ኤሎን መስክ ዝወንጨፎ ሮኬት ምስ ወርሒ ምግጫው እንታይ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል?

ስፔስ ኤክስ ሮኬት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓደ ካብ ሃብታማት ዓለምና ብዝኾነ ኤሎን መስክ ብዝውነን ትካል ምርምር ጠፈር ዝተወንጨፈ ሮኬት ምስ ወርሒ ክጋጮን ክትኮስን ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ብፋልኮን 9 ዝፍለጥ ሮኬት ኣብ 2015 ዝተወንጨፈ ኮይኑ ተልእኾኡ እኳ እንተፈጸመ፤ ናብ መሬት መምለሲ እኹል ነዳዲ ስለዘይነበሮ ኣብ ህዋ ክንሳፍፍ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ክስተት ናይ ፈለማ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ምስ ወርሒ ዘጋጠመ ምግጫው ከምዝኸውን፡ ተመራማሪ ጠፈር ጆናታን ማክዶወል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ሳዕቤን ግና ቀሊል ከምዝኸውን ሓቢሩ።

እቲ ሮኬት ናይ ኩነታት ኣየር ሳተላይት ሒዙ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ህዋ ዝተወንጨፈ ኮይኑ፤ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ካብ ስራሕ ወጻኢ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ብኤሎን መስክ ዝውነን 'ስፔስ ኤክስ'፡ ሰባት ካብ መሬት ወጻኢ ኣብ ካልኦት ፕላኔታት ንምስፋር ዕላማ ዘለዎ ንግዳዊ ትካል እዩ።

ካብ 2015 ጀሚሩ እቲ ሮኬት ብሓይልታት ስሕበት ናይ መሬት፡ ወርሕን ጸሓይን ክሰሓብ ብምጽንሑ ምንቅስቓሳቱ ክግመት ዘይኽእል "ዕግርግር ዝበዝሖ" ኮይኑ ምጽንሑ ፕሮፌሰር ኣስትሮፊዚክስ፡ ጆናታን ማክዶወል ገሊጹ።

"በቃ ሕግተት ስሕበት እዩ ክኽተል ጸኒሑ፤ ምውት ነይሩ ክበሃል ይኽእል" ኢሉ።

ኣብ ህዋ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተልእኾኦም ዝወድኡ ናብ መሬት መምለሲ ነዳዲ ዝሰኣኑ ማሽናት ከም ዘለው ይግለጽ።

"ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታትምሉእ ብምሉእ መስመሮም ዝሰሓቱ ክሳዕ 50 ዝኾኑ ዓበይቲ ኣቕሑት ኣለው። እዚ ቅመሚ ሕጂ'ውን ብዙሕ ግዜ ከይፈለጥና ኣጋጢሙ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ናይ ሕጂ ግና ዝተረጋገጸ ናይ ፈለማ ክኸውን እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ማክዶወል።

እቲ ሮኬት ብ 4 መጋቢት ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ እዩ ምስ ወርሒ ክጋጮ ምዃኑ ተገሚቱ ዘሎ።

እቲ ፕሮፌሰር ወሲኹ "ኣርባዕተ ቶን ክብደት ዘለዎ ሓጺን ኮይኑ፤ ብድሕሪት ሞቶር ኣለዎ። እዚ፡ 5000 ማይል ኣብ ሰዓት ምስ ዝጎዪ ከውሒ ክጋጮ እንከሎ ዝፍጠር ዘሕጉስ ኣይኮነን" ይብል።

እቲ ሮኬት ድሕሪ ምግጫው ኣብ ልዕሊ ወርሒ ሰብ ሰርሖ ጉድጓድ ከፈጥር እዩ።

ሶፍትዌር ተጠቒሙ ኣብ ህዋ ንዝርከቡ ነገራት ዝከታተል ቢል ጌሪ እቲ ሮኬት 4 መጋቢት ምስ ወርሒ ክጋጮ ምዃኑ ገሚቱ ኣሎ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም ከሎ እንታይ ክኽሰት ይኽእል ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣብ 2009 ፕሮፌሰር ማክዶወልን ካልኦት ጠፈርተኛታትን ኣብ ቤተፈተነ ምርመራ ኣካዪዶም ነይሮም።

እዚ ማለት ተመራመርቲ ካብቲ ምግጫው ብዙሕ ዝመሃርዎ ሓድሽ ነገር ኣይክህሉን እዩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ህዋ ዘንሳፍፉ ዘለው ነገራት ክጋጨው እንከለው ብዙሕ ሓደጋ እኳ እንተዘይፈጠሩ ንመጻኢ ኣስጋኢ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ፕሮፌሰር ማክዶወል።