ታንዛንያዊ ቢልየር ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፓሊስ ታንታዝያ፡ ነቲ ወዲ 43 ዓመት ዝኾነን ኣዝዩ ሃብታም (ቢልየነር) መሓመድ ደውጂ ኣብ ምድላይ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።
ቢልየነር መሓመድ ደውጂ፡ ትማሊ ረፍዲ'ዩ ካብ ሓደ ኣብ ከተማ ዳሬሰላም ዝርከብ ፍሉጥ ሆቴል ብገጾም ዝተሸፈኑ ዕጡቓት ተጨውዩ።
ፓሊስ'ታ ሃገር ክልተ ካብቶም ጨወይቱ፡ ጻዓዱ ምዃኖም እኳ እንተሓበረ፡ መንነት ናይቶ 12 ድሮ ኣብ ቀይዲ ኣእትይዎም ዘሎ ሰባት ግን ብወግዒ ኣይገለጸን ዘሎ።
ፓሊስ ብዛዕባ ምጽራይ ናይቲ ጉዳይ ዝሃቦ ዝኾነ ይኹን መብርሂ የለን።
መሓመድ ደውጂ፡ ኣብቲ ሃገር ''ሞ'' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፡ እቲ ብዛዕባ ሃብታማት ዓለም ዓመታዊ ጸብጻብ ዘውጽእ መጽሄት ፎርበስ፡ ዝነኣሰ ኣፍሪቃዊ ቢልየነር ክብል ገሊጽዎ ነይሩ'ዩ።
ንሱ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ኣለዎ ተባሂሉ ይግመት።
መሓመድ ደውጂ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሚቲትል ( MeTL) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ኩባንያ ኮይኑ፡ ኣቡኡ ኣብ 1970 ዝመስረቶ'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ''ሞ'' ተራ ኣከፋፋሊን ሸያጥን ትካል ናብ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃ ዝተዘርገሐ ናይ ቢልዮናት ኩባንያ ከም ዘዕበዮ ይንገረሉ።
ሰብመዚ ጸጥታ ታንዛያ፡ ስለምንታይ ከም ዝተጨወየ ዝገልጽ ሓበሬታ ዛጊት ኣይሃቡን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







