ናይ ዓለምና ሃብታም ኤለን መስክ ኣብዚ ዓመት 11 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ክኸፍል እዩ

ኤለን መስክ

ምንጪ ስእሊ, POOL

ናይ ዓለምና ሃብታም ኤለን መስክ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 11 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ክኸፍል ምዃኑ ብትዊተሩ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ወናኒ ቴስላ ናይ ኤሌክትሪክ መኪናን መሃዚ ስፔስ ኤክስ ናይ ህዋ መኪናን ዝኾነ ኤለን መስክ ክንደይ ዝኣክል ግብሪ ከምዝኸፍል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ መዘራረቢ ኾይኑ ነይሩ።

ኣብ መእተዊ እዚ ሰሙን፡ ኣባል ዲሞክራቲክ ፓርቲን ሴናተር ቤት ምኽሪ ኣመሪካን፡ ኤልዛቤት ዋረን፡ “ንሱ ዋላ ሓደ ነገር ከይሃበ ሃብቲ ህዝቢ ምጥቃም ጠጠው ከብል ኣለዎ” ክትብል ወቒሳ ነይራ።

እቲ ቢልየነር ድማ “ክንደይ ከምዝኸፍል ንምፍላጥ ዝደልዩ ሰባት ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 11 ቢልዮን ዶላር ግብሪ ክኸፍል እየ” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ወናኒ ቴስላ ኤሌክትሪክ መኪናን መሃዚ ስፔስ ኤክስ ናይ ህዋ ታክስን ኤለን መስክ ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመተ ኣውሮጳውያን ናይ ዓለምና ቁጽሪ ሓደ ሃብታም በዓል ጸጋ ኮይኑ ነይሩ።

ኣብ ‘ብሉምበርግ ቢሊየነርስ’ ብዝሰፈረ ዝርዝር ሓበሬታ መሰረት፡ ኤለን መስክ ብጥረ ገንዘብ 243 ቢሊዮን ዶላር ዘለዎ እንትኸውን፡ ቴስላ ኤሌክትሪክ መኪና ሓደ ትሪልዮን ገንዘብ ይግመት፡ ስፔስ ኤክስ ድማ 100 ቢሊዮን ዶላር ዋጋ ከምዘውጽእ ተገሚቱ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ኤለን መስክ ኣብ ታይም መጽሄት ናይዚ ዓመት ቀዳማይ ኮይኑ ተሓርዩ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ እዩ እታ ሴናተር፡ ነቲ በዓል ሃብቲ ኣመልኪታ ብዘሕለፈቶ መልእኽቲ፡ "ናይዚ ዓመት ምሩጽ ሰብ ግብሪ ክኸፍልን ብናይ ካልኦት ረሃጽ ምብላዕ ጠጠው ንከብልን ነቲ ምጭብርባር ዝተመልኦ ኮድ ግብሪ ክንልውጦ ኣለና" ክትብል ኣብ ትዊተር ገጻ ኣስፊራ።

እቲ ሕጊ ዘውጽእ ኣካል እዚ ትልምታቱ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት ምኽሪ ንግዚኡ ብምስጢር ተታሒዙ እንተጸንሐ’ኳ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ሰብ ሃብቲ እታ ሃገር ግብር ክውስኽ ከምዝደሊ እዩ ዝግለጽ።

ንሴነተር ዋረን ሓዊሱ፡ ገለ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ሰብ ሃብቲ ኣመሪካ ካብ ኣታዊኦም ጥራይ ከይኮንስ ካብ ንብረቶምን ብጽሒት ኣክስዮኖምን ግብሪ ክኽፍሉ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ዝድግፉ እዮም።

መብዛሕቲኦም ሰብ ሃብቲ ኣመሪካ ካብ ደሞዞም ግብሪ ከምዘይኽፍሉ እዩ ዝንገር።

እኳደኣስ፡ ሃብቶም ኣብ ኣክስዮናት ብምግዛእን ኣብ ካልኦት ኢንቨስትመንታትን ዘቕምጡ ኾይኖም፡ ነዚ ንብረት ኣትሒዞም ድማ ልቓሕ ከምዝወስዱ ይግለጽ።

ኤለን መስክ ን ሴናተር ዋረን ኣብ ትዊተር ንዘሕለፈቶ መልእኽቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ኣብዚ ዓመት ኣብ ታሪኽ ካብ ዝኾነ ኣመሪካዊ ንላዕሊ ግብሪ ይኸፍል ኣለኹ" ኢሉ።