መንግስቲ ታንዛንያ ንቤተሰብ ግዳያት መርከብ ይኽሕስ

መንግስቲ ታንዛንያ ንቤተሰብ እቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቀላይ ቪክቶርያ ዝጠሓለት መረከብ ዝሞቱ ግዳያት $54,727 ናይ ገንዘብ ካሕሳ ሂቡ።
ሚኒስተር መጓዓዝያ እታ ሃገር ኣይዛክ ካምወልን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስቲ እታ ሃገርን ድማ ነቲ ቸክ ንቤተሰብ ግዳያት ኣረኪቦም።
ቤተሰብ ግዳያት ነቲ ቃል ዝተኣተወሎም ካሕሳ ንምርካብ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ካብ ቡጎሮራ ናብ ዩካራ ብመርከብ ተጓዒዞም።
እቲ $200,000 ዝኣክል ግንዘብ ካብ ታንዛናውያን፡ ዘይመንግስታውያን ገበርቲ ሰናይን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተዋጽእ እዩ።
ክሳብ ሕጂ ድማ ቁጽሪ ምውታት 227 በጺሑ ኣሎ።
ቤተሰብ ግዳያት፡ 41 ዝተመዝገቡ ውጻእ እቲ ሓደጋ ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ነፍሲ ወከፎም $437 ከምዝከሓሱ እቶም ሰበስልጣናት ብተወሳኺ ሓቢሮም።
እንተኾነ፡ ካብታ ዝተገምጠለት መርከብ ድሒንና ዝብሉ ግን ከኣ ስሞም ኣብ መዝገብ ዘይተረኸበ ብውሑዱ 30 ሰባት ከም ዘጋጠምዎ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣቡባካር ፋሙ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ድሕሪ እቲ ሓደጋ ሓንቢሱ ንገዝኡ ዝኸደ ውጻእ መዓት'የ ዝብል ጆን ማጁራ "ኣነ ሓደ ካብቶም ብሂወት ንምትራፍ ዕድል ዝረኽቡ'የ፡ እዚ ታኣኪቡ ዘሎ ገንዘብ ንኹሉ ዝኣክል ኣይኮነን። ሕጂ ኣብ ክልተ ኢና ተገማሚዕና ዘሎና፡ እቶም ብማህሰይቲ ናብ ሆሰፒታል ዝተወሰዱ'ሞ ናይ ምምዝጋብ ዕድል ረኺቦም 41 ተባሂሎም ዝተሰመዩን ከም በዓል ኣነ ድማ ቃንዛና ተጻዊርና ሓንቢስና ንገዛና ዝተመለስና'ሞ ዘይተመዝገብና። እቲ ዘይምርድዳእ ካብዚ'ዩ ዝብገስ" ይብል።
መንግስቲ ታንዛንያ ንሓለፍቲ ኣባላት ቤት ምኽርን ትካል ድሕነት፡ በዓል መዚ ክትትልን ሓይሊ ባሕርን እታ ሃገር ድሕሪ ምፍራሱ፡ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ዝምርምር ኣካል'ውን ኣቑሙ'ሎ።
ዓቕሚ እታ ዝተገልበጠት መርከብ 100 ምንባሩ ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ክገልጹ እንከለው፡ እታ መረከብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ተጻዒና ምንባራ ሰብ መዚ እታ ሃገር ይገልጹ።
እታ መርከብ ኣብቲ ኣዝዩ ጻዕቒ ዘለዋን ካልኣይቲ ዝዓበየት ኣብ ከባቢ ዩካራን ዩከወረወ እትርከብ ታንዛንያዊት ከተማ ምዋነዛ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ጊዜ ትመላለስ ኔራ።
እቲ ጻዕቂ ተሳፈርቲ ዝተፈጠረሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ መዓልቲ ዕዳጋ ምንባሩ'ዩ።
እታ መርከብ ክትግልበጥ እንከላ ከቢድ ጽዕነት ማለት ኣስቤዛታት ዕፉንን ስሚንቶን ዝመለአ ክሻታት ሒዛ ምንባራ'ውን ተፈሊጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







