ኣፍሪቃ ብኸመይ ካብቲ ዓበይቲ ሃገራት ዓለም ዝገብርኦ ዘለዋ 'ሓድሽ ቅድድም ናብ ኣፍሪቃ' ከትረብሕ ትኽእል

ምንጪ ስእሊ, AFP
ቀንዲ ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጽልዋ ክህልወን ይቀዳደማ ኣለዋ። ድሕሪ'ዚ ሓድሽ ተገዳስነት ዘሎ ረብሓታት ግን እንታይ'ዩ? ሃገራት ኣፍሪቃ'ኸ ብኸመይ ይሕዝኦ ኣለዋ? ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ዲክንስ ኦለወ ብዛዕባ'ዚ ዝድህስስ ጸብጻብ ኣቕሪቡ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ህዝብታት ኣፍሪቃ፡ መራሕቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘተኮሩ ዋዕላታት ንምስታፍ ብቐጻሊ ክበሩ ምርኣይ ልሙድ ኮይንዎም ጸኒሑ'ሎ።
እቶም ዋዕላታት፡ "ዕዉታት" ሽርክነታት ተባሂሎም ክግለጹ ምስማዕ'ውን ልሙድ ኮይኑ'ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጃፓን፡ ሩስያን ቻይናን መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣአንጊደን ነይረን። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን፡ 15 መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ለንደን ዝተኻየደ ዋዕላ ብሪጣንያን-ኣፍሪቃን ተሳቲፎም።
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ፈረንሳ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ቱርክን ብወገነን፡ ተመሳሳሊ ዋዕላ ንምክያድ ድሮ ዕድመታተን ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ሰዲደን ኣለዋ።
ረብሓታት ናይቲ 'ቅድድም' ግን እንታይ እዮም?
እታ ኣህጉር ዘለዋ ዕቑር ሃብቲ ማዕድናት፡ ዘይተመዝመዘ ናይ ሕርሻ መሬት፡ እተን 54 ሃገራት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘለወን ናይ ድምጺ ጽልዋ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ስግኣታት እስላማዊ ጂሃድ፡ ቁጠባ ዝደረኾ ፍልሰት፡ ከምኡ'ውን እቲ ዓሌታዊ ተባሂሉ ዝግለጽ ስግኣት ዕብየት ቁጽሪ ህዝቢን ገለ ካብቶም ኣድህቦ ናይዘን ትርኑዓት ሃገራት ዝደረኹ ረቛሒታት ተባሂሎም ክጥቀሱ ይኽእሉ።
"ዓለም፡ ንብድሆታት ኣፍሪቃ ንምፍታሕ ኣብ ጽምዶ ክትኣቱ ኣለዋ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ዓለም ጸገማት ምዃኑ ኣይተርፎን'ዩ" ትብል ዛምቢያዊ ኪኢላ ስነ-ቁጠባ ዶ/ር ዳምቢሳ ሞዮ፡ ኣብቲ ኣብ 2018 ዝጸሓፈቶ፡ "ስግኣት ኣፍሪቃ" ዚኣርእስቱ ዓንቀጽ።
"ካብዚ እዋን'ዚ ንላዕሊ፡ ኣብታ ኣህጉር ሃናጺ ዓለምለኻዊ ጽምዶ ዘድልየሉ እዋን ኣይነበረን። ብዘይካ'ዚ፡ ቁጠባ ዓለም ካብቲ እወታዊ ጽምዶ ብዙሕ ክረብሕ ይኽእል'ዩ" ክትብ ጽሒፋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ምስቲ ንሳ ዝበለቶ ብምስምማዕ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኣመሪካ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ እዋን፡ ኣፍሪቃ "ናይ ጸጥታ ስግኣታትን፡ ክግታእ ዘለዎ ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደተኛታትን እተመንጩ ኣህጉር ጥራይ ኣይኮነትን" ድሕሪ ምባል፡ ንዓለም ናይ ወፍሪ ዕድል እትኸፍት ምዃና ተዛሪቡ ነይሩ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ሩስያን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ቅድድም ጸቡቕ ከም ዘይኮነ ኣጠንቂቑ።
"ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣመንጎ ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ናይ ኢስያ መዛኑአንን፡ ከምዉ'ውን ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብዛዕባ ዘሎ ውድድር ክዝረብ ሰሚዑ ኣለኹ። ኣብ ገለ ገሊኡ፡ ንኣፍሪቃ ከም እትምንጨት ነገር ዝርኢ'ዩ...ከምኡ ከም ዘይኮነት ግን ክነግረኩም እደሊ" ክብል ኬንያታ ገሊጹ።
ውጥን ኣፍሪቃኸ እንታይ'ዩ?
ኣብ 2013፡ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ንዝተፈላለዩ ብድሆታት ናይታ ኣህጉር ንምፍታሕ ሰማያዊ ውጥን ኣዳልዮም። እቲ ውጥን "ኣጀንዳ 2063" ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ቀንዲ ራኢታት ናይቲ ውጥን ከኣ፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ውግኣት ምዕራፍ፡ ትሕተ-ቅርጺ ምምዕባልን ናጻ ናይ ሰብን ኣቑሑትን ምንቅስቓስ ምፍቃድን'ዮም።
ሓደ ካብ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ናይታ ኣህጉር ድማ፡ እቲ ኣህጉራዊ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ኣፍሪቃ (AfCTA) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ብብዝሒ ሃገራት ክምዘን እንከሎ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ስምምዕ ንግዲ እዩ።
እቲ ንግዳዊ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ሃገራት ናይታ ኣህጉር ዘሎ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘመሓይሽን ዘሐይልን ዝዓለመ'ዩ።
እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ስምምዕ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዕንቅፋታት፡ ብፍላይ ድማ ዕዳጋኻ ናይ ምክልኻል ባህሪን፡ ድኹም ትሕተ-ቅርጽታትን ብሓደ ግዜ ዝፈትሕ ኣይኮነን ይብሉ ገለ ተንተንቲ።

ቀንዲ መደባት ኣጀንዳ 2063
- ኩለን ርእሰከተማታትን ቀንዲ ማእከላት ንግድን ኣፍሪቃ፡ ብቅልጡፍ መስመር ባቡር ምርኻብ
- ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝግበር ንግዲ ምቅልጣፍን፡ እታ ኣህጉር ኣብ ዓለም ዘለዋ ንግዳዊ ቦታ ምሕያል
- ምምዕባል ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ፡ ናይ 43 200 ሜጋ ዋት ኢንጋ ግድብ
- ኣፍሪቃውያን ኣብ ውሽቲ ኣህጉሮም ክጓዓዙ፡ ክሰርሑን ክነብሩን ዝዕንቅፉ መሰናኽላት ምእላይ
- ኩሉ ኲናት፡ ውግእ ሕድሕድ፡ ጾታዊ ጎነጽ፡ ጎነጻዊ ግጭታትን ደው ከም ዝብል ምግባርን፡ ምግታእ ዓሌታዊ ምጽናትን
- ምምስራት ሓደ ዕዳጋ መጓዓዝያ ኣየር
- ምሕያል ኢንዱስትሪ ጠፈር ኣፍሪቃ
- ኣብ መርበብ ኢንተርነት ዝተሰረተ 'ኢ-ዩኒቨርሲቲ' ምፍጣር
- ሃብታም ምንጪን መወከስን ሓቀኛ ታሪኽ ኣፍሪቃን ሂወት ኣፍሪቃን ዝኸውን 'ኢንሳይክሎፐዲያ ኣፍሪካና' ምምዕባል
ምንጪ፡ ኣጀንዳ 2063

ይኹን እምበር፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ 2063 ኣብ ግብሪ ከውዕል ኣይካኣለን። ምኽንያቱ ድማ፡ እቲ ሕብረት ኣባል ሃገራት ኣብቲ ዝተሰማማዓሉ ወጥን ኣድህቦ ክገብራ ንምግዳድን ምፍታውን (ካሮቲን በትርን) ጽልዋ ስለዘይብሉ'ዩ ይብል፡ ሚኒስተር ህንጻ ላይበርያ ነበር ግዩድ ሙር።
ንሱ፡ ከም ዝብሎ፡ ኣባል ሃገራት ብዕዳ ወጻኢ ተለጠጠን፡ ዕዳአን ኣብ ምኽፋል ስለዝርከባ፡ ነቲ ውጥን ከም ዝድለ ኣድህቦ ክገብራሉ ኣይክእላን'የን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ነቲ ዘለወን ናይ መጓዓዝያ ትሕተ-ቅርጺ፡ ብፍላይ ጽርግያ ብዝሓሰረ ዋጋ ብምሕያሽ ቁጠባታትን ንምምዕባል፡ ነዚ ሕጂ ኣብታ ኣህጉር ዝረአ ዘሎ ዓቢ ተገዳስነት ብዝግባእ ክትጥቀማሉ ኣለወን ድማ ይብል።
ዋላ'ኳ ኣጀንዳ 2063፡ ኣብ ቁልጡፍ መስመር ባቡር ዘተኮረ እንተኾነ፡ ጽርግያት ቀንዲ ትሕተ-ቅርጺ መጓዓዝያ ኣፍሪቃ'ዮም። ብውሕዱ 80% ኣቑሑትን፡ 90% ሰብን ብጽርግያት ከም ከም ዝሓልፉ ኣፍሪቃዊ ልምዓታዊ ባንክ ይሕብር።
ብሰንኪ ኣብ 49 ሃገራት ትሕተ-ሰሃራ ዘሎ ድኹም ደረጃ ጽርግያ፡ ብዙሕ ህዝቢ ካብ ትምህርቲን ጥዕናን ዝበሉ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ማእከላት ንግዲን ቁጠባዊ ዕድላት ተገሊሎም ይርከቡ ይብል ጸብጻብ ናይቲ ባንክ።
ከም ኣብነት ዝጥቀስ እቲ ኣብ 2015 ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተላበዐ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ'ዩ። እቲ ሕማም ምስ ተራእየ ቀንዲ ብድሆ ኮይኑ ዝነበረ ናይ ጽርግያ ትሕተ-ቅርጺ'ዩ።
ካልእ ነቲ ናብታ ኣህጉር ዝጠመተ ተገዳስነት ብግቡእ ከይትጥቀመሉ ዝገብር፡ ብቑዕን ኣድማዕን ናይ መንግስቲ ቅርጺ (ቢሮክራሲ) ዘይምህላዉ ምዃኑ ኪኢላታት ይዛረቡ። ኣብዚ መዳይ'ዚ ኣፍሪቃ ካብ ቻይና ዓቢ ትምህርቲ ክትቀስም ትኽእል'ያ ድማ ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣር
ሓደ ካብቲ ዘገርም፡ ኣብ ኣፍሪቃ ህጹጽ ፍታሕ ዘድልዮ ጉዳይ ሽቕለት ኣልቦነት ኣብቲ ኣጀንዳ ዘይምጥቃሱ'ዩ። ሰብመዚ ሕብረት ኣፍሪቃ ግን፡ እቶም ተጠቒሶም ዘለዉ መደባት ንፈጠራ ስራሕ ዓቢ ዕድል ዝኸፍቱ'ዮም በሃልቲ'ዮም።
ኣብ 2050 ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ናብ 2.2 ቢልዮን ክዓቢ ምዃኑ ማዕከን ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ። እዚ ማለት፡ ስራሕ ክፈጥሩ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ጸቕጢ ዝፈጥር'ዩ።
እቲ ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ድማ፡ ድኽነት'ዩ። ዋላ'ኳ ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ደረጃ ድኽነት ይጎድል እንተሎ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ይውስኽ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
ናይጀርያን ዶሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን፡ ኣብዘን ዝመጻ 30 ዓመታት፡ 44% ናይ ዓለም ድኻታት ዝነብሩለን ሃገራት ክኾና ምዃነን ብቢል ጌትስ ዝምራሕ ማሕበር ይገልጽ።
ነዚ ድኽነት'ዚ ንምፍታሕ፡ እቲ ጌና ዝግባእ ወፍሪ ዘይረኸበ ሕርሻ ኣፍሪቃ ዓቢ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል ይእመነሉ።
ብሰንኪ'ዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ደረጃ ድኽነት፡ ሰባት ካብ ገጠራት ናብ ከተማታት ብምእታዉ፡ ከተማታት ከዘቕብቡ ምዃኖም ድማ ትጽቢት ይግበር።
ስለዚ ይብሉ፡ ኪኢላታት፡ ነዞም ብድሆታት ንምግጣም፡ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ ዝግበር ዝርርባት፡ ቀዳምነታቶም ብምፍላጥ ዘድልዮም ክሓቱን፡ ናብ ተጨባጢ ስራሕ ክኣትዉን ኣለዎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







