ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቴሌስኮፕ ናብ ህዋ ተሰዲዱ

ምንጪ ስእሊ, JM GUILLON/ESA / HANDOUT
‘ጀምስ ዌብ’ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ዋጋ 10 ቢልዮን ዶላር ቴሌስኮፕ ነተን ንኣድማስ [‘ዩኒቨርስ’] ብርሃን ዝሃባ ፈለሞት ከዋኽብቲ ናይ ምርኣይ ዕማም ሒዙ ከምዝተልኣኸ ተገሊጹ።
እቲ ቴሌስኮፕ ብሮኬት ዝተሓምበበ ኮይኑ ናብ ኦርቢት ንምብጻሕ ትሕቲ ፍርቂ ሰዓት ወሲዱ’ሎ። እዚ ዕውት ጉዕዞ ድማ ኣብ ኬንያ - ማሊንዲ ብዝተተኸለ ኣንቴና ምርግጋጽ ተኻኢሉ።
ጀምስ ዌብ ዝብል ስያመ ዝተወሃቦ ንሓደ ካብቶም ናይ ኣፖሎ ናብ ወርሒ ምዕላብ ዝነደፉ (ዝሓንጸጹ) መሃንዲሳት ንምዝካር’ዩ።
ምስ ትካላት ምርምር ጠፈር (ህዋ) ኣሜሪካ፣ ኣውሮጳን ካናዳን ብምትሕብባር ክሰርሑ ዝጸንሑ መሃንዲሳት ነቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሰርሐ ‘ሃብል’ ብዝብል ንዝፍለጥ ቴሌስኮፕ ብ100 ዕጽፊ ዓቕሚ ዝበልጾ ‘ጀምስ ዌብ’ ከምዝሃነጹ ተፈሊጡ’ሎ።
ኣብቲ ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ክዕመም ዝጸንሐ ፕሮጀክት ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኣሽሓት ሰብሞያን ተመራመርትን ከምዝተሳተፉሉ ይግለጽ።
ዌብ ዝተወንጨፈሉ መስርሕ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዝቕጽሉ ሽድሽተ ኣዋርሕ ዝፍጸሙ ተኸታተልትን ዝተሓላለኹን ስራሕቲ መበገሲ እምበር ከም ዓብዪ ዕማም ዝውሰድ ኣይኮነን ተባሂሉ’ሎ።
እቲ ቴሌስኮፕ ካብ መሬት ኣስታት 1.5 ኪሎሜትሮ ርሕቐት ኣብ ዝርከብ መቆጻጸሪ ጣቢያ ደው ክብል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, Arianespace
ናብቲ ቦታ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ድማ ካብ ዝተሸፈነሉ ኣካል ፈንጺሑ ክውጽእን ጉዕዝኡ ክቕጽልን ትጽቢት ይግበር።
እዚ ኩነታት ግን ቀሊል ከምዝይኸውን ሓደ ካብ ሓላፍቲ ናሳ [ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ] ዝኾነ ቢል ኔልሰን ይዛረብ። “ገና ክንሰርሖም ዝግብኡናን ብምሉእነት ዕውታት ክኾኑ ዝግብኦምን ብዙሓት ዕማማት ኣብ ቅድሜና ከምዘለዉ ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ እዩ። ዓብዪ ውጽኢት ኣብ እትረኽበሉ ስራሕ ዓብዪ ሓደጋ ክህልው ከምዝኽእል ንፈልጥ ኢና። እዚ ስራሕ ከኣ ከምኡ’ዩ” ኢሉ።
ኣብቲ ቴሌስኮፕ 6.5 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ወርቃዊ ዝሕብሩ መንጸባረቒ መስትያት ከምዝተገጠመሉን እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተሃነጸ ሃብል ዝተበሃለ ቴሌስኮፕ ዝነበሮ መስትያት ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ከምዝዓቢ ተሓቢሩ።
እዚ መስትያን ተመራመርቲ ነቲ ኣብ ህዋ/ጠፈር ዘሎ ነገራት ብዕምቆት ንኽሪኡ ከምዘኽእሎም ይግለጽ።
ቀንዲ ዒላማ እቲ ቴሌስኮፕ ከኣ ነቲ ቅድሚ 13.5 ቢልዮን ዓመታት ዝነበረ ጸልማት ቀንጢጦም ብርሃን ንዝሃቡ ፈላሞት ከዋኽብቲ ምፍላጥ’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ተመራመርቲ ንኹነታት እተን ብነዊሕ ርሕቐት ዝርከባ ፕላኔታት ብምጽናዕ ንናብራ ደቂሰብ ምችውነቶም ናይ ምርግጋጽ ሸቶ ኣለዎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







