዛ፡ 'ምስ ዓበኺ እንታይ ክትኰኒ ትደልዪ?' ተባሂላ ኣብ ትሕተተሉ ዝነበረት ግዜ 'ኣስትሮኖት' [ጠፈርተኛ] ትብል ነይራ።
"ንእሽቶ ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፡ እንታይ ክትኰኒ ኢኺ ትደልዪ ከበሃል እንከለኹ፡ 'ኣስትሮኖት' እየ ዝብል ነይረ፣ ኣብ ኢትዮጲያ ብዛዕባ ጠፈር ብዙሕ ዘይፍለጠሉ ዝነበረ ግዜ ማለት እዩ።"
ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክትኣቱ እንከላ ግን፡ ብዙሓት ምኽንያታት ናብ ሲቪል ኢንጂነሪን ከተዘንብል ደፋፊኦምዋ ነይሮም እዮም።
"እናዓበኹ ክኸይድ ከለኹ ግን ምርጫታተይ ኣመዓራርየ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ኣብ ከባቢየይ ዝነበሩ ሰባት እናሰማዕኩ፣ ኣቦይ ብዓውዲ ሲቪል ምህንድስና ዝተመረቐ'ውን ስለዝነበረ ሲቪል ምህንድስና መሪጸ፡" ትብል።
ነቲ ትምህርቲ ዝነበራ ድሌት ግን ኣይቀጸለን፣ ውጽኢታዊት'ውን ኣይነበረት።
ብኸምኡ'ያ ኸኣ፡ "ናብቲ ሓቀኛ ድሌተይ ዝዀነ ዝፈትዎ ዓውደ-ፍልጠት ክምለስ ከም ዘለኒ ዝተገንዘብኩ፡" እትብል።
"ዘቋረጽኩሉ ቀንዲ ምኽንያት ድሌት ዘይምንባር እዩ። ብናተይ ድሌት ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብ ከባቢየይ ዝዕዘቦን ዝሰምዖን ዝነበርኩ ተደፋፊአ እየ ሲቪል ምህንድስና ዝመረጽኩ። ብዙሕ ኣድማዒት'ውን ኣይነበርኩን። ስለዚ ናብቲ ዝደልዮ ከቕንዕ ግድን ነይሩ፡" ትብል።
ድሌታ ከተተግብር ከኣ ቻይና መሪጻ።
ቤተልሄም ስለምንታይ እያ ኤሮነቲክስ ዘቐደመት?
"ኣብ ቻይና፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ 'ኤሮነቲክስ ኤንድ ኣስትሮኖቲክስ' ኣትየ 'ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን' ኣጽኒዐ ቀዳማይ ዲግሪ ረኺበ፡" ትብል ቤተልሄም።
ኤሮነቲክስ ስነፍልጠት በረራ ጠፈር እዩ። ኣውሮፕላን ይዅን ካልእ ዝዀነ በራሪ ግኡዝ ዝነድፍ ዓውዲ'ውን እዩ።
ኣብቲ፡ 'ምስ ዓበኹ፡ ሓኪም፡ ፓይለት፡ ወይ ጋዜጠኛ' እናበልካ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዜ፡ ቤተልሄም ስለምንታይ እያ ኤሮነቲክስ ዘቐደመት?
"ብቝልዕነተይ ደስ ዝብሉኒ ነገራት ነይሮም። ብዛዕባ በረራን ጠፈርን ደስ እዩ ዝብለኒ ነይሩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ብማተማቲክስ ልዑል ብቕዓት እዩ ነይሩኒ፣ ናብዚ ዓውዲ ድማ መጺአ፡" ብምባል ትምልስ።
ቤተልሄም ኣብ ትምህርታ ጸብለል ኢላ ብልዑል ማዕረግ እያ ተመሪቓ።
እቲ ዓውደ ትምህርቲ ብዙሕ ፍሉጥ ስለዘይነበረ ግን፡ ብዙሕ ሕቶታት ይቐርበላ ነይሩ።
"ተመሃሪት ኣብ ዝነበርኩሉ፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ናብ ኢትዮጲያ ክመጽእ እንከለኹ፡ ሰባት ይሓቱኒ እሞ ግር ይብሎም። ኣብዚ ዓዲ ክትሰርሒ ትሓስቢ እንተዄንኪ የዋጽኣኪ ዶ?' ይብሉኒ ነይሮም። ንብዙሕ ሰብ ኣይወሓጠሉ ነይሩ።"
"ብዙሓት ከም ክሳራ እዮም ዝሓስብዎ። እንተርኢኻ ግን ኣብ ዓለም ብዙሕ ለውጢ ዘምጽኡ ሰባት እቶም 'ኣይከውንን እዩ እናተባህሎም፡ ግን ከይዶም ሓሳቦም ዝፍጽሙ እዮም፡" ትብል።
እሞ ዘዋጽእ ኰይኑ ዶ ረኺብክዮ? ዝሰዓበ ሕቶ ቢቢሲ እዩ ነይሩ።
"ብልክዕ እምበር። ግን የዋጽእን ኣየዋጽእን ከከም ኣተረጓጕማና ይፈላለ እዩ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ዝዀነ ብገንዘብ ጥራይ ክንልክዖ የብልናን። ንዓይ ኣብቲ ዝፈትዎ ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ምኽኣለይ እዩ ዓቢይ ዓወት። ብድሕር'ዚ እዩ ጕዳይ ኣታዊ ዝመጽእ ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብ ዝፈትዎ ስራሕ ክሰርሕ እንከለኹ እየ ብቕዓት ስራሕ ከረጋግጽ ዝኽእል፣ ኣፍራይነት ድማ ብኡ መንጽር ይዓቢ። ከምዚ በለ መገዲ እየ ክኽተል ዝመረጽኩ፡" ብምባል ትምልስ።
ፈተና ዝመልኦ ጕዕዞ ትምህርቲ
ብንእሽቶኣ እንከላ ኣቦኣ ከም ዝሞተ ትገልጽ ቤተልሄም፡ "ኣደይ እያ ንበይን ኣምሂራትኒ፡" ብምባል ብዛዕባ ኣተዓባብያኣ ትዛረብ።
ኣደኣ ንወጻኢ ሰዲደን ከምህራኣ ዓቕሚ ኣይነበረንን። ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝጀመረቶ ትምህርቲ ክንዲ ትቕጽል ከኣ፡ 'መጸዋዕታ ውሽጠይ እዩ' ናብ ዝበለቶ ዓውዲ 'ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን' ኣድሂባ።
ስለዚ ቻይና ከይዳ፡ መምሃሪኣ ዝኸውን ገንዘብ ፍርቁ ብማህደረ ትምህርቲ ፍርቁ ድማ ሰሪሓ ክትከፍሎ እዩ ዕላማ ገበረት። ቻይና ምስ ከደት ግን ከምቲ ዝሓሰበቶ ኣይነበረን።
"ኬድካ ክትርእዮም እንከለኻ ነገራት ካልእ ኰይኖም እዮም ዝጸንሑኻ። መቸም ከምቲ ዝሓሰብክዎ ቀሊል ኣይነበረን፣ ክብድ ዝበለ እዩ ነይሩ። እንተዀነ በቲ ከቢድ መገዲ ምሕላፈይ ነዚ ሕጂ መንነተይ ቀሪጽዎ እዩ ኢለ'የ እሓስብ፡" ትብል።
እዚ ድሕሪ ምስጋራ ድማ ኣብ ካልኣይ ዓመት ተመሃሪት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ሓደጋ መኪና ኣጋጢምዋ።
ካልኣይ ዓመት እናተማህረት ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጲያ ብመልክዕ 'ኢንተርንሺፕ' [እናሰራሕካ ልምዲ ትቐስመሉ ኣገባብ] ትሰርሕ ነይራ።
ናብ ቻይና ቀቅድሚ ምምላሳ፡ ምስ ኣርባዕተ መሓዙታ ክዘናግዓ ኢለን ናብ ቢሾፍቱ እናኸዳ ግን ሓደጋ መኪና ወሪዱወን።
እቲ ሓደጋ ከመይ ከም ዝዀነ ደሓር ሰባት ብዝነገርዋ እያ ክትፈልጦ ክኢላ። "ብሰባት ዝተነግረኒ እዩ፣ ናብ ቢሾፍቱ እናኸድና ኣብቲ ዓቢይ ጽርግያ ሓንቲ መኪና ብድሕረና ሃሪማትና ገዲፋትና ከይዳ፣ ካብኡ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምና፡"
"ክሳብ ሕጂ'ውን ከመይ ከም ዝነበረ ዝዝክሮ የለን። ትዝ ዝብለኒ፡ ኣብ ሆስፒታል ክበራበር ምስ ጀመርኩ፡ ኣካላተይ ግን ምንቅስቓስ ክኣብየኒ እንከሎ እዩ። ርእሰይ ተሃሪመ ስለዝነበርኩ፡ ንሓጺር ግዜ ናይ ምርሳዕ ሽግር ኣስዒቡለይ ነይሩ። በዚ ሽግር ምርሳዕ፡ ናይ ቅድሚ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝርስዕ እየ ኰይነ ነይረ። እቲ ናይ ቀደም ዝኽሪ ኣብ ቦታኡ ነይሩ እዩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ደቒቕ ዝረኸብክዎ ሰብ ግን ይርስዖ። ደሓር ግን ቀስ እናበለ እዚ ጸገም እናጠፍአ ከይዱ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ጸጋማይ ዓይነይ ካብ ቦታኣ ተንቀሳቒሳ፡ 'ዳብል ቪዥን' [ድርብ ምስሊ] ትፈጥር ነይራ። ክኸይድ ኣይክእልን ነይረ። ብመራኹስ እየ ዝጓዓዝ ነይረ።"
ካብተን ኣርባዕተ መሓዙት፡ ቤተልሄምን ሓንቲ መሓዛን እየን ኣብታ መኪና ብድሕሪት ኮፍ ኢለ ነይረ፣ ንዓታትን እዩ ድማ ከቢድ መጕዳእቲ ዝወረደን።
"ኣነን ሓንቲ መሓዛይን ብድሕሪት ነይርና። እታ መሓዛይ ኣመና ስለዝተሃስየት ክሳብ ታይላንድ ከይዳ እያ ተሓኪማ፡"
ቤተልሄም ሓደ ሰሙን ኣብ ሕክምና ጸኒሓ፡ ሕክምናኣ ክትከታተል ድማ 15 መዓልቲ ትምህርቲ ሓሊፍዋ። 'ክትእገዲ ኢኺ' ዝብል መልእኽቲ ካብቲ ዩኒቨርሲቲ ተጻሒፉላ። ሓኪም ድማ ተወሳኺ ናይ ሰለስተ ወርሒ ሕክምናዊ ክትትል ከም ዘድልያ ኣፍሊጡ።
"ንትምህርቲ ኢለ ብዙሕ ዋጋ ምኽፋለይ ሓካይም'ኳ እንተዘይፈትውለይ፡ ምርኵስ ሒዘ ሳንጣይ እናጓሰስኩ ናብ ቻይና ተመሊሰ፡" ክትብል ትዝክር።
"ኣብ ኣካለተይ ብዙሕ መድሃኒት ነይሩ፣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ትምህርቲ ምክትታል እጽገም ነይረ፣ የሕምመኒ። ስራሕ ምስራሕ'ውን ከምኡ። ኣድህቦ ገይረ ከጽንዕ ኣይከኣልኩን፣ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ድቃስ ይመጽኣኒ ነይሩ፣ውጽኢት ትምህርቲ ድማ ከንቈልቍል ጀሚሩ።" ትብል።
እንተዀነ ወዮ ሓደጋ ስግኣት ዘይኰነ ተስፋ፣ ሓዘን ዘይኰነ ደስታ ሒዙላ መጺኡ። ግን ብኸመይ?
"ኣዝዩ ከቢድ'ኳ እንተዀነ፡ ካብቲ ብደገ ዝርኣዮ ንላዕሊ፡ ኣብ ውሽጠይ ብርትዐን ሓያል ናይ ምንባር ድሌትን ነይሩኒ። ሽዑ ህይወተይ ዝተቐየረ ኰይኑ ተሰሚዑኒ፣ ከም ብሓዲስ ዝተሰራሕኩ ኰይኑ እዩ ዝፍለጠኒ፣ 'ኣመና ደስ ዝብለኪ ኣጋጣሚ' ክበሃል እንከለኹ፡ እቲ ሓደጋ መኪና እየ ዝብል፣ ምኽንያቱ ብዙሕ ሽግር'ኳ እንተነበሮ፡ ሓድሽ መኣዝን ህይወት ዝፈጠረለይ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ብዛዕባኡ ተመሊሰ ክሓስብ እንከለኹ ደስ ዝብል ዝኽሪ እዩ ነይሩኒ፡" ብምባል ሓሳባ ተረድእ።
ጸጋመይቲ ዓይና ሕጂ'ውን ምስሊ እናደራረበት ተርእያ እያ። "ናብራ ኵርኳሕ ዘይብሉ ክኸውን የብሉን። ፈተነ እንተሎ'ውን ክቕጽል ኣለዎ። ህይወት ምልእቲ ክትከውን የብላን፡" ትብል።
መሓዛኣ ሕክምናኣ ወዲኣ ደሓን ኰይና እያ። ኵሉ በቲ ክጓዓዘሉ ዝግባእ መገዲ ይኸይድ ኣሎ።
ኣርባዕተአን እተን መሓዙት፡ ብዛዕባ'ቲ ሓደጋ መኪናን ዝኽረንን ትመኵሮአንን ዝገልጽ መጽሓፍ ብሓባር ይጽሕፋ ኣለዋ።
ድሕሪ ትምህርቲ ምልሶት ናብ ኢትዮጲያ
ቤተልሄም ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሕልማ እናነበረት ብሞያኣ እያ ተገልግል ዘላ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንስቲዩት ስፐይስ፡ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ኢትዮጲያ ተሓጋጋዚት ተመራማሪት ኰይና ትሰርሕ ኣላ። ኣብቲ ኢንስቲትዩት ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት'ውን ትሳተፍ እያ።
'ኣብ ምህንድስና ኤሮስፐይስ፡ መጽናዕትን ምርምርን ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ይሰርሕ ኣለኹ፡"
'ሓደ ካብኡ፡ ፕሮጀክት ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ [ድሮን] እዩ። ካልኦት ኣገደስቲ ፕሮጀክታት'ውን ኣለውና። ንኣብነት፡ ሓደ ቤተ-ፈተነ ኤሮስፐይስ ንምህናጽ ወጢንና ኣለና። እቲ ስራሕ ተጀሚሩ እዩ፣ ቤተ-ፈተነን ዎርክሾፕን ዘጠቓለለ እዩ። ካብ ናትና ምርምርን መጽናዕትን ሓሊፉ፡ ዝተፈላለዩ ተመሃሮ መጽናዕቲ ክገብሩ ዝኽእሉሉ ቦታ ክኸውን እዩ፡' ብምባል፡ ኣብቲ ኢንስቲትዩት እትሰርሖም ስርሓት ተረድእ።
ኣብ ምህንድስና ኤርስፐይስ፡ ብዘይካ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ላዕለዋይ ደረጃ የብልናን።
ነዚ ላዕለዋይ ደረጃ ንምጅማር ኣብ ዘኽእል መስርሕ ምንዳፍ ካሪክሉም ንምስታፍ'ውን ዕድል ረኺባ ነይራ። እቲ ዝተዳልወ ካሪክሉምተገምጊሙ ተቐባልነት ረኺቡ፣ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ትምህርቲ ክጅመር እዩ።
ኣበርክቶ ቤተልሄም ኣብዚ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኰነን።
ዓቢይ ለውጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣብ ዝተገመተ ፕሮጀክት 'ድሮን ሕርሻ' እውን ትሳተፍ እያ።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ድሑር ሜላ ሕርሻ እዩ ናብዚ ዓውዲ ቈላሕታ ክትገብር ደሪኽዋ።
"ሕጂ እንሰርሖ ዘለና፡ ኣብ ሰፊሕ ሕርሻ፡ መድሃኒት ዝነጽግ 'ተክስኮፕተር' ዝበሃል ዓይነት ድሮን እዩ።" እዚ ዓይነት ድሮን፡ መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዘራእትን ድዅዒን ክነጽግ ዝኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, BETHELHEM
ቀንዲ ዕላማኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ዓንዲ ሕቘ ምጣነ ሃብቲ ሃገር ዝዀነ ሕርሻ ለውጢ ክተእታቶን፡ ምህርቲ ሕርሻ ከም ክዓቢ ምግባርን እዩ።
በዚ ተክኖሎጂ ተደጊፉ ካብ ያታዊ ኣገባብ ማሕረስ ናብ ዝመናውነት ንምስግጋርን፡ ኣፍራይነት ምዕባይን እዩ።
"እቲ ንሓረስቶት ነዊሕ ግዜ ሃልክን ዝሓቶም ስራሕ፡ ብድሮናት ብቐሊሉ ኣብ ሒደት ደቓይቕ ክዕመም ይከኣል እዩ። መድሃኒት ጸረ-ባልዕ ይዅን ድዅዒ ብመዳይ ጥዕና እንክረኣዩ ኣዝዮም ሓደገኛታት እዮም። ሓረስታይ ብማዕዶ ድሮናት እናተቘጻጸር ማሕረሱ ክገብር ምኽእል ብዙሕ ጥቕሚ እዩ ዘለዎ፡" ብምባል ብዛዕባ'ቲ ትሳተፈሉ ዘላ ፕሮጀክትታት ትገልጽ።
ኢንስቲትዩት ስፐይስ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጲያ፡ ቀንዲ ዕላማኡ፡ ምህናጽ ዓቕሚ ሰብ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ክስርሑ ዝኽእሉ ነገራት ምስራሕ ዝብል'ውን የጠቓልል።
ናብ ኣገልግሎት ሕርሻ ዝውዕል ድሮን ዝብል ሓሳብ ካብ ባዶ እዩ ነቒሉ። ሕጂ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ስራሕ ተዓሚሙ'ሎ፣ ዝተርፍ፡ ነተን ድሮናት ኣገጣጢምካ ምፍታን ጥራይ እዩ።
ቤተልሄም ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ብኢንዱስትሪ ጠፈር ኣፍሪቃ ፡ ካብ 10 ብሉጻት ትሕቲ 30 ዓመት ተመራመርቲ ስነፍልጠት ጠፈር ተረቝሓ'ላ።
ኣብዚ፡ ሒደት ደቀንስትዮ ዝተረቝሓሉ ሕርያ፡ ካብ ኢትዮጲያ ክልተ መንእሰያት ጥራይ እዮም ኣብቲ ዝርዝር ኣትዮም ዘለው።
"ትሕቲ 30 ዓመት ዘለው 10 ምሩጻት ተመራመርቲ ጠፈር ዝብል ሽልማት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለው ፈጠራዊ ስራሕ ንዝሰርሑ ምሩጻት 10 መሃንድሳት፣ ተመራመርቲ ወይ ድማ ኣብ ዓውዲ ስነጠፈር ዝተፈልየ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝወሃብ ሽልማት እዩ።"
"በየናይ መምዘኒ ከም ዝተቐበሉኒ'ኳ እንተዘይፈልጥኩ፡ ኣብ ኤሮነቲካል ኢንጂነሪን ዝሰርሖም ዘለኹ ዝተፈላለዩ ስራሓት ኣቕሪበ እየ ተመሪጸ፡" ትብል።
ቤተልሄም ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ምእታዋ፡ "ዝዓበየ ረብሓኡ፡ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ዘምጽኦ ለውጢ እዩ፡" ብምባል ትገልጽ።
ወሲኻ፡ "ምምራጸይ ንዓይ ዓቢይ ነገር እዩ። ኣብ መጻኢ ብዙሓት ዕድላት ንክኽፈቱለይ ሓጋዚ እዩ። ካባይ ንላዕሊ ግን ንኻልኦት ዘተባብዕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ትብል።
ብዘይካ'ዚ ቤተልሄም ትሳተፈሉ ዓውዲ፡ "ኢትዮ ስፐይስ ኪድስ ክለብ" ዝብል እዩ። እዚ ክለብ ስነፍልጠትን ቴክኖሎጅን ጠፈር ኢትዮጲያ፡ ድሌትን ተውህቦን ዘለዎም ቈልዑ ንምምልማልን ንምትብባዕን ዓቕሞም ክብ ንምባልን ዓሊሙ ዝቘመ ትካል እዩ።
ብ 'ስፐይስ ሳይንስ ሶሳይቲ ኢትዮጲያ' ዝተመርጹ ሽዱሽተ ህጻናት ሒዙ እዩ ጀሚሩ።
ካልኦት ንኽቕበል'ውን ምድላዋቱ ወዲኡ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, BETHELHEM
ቢቢሲ፦ ዕድላትን ብድሆታትን ስፐይስ ሳይንስ ኢትዮጲያ እንታይ እዮም ትብሊ?
ቤተልሄም፦ ብናተይ ኣረኣእያ፡ ስፐይስ ሳይንስ ኢትዮጲያ ብዙሓት ተስፋታት ኣለውዎ፣ ማዕረኡ ድማ ብዙሓት ብድሆታት። ኢንስቲትዩት ስፐይስ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምጅማሩ ንባዕሉ ሓደ ዓቢይ ተስፋ እዩ፣ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ወጻኢ ንዘለው ሞያውያን ክስሕብ ጀሚሩ'ሎ። ንዓና'ውን ይረኽቡና እዮም። ድሕሪ ሕጂ ስነፍልጠት ጠፈር ካባና ዝርሓቐ ዓውዲ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ሕልሚ ዘይኰነስ ብግብሪ ዝኸውን ዘሎ ስለዝዀነ፡ ዝመጽእ ወለዶ ነዚ ንምቕጻሉ ብዙሕ ኣይክጽግሞን እዩ። ሕጂ ዝፍጠር ዘሎ ዕድላት ንመጻኢ ባይታ ዘንጽፍ እዩ።
ኣብዚ ግን ቀንዲ ብድሆ ኰይኑ ዝረኣየኒ፡ ኵሎም እቶም እንጥቀመሎም ኤሌክትሮኒካዊ ኣቝሑ ካብ ወጻኢ እዮም ዝመጽኡ። ልዕል'ቲ ንዕድጊ ዝወጽእ ገንዘብ ዝወስዶ ግዜ'ውን ቀሊል ኣይኰነን። ብሰንኩ ገለ ፕሮጀክትታት ኣብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ንኸይውድኡ ዕንቅፋት ይኸውን። ነዞም ዕንቅፋታት ከም ዕድል ንዝቘጽሮም ሰብ ይዅን ብሕታዊ ጽላት ግን፡ ነዞም ኣቕሑ ምቕራብ ከም ዕድል ክረብሓሉ ይኽእል እዩ ኢለ እሓስብ። ተስፋን ብድሆታት እናሃለውና ነቶም ብድሆታት ናብ ዕድል እናቐየርና ክንቅጽል ኣለና ኢለ እየ ዝኣምን።"
ክሳዕ ሕጂ፡ ጠፈር ክትበጽሕ ዕድል ዘይረኸበት ቤተልሄም፡ ነቲ ዕድል ክትረክብ ከም እትምነን፡ ካብኡ ነቒላ ገለ ነገር ከበርክት ከም እትሕልንን ትዛረብ።
ኣብዚ ሞያ ካብ ዘለው ሰባት ኤለን መስክ ኣርኣያኣ ምዃኑ ትገልጽ።
"ኤለን፡ ኣይከኣለን እዩ ዝተባህለ ከም ዝከኣል ብግብሪ ዘርኣየ ሰብ እዩ፡" ኢላ ትገልጾ።
"ንኣብነት፡ መካይን ኤሌክትሪክ ግብራዊ ክኸውን ዝሕሰብ ኣይነበረን። ሕጂ ግን ነዳዲ ዘህልኻ መካይን ብናይ ኤሌክትሪክ መካይን እናተተክኣ ካብ ዕዳጋ ከም ዝወጽኣ ይገብር ኣሎ። ብተወሳኺ ስነፍልጠት ጠፈር ብብዙሕ መዳያቱ ብመንግስታት እዩ ዝካየድ። ንሱ ግን ብደረጃ ውልቀሰብ ኣብቲ ዓውዲ ኣትዩ ምስ ናሳ ይወዳደር ኣሎ። ኣብ ገለ ሸነኻት'ውን ካብ ናሳ ጸብለል ዝብለሉ ነገራት ኣሎ። ስለዚ ንኣይ ኤለን መስክ ፍሉይ ሰብ እዩ፡" ትብል።
ቤተልሄም ብዙሕ ውረድ ደይብ ሓሊፋ ኣብዚ ደረጃ በጺሓ'ላ፣ ንመጻኢ ኸ?
"ኣብ መጻኢ ኢንተርፕረነር [ፈጣሪት ስራሕ] ቴክኖሎጂ ክኸውን እየ ዝደሊ። ሓሳበይ ንሱ ጥራይ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂ ምዕባይን ኣቝሑ እናምጻእካ ኣብ ዕዳጋ ምቕራብ ክጀማምር እሓስብ ኣለኹ። ናተይ ፈጥራዊ ስርሓት'ውን ክሰርሕ እሓስብ፡" ብምባል ትምልስ።
ቤተልሄም ክሳብ ሕጂ ብእተጓዕዘቶ ሕጕስቲ እያ። ቤተሰባ'ውን ሕጕሳት እዮም። ይሕግዝዋን፡ ምርጫኣ ኣኽቢሮም ኣብ ጐድና ደው እዮም ዝብሉ። "በዚ ኸኣ ሕጕስቲ እየ" ትብል።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቻይና ክትምረቕ እንከላ ብልዑል ነጥቢ ስለዝዛዘመት፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ትምህርታ ንኽትቅጽል ዕድል ሂቡዋ ነይሩ።
ንሳ ግን፡ "ኣብ ሃገረይ ተመሊሰ ክሰርሕ ይሓስብ ስለዝነበርኩ ናብ ዓደይ ክምለስ ወሲነ፡" ብምባል ተብርህ።
እንተዀነ ትምህርታ ንምቕጻል መደብ ኣለዋ።
ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዓቢይ ቴክኖሎጅያዊ መፍትሒታት ዝቕርብ ትካል ብምምስራት ንኣፍሪቃውያን መንእሰያት ዕድል ስራሕ እትፈጥር ክትከውን ከም እትደሊ ትገልጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







