ድሕሪ 50 ዓመት ናብ ወርሒ ክትውንጨፍ ዝተዳለወት መንኮርኮር ተዓናቒፋ

ኣልተሚስ 1

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ናሳ፡ ወርሒ ንምድህሳስ ዘዳለዋ ዓባይ ሮኬት ሰኑይ ክትወንጨፍ ደቓይቕ ምስተረፋ ብሰንኪ ዘጋጠማ ጸገማት ክትደናጔ ተገዲዳ።

እዛ መንኮርኮር፡ ናሳ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝሰርሐን መንኮርኮራት እታ ዝሓየለት ኰይና፡ ድሕሪ 50 ዓመታት ተመራመርቲ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ወርሒ ክበጽሑ ከተኽእሎም እያ።

እታ ሮኬት ካብ ማእከል መደበር ጠፈር ከኔዲ ልክዕ ብኣቆጻጽራ ሰዓት እቲ ኸባቢ፡ ሰኑይ ሰዓት 8፡33 [03፡33 ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ቀርኒ ኣፍሪቃ] ክትብገስ'ዩ መደብ ወጺኡላ ነይሩ።

እዛ መንኮርኮር፡ ቀንዲ ዕማማ ካብ መሬት ኣዝዩ ርሑቕ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኦርዮን ዝተበሃለ ኣዝዩ ግዙፍ ድሩዕ ሎቆታ ክትስንዱ’ዩ።

ኣብ ከባቢ ወርሒ ስፍሕ ኣብ ዝበለ ዓንኬል ዑደት ድሕሪ ምክያድ ከኣ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ሳምንታት ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ክትዓልብ’ያ።

እታ መንኮርኮር ኣብዚ እዋን ነቲ ኦርዮን ብዘይሰብ እያ ሰንድያቶ ክትመጽእ፤ ኣብ 2024 ጀሚሮም ግን ተመራመርቲ ብተደጋጋሚ ናብ ኦርዮን እናኸዱ ምርምራቶም ከካይዱ’ዮም።

እዚ ስርሒት፡ "ኣርተሚስ 1" ዝብል ሽም'ዩ ተዋሂብዎ ዘሎ።

ኣብ ናሳ ጠፈርተኛ ዝዀነ ራንዲ ብረስኒክ፡ “እዚ ሕጂ ብኣርተሚስ 1 ንገብሮ ዘለና በረራ፡ ነቲ ኣብ ዝመጽእ እዋን ብኣርተሚስ 2 ዝግበር ተኽእሎታት ጕዕዞ ጠፈርተኛታት ንምፍታሽ’ዩ፡” ኢሉ።

ቲ 38 ዝዓይነተን ነፈርቲ ብልዕሊ ናሳ እናበረራ

ምንጪ ስእሊ, NASA

ኣብቲ እቲ መደበር ጠፈር ተደኵንሉ ዝርከብ ፍሎሪዳ ኣዝዩ ተቐያያሪ ኵነታተት ኣየር ብምህላዉ፡ ንምብጋስ ናይታ መንኮርኮር ጽልዋ ከይፈጥር ስክፍታታት ኣሎ።

ንግሆ ኵነታታት ኣየር እቲ ከባቢ ህድእ ስለዝብል’ዩ እታ መንኮርኮር ኣብ ሰዓታት ንግሆ ክትበርር ተመሪጹ።

ክኢላ ኵነታት ኣየር ሜሎዲ ሎቪን “ብመሰረቱ ድሕሪ ሰዓት 8፡30 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኵነታት ኣየር ከምቲ ንደልዮ ክዀነልና ልዕሊ 80 ሚእታዎት ዕድል ኣሎ” ኢላ።

ሰዓታት ምብጋስ ብኽልተ ሰዓታት እንተደንጕዩ ግን፡ እዚ ዕድል ናብ 60 ሚእታዊት ክጐድል'ዩ ክትብል እታ ክኢላ ገሊጻ።

ኣርተሚስ 1

ኣርተሚስ 1፡ 'ኣፖሎ ናይዚ ወለዶ' ክትበሃል ዶ ትኽእል?

ኣብ 1969 ኒል ኣርምስትሮንግን ቡዝ ኣልዲርን ኣብ ታሪኽ ዓለም እቶም ንመጀመርታ ግዜ እግሮም ኣብ ወርሒ ዘንበሩ ጠፈርተኛታት ብምዃን ኣብ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣንቢሮም።

እቶም ብኣፖሎ ዝተበሃለት መንኮርኮር ዝተጓዓዙ ጠፈርተኛታት ብዛዕባ ዓለም ዘለና ኣመለኻኽታ ከምዝቕየር ክገብሩ ክኢሎም እዮም።

ሕጂ ኸኣ ድሕሪ ልዕሊ 50 ዓመታት ሰብ ዳግማይ ኣብ ወርሒ እግሩ ከንብር ይመጣጠር ኣሎ።

ነቶም ኣፖሎ ኣብ ወርሒ ክትዓልብ እንከላ ብቐጥታ ኣብ መሳዅቲ ተለቪዥን ከርእዩ ዘይክኣሉ ወለዶታት ከኣ፡ እዚ ናይ ሕጂ ተበግሶ ሓድሽ ተመኵሮ ኰይኑ ኣብ ሓንጎሎም ክስነድ ከምዝኽእል ብዙሓት ትጽቢት ኣሕዲሮም ከምዘለዉ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ረቤካ ሞረለ ትገልጽ።

እዚ ሕጂ ናሳ ዝገብሮ ዘሎ ጕዕዞ ግን ካብቲ ናይ 1969 ዝተፈለየ’ዩ።

ናሳ ቀዳመይቲ ጓል ኣንስተይትን ጻዕዳ ዘይኰነ ተመራማርን ኣብ ወርሒ ንምዕላብ’ዩ ካልእ ተወሳኺ ታሪኽ ከስፍር ወጢኑ ዘሎ።

ብዘይካ'ዚ ናሳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ’ውን ናብ ማርስ ሰብ ክልእኽ ምዃኑ ኣተንቢሁ ኣሎ።

ኣብ ከባቢ ፍሎሪዳ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ በርቂ ዝተሓወሶ ዝናብ ንጉዕዞ ኣርተሚስ 1 ከየሰናክሎ ስግኣታት ኣሎ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ ፍሎሪዳ ዝርአ ዘሎ ተደጋጋሚ በርቂ ዝተሓወሶ ዝናብ ንጕዕዞ ኣርተሚስ 1 ከየሰናክሎ ስግኣታት ኣሎ

መንኮርኮር ኣርተሚስ ኣብ እትብገሰሉ እዋን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ሰባት ብኣካል ኣብቲ ከባቢ ቀሪቦም ክርእይዋ ተገሚቱ ኣሎ።

እታ መንኮርኮር ኣብ ትብገሰሉ ክሳብ 39.1 ሜጋ ኒውተን ዝኸውን ሓይሊ እያ ክትጥቀም፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ኣፖሎ ዝነበራ ሓይሊ ብ15 ሚእታዊት ዝዛየደ እዩ።

ብኻልእ ኣገባብ ንምግላጹ፡ ሞተረ ናይዛ መንኮርኮር ክንዲ 60 ኮንኮርድ ሱፐርሶኒክ ጀት፡ ክብግሳ እንከለዋ ዘለወን ሓይሊ ማለት እዩ።

ውሽጣዊ ክፋላት ኣርተሚስ 1

ምክትል ፕረዚደንት ክኢላታት ጃኮፕ ስፐይስ [ዝዓበየ ጕጅለ ተኾናታሪ ኬነዲ] ሎርና ኬና “እዛ ሮኬት ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተራእያ መንኮርኮራት ዝዓበየት፡ ዝበርተዐ ድመጺ ዘለዋን ዝጸበቐትን’ያ” ኢላ።

መሃንድሳት እቲ ኦርዮን ዝተሰምየ ግዙፍን ድሩዑን ሎቐታ ናብ መሬት ኣብ ዝምለሰሉ እዋን፡ ብርቱዕ ሙቐት ናይ ምጽዋር ዓቕሙ ክሳብ ክንደይ’ዩ? ክጸዋሮ ኸ ይኽእልንዶ? ኣብ ዝብል’ዮም ዝያዳ ኣተኵሮም ክሰርሑ ጸኒሖም።

ኦርዮን ናብ መሬት ኣብ ዝምለሰሉ፡ 38 ሽሕ ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት'ዩ ክሕንበብ፤ እዚ ኸኣ 32 ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ማናጀር ፕሮግራም ኦርዮን ዝዀነ ማይክ ሃቨስ፡ “እቲ ደጋዊ ክፋሉ ምሉእ ብምሉእ ብካርቦን ዝተሰርሐ’ዩ፣ እዚ ኸኣ ክሳብ 1600 ዲግሪ ሴንቲ ግሬድ ሙቐት ክጻወር ይኽእል’ዩ” ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ “ሕጂ ግን ብዛዕባ 2200 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ኢና ንዛረብ ዘለና፣ ኣፖሎ ናብ ወርሒ ክትበርር እንከላ ኣቭኮት ዝተበሃለ ንዋት’ዮም ተጠቒሞም ነይሮም፣ ነዚ ምፍታን ከኣ ከም ቀንዲ ኣማራጺ’ዩ” ኢሉ።

ኣርተሚስ 1

እዚ ሎሚ ዝካየድ በረራ ንናሳ ጥራይ ዘይኮነ ንስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ውን ዓቢይ ነገር’ዩ።

ምኽንያቱ እቲ ኦርዮን ብኽኢላታት ስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ዩ ተሰሪሑ።

ካብዚ ብምብጋስ ስፐይስ ኤጀንሲ ኤውሮጳ’ውን ሓደ መዓልቲ ናብ ወርሒ ተመራመርቲ ክልእኽ ከምዝኽእል ዝእምት ተስፋ ኣሕዲሩሉ'ሎ።

ኣርተሚስ 9 ዝተሰመየ መስርሕ’ውን ካብ ሕጂ ጀሚሩ’ዩ ውጥናት ወጺኡሉ ዘሎ።

ሽዑኡ ግን ኣብ ወርሒ ንተመራመርቲ ሒዘን ዝንቀሳቐሳ መካይን ክህልዋ ከምዝኽእላ’ዩ ዝንገር ዘሎ።

ብዓቢኡ ግን ኣርተሚስ ክንኖ ኣብ ወርሒ ምዕላብ፡ ተመራመርቲ ናብ ማርስ ንክኸዱ’ያ ባይታ ተጣጥሕ ዘላ።

ኣመሓዳሪ ናሳ ቢል ኔልሰን፡ “እዚ ብመሰረት ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ዘውጽኦ መደብ እዩ ዝካየድ ዘሎ” ኢሉ።

“ኵሎም መራሕቲ ነዚ መደብ ንኽዕወት ነናቶም እጃም ኣበርኪቶም’ዮም፣ መደብ ኣርተሚስ 9 ኸኣ ኣብ መወዳእታ 2030 ወይ ኣብ 2040 ክካየድ እዩ” ኢሉ።