ቻይና ኣብ ጠፈር መደበር ንምህናጽ ዘኽእላ ኣቕሑት ናብ ህዋ ልኢኻ

ቻይና ኣብ ጠፈር መደበር ንምህናጽ ዘኽእላ ኣቕሑት ናብ ህዋ ትልእኽ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ኣብ ጠፈር ቀዋሚ መደበር ንምትካል ዘኽእላ ናይ ፈለማ ኣገደስቲ ኣቕሑት ዝሓዘ መንኮርኮር ናብ ህዋ ከም ዝወንጨፈት ተገሊጹ።

እታ ኣቕሑት ብሓሙስ ካብ ማእከል መወንጨፊ ዌንቻንግ ብዝተወንጨፈት መንኮርኮር ሎንግ ማርች 5ቢ እዩ ተላኢኹ።

ቻይና ንህንጸት እቲ መደበር ኣብ 2022 ንምዝዛም ወጢና ኣላ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ጠፈር ዝርከብ እንኮ መደበር፡ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ኮይኑ ኮይኑ፤ ንቻይና ዝነጸለ እዩ።

ናብ ምርምር ህዋ ድሒራ ዝተጸምበረት ቻይና፡ ኣብ 2003 ናይ ፈለማ ጠፈርተኛ ናብ ህዋ ድሕሪ ምልኣኻ ንሶቭየት ሕረብትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዒባ ነቲ ተግባር ዘፈጸመት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና እያ።

Presentational grey line
Presentational grey line

ዛጊት ቻይና ክልተ መደበራት ናብ ህዋ ልኢኻ ኣላ። እቶም ቲያንጎንግ 1 ከምኡ'ውን ቲያንጎንግ 2 ዝተበሃሉ መደበራት ግዝያውያን ብዙሕ ዘይማዕበሉ ኮይኖም ጠፈርተኛታት ብተዛማዲ ንሓጺር እዋን ክጸንሑ ዘኽእሉ እዮም።

እዚ ሓድሽ፡ 66 ቶን ዝምዘን መደበር ንዓሰርተ ዓመታት ኣገልግሎት ክህብ ትጽቢት ይግበር።

በይጂን ነቲ መደበር ንምህናጽ ዘድልይ ኩሉ መሳርሒታት ናብ ህዋ ንምልኣኽ 10 ተመሳሳሊ ምውንጫፋት ክትገብር የድልያ። እታ መደበር ካብ 340 ክሳዕ 450 ኪሜ ብራኸ ካብ መሬት ርሒቓ ክተበርር እያ።

ኣብዚ እዋን እቲ እንኮ ኣብ ህዋ ዝርከብ ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ብምትሕብባር ሩስያ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውሮጳን ጃፓንን ዝቖመ ኮይኑ፤ ቻይና ኣብኡ ከይትሳተፍ ተኣጊዳ እያ።

ዓለምለኻዊ መደበር ጠፈር ኣብ 2024 ካብ ኣገልግሎት ደው ዝብል ብምዃኑ ኣብ ጠፈር መሬት ዝዘውር እንኮ መደበር ትያንጎንግ ክኸውን ይኽእል እዩ።