ታንዛንያዊ ሰባኺ ብዝፈፀሞ ተግባር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ

ንበዓሉ 'ነብዪ' ኢሉ ዝሰየመ ሰባኺ ብጠራሙዝ ቢራ ተኸቢቡ እንትስዕስዕን 'ቅዱስ መፅሓፍ መስተ ምስታይ ኮነ ዝሙት ከምዝፈቅድ እንትእውጅን ዘርእይ ቪድዮ ምስተፈነወ እዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሉ ።
ነብዪ ቲቶ ተባሂሉ ዝፍለጥ ወዲ 44 ዓመት ኦኔስሞ ማቺብያ ፀገም ጥዕና ኣእምሮ ከምዘለዎ ብመረዳእታ ሕክምና ከምዝተረጋገፀ ኣዛዚ ፖሊስ ጊለስ ሙሮቶ ተዛሪቦም።
ማቺብያ ይኹን ወኪሉ ግና ክሳብ ሕዚ ዝሃብዎ ርእይቶ የለን።
እቲ ዝተፈነወ ቪድዮ እናሳዕስዐ ንበዓልቲ ገዝኡን ሰራሕተኝኡን እንትስዕመን ዘርእይ እንትኸውን፤ ምስ ሰራሕተኛ ገዛኻ ምድቃስ ነውሪ ከምዘይብሉ'ውን ይዛረብ።
ናብ ዝተፈላለዩ መዘናግዒ ቦታታትን እንዳ መስተን ብምኻድ በረርቲ ፅሑፋት ይብትንን፤ ንባህልን ስነ-ምግባርን ታንዛንያ ዝፃረር እምነታት የተባብዕን ምንባሩ ፖሊስ ገሊፁ'ሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







