ናብ ወርሒ ጕዕዞ ዝተገበረሉ ጃኬት ብ2.8 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
በዝ ኣልድሪን ናብ ወርሒ ክጕዓዝ እንከሎ ተኸዲንዎ ዝነበረ ጃኬት ብ2.8 ሚሊዮን ዶላር ተሸይጡ።
እዚ ባንዴራ ኣመሪካን ኣርማ ናሳን ዘለዎ ጃኬት፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ብልዑል ዋጋ ክሽየጥ እንከሎ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተሸጡ ኣቑሑ ህዋ ኣሜሪካ እቲ ዝኸበረ ኰይኑ’ሎ።
እዚ ጃኬት፡ ወዲ 92 ዓመት ኣልድሪን ክሸጦ ካብ ዘለውዎ 69 ውልቃዊ ንብረታት እቲ ሓደ ኰይኑ፡ ንክሸጦ ወሲኑ።
ኣፖሎ 11፡ ብ1969 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ወርሒ ክትጓዕዝ እንከላ ኣብ ውሽጣ ካብ ዝነበሩ ሰለስተ ጠፈርተኛታት እቲ ብህይወት ዘሎ በዝ ኣልድሪን ጥራይ እዩ።
ኣልድሪን እትን ኣብ ህዋ ንሽዱሽተ መዓልቲታት ብምጽናሕ፡ ናብ ወርሒ ክወጽእ እንከሎ ነዚ ኣብ እዋን ጉዕዞ እትኽደሎ ሙሉእ ክዳን ተኸዲኑ ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝነበረ ህሞት፡ ኣስታት 650 ሚሊዮን ሰባት ዓለም ብቐጥታ ብቴሌቪዥን ተኸታቲሎምዎ።
ንሱን ኒል ኣርምስትሮንግን ኣብ ወርሒ ንልዕሊ 21 ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕ ናብ ኣፖሎ 11 ምስ ተመልሱ ኣልድሪን እቲ "ዝያዳ ምቹእ" ዝብሎ ኣብ በረራ ዝገብርዎ ጃኬት ቀይሮም።
እዚ ሓዊ ክዝጻወር ተገይሩ ዝተሰርሐን ብቴፍሎን ዝተለበጠ ጻዕዳ ጃኬት፡ ካብቲ ኣብ 1969 ኣብ ጠፈር ዝተገብረ ጕዕዞ ክሳዕ ሕጂ ዝተሸጠ እንኮ ክዳን እዩ።
እቲ ጨረታ ንኣስtኣት 10 ደቒቕ ድሕሪ ምቕጻሉ ኣብ መወዳእታ መንነቱ ዘይተገልጸ ሰብ ብቴሌፎን ከም ዝዓደጎ ነቲ መሸጣ ዝመርሐ ሶተቢ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ ንጨረታ ዝቐረቡ ብሕታዊ ንብረት ኣልድሪን ዝተበላሸወ መወልዒን መጥፍኢን ከምኡ'ውን ኣልድሪን፡ ዝተበላሸው ነገራት ንምጽጋን ዝጥቀመላ ዝnበረት ጸላም ብርዕን ይርከቡዎ።
ብጠቕላላ፡ እቶም ናብ ጨረታ ዝቐረቡ ንብረታት እቲ ኣስትሮናት ብ8.2 ሚሊዮን ዶላር ዝተሸጡ ኰይኖም፡ ናብ ህዋ ዝኸደን ምስታ ጉጅለ ዝተመልሰን መደብ በረራ ብ819 ሽሕ ዶላር ተሸይጡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







