ቲክቶክ ኣብ ህዋ

ምንጪ ስእሊ, NASA
ኣብ ህዋ ብዘይምቍራጽ ነዊሕ ዝተጓዕዘት ኤውሮጳዊት ጠፈርተኛ ተባሂላ ታሪኽ ሰኒዳ ዝጸንሐት እያ።
ሕጂ ድማ ብኻልእ ሓድሽ ታሪኽ ኣብ ዓለም ክትፍለጥ በቒዓ’ላ።
እዚ ሓድሽ ታሪኽ፡ ኣብ ዓለምለኸ መደበር ጠፈር (ISS) ኰይና ቲክቶክ ቪድዮ ዘዳለወት ፈላመይቲ ጠፈርተኛ ብምዃና ዝተመዝገበ እዩ።
ክሪስቶፈሬቲ፡ እቶም ኣብዚ እዋን ኣብ ቲክቶክ ዝፈነወቶም ቪድዮታት ሚልዮናት ዘቝጸር ተረኣይነት ረኺቦም፡ ኮዀብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትከውን ገይሮምዋ ኣለው።
እዛ ፈላመይቲ ኢጣልያዊት ጓለንስተይቲ ጠፈርተኛ ዝዀነት ክሪስቶፈሬቲ፡ ቲክቶክ ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡን ተፈላጥነቱን ንኽበጽሕ ኣበርክቶ ከም ዝገበረት ይዝረበላ’ሎ።
ክሪስቶፈሬቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2014 ( ኣ . ኣ .) እያ ናብ ህዋ ተጓዒዛ። ሽዑ ን 199 መዓልታት ኣብ ዓለምለኸ መደበር ጠፈር (ISS) ብምጽናሕ፡ ዝነውሐ ግዜ ዘመዝገበት ጓለንስተይቲ ጠፈርተኛ ተባሂላ ነይራ።
እንተዀነ እዚ ክብረወሰን ብ 2017 ብፐጊ ዊትሰን፣ ኣብ 2019 ድማ ብክሪስቲና ኮች ተወሲዱ እዩ።
እዛ ጠፈርተኛ ትካል ጠፈር ኣውሮጳ፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ናብ ምድሪ ምስተመልሰት እያ ኣብ ጠፈር ኰይና ዘዳለወቶም ቪድዮታት ትፍኑ ዘላ።
ደራሲ ፊልም ' ዘ ሂችሃይከርስ ጋይድ ቱ ዘ ጋላክሲ ' ዘርእስታ ተኸታታሊ ፊልም ን ዝዀነ ዳግላስ ኣዳምስ ንምዝካር ዘዳለወታ ሓንቲ ፍልይቲ ቪድዮ ኣብ ቲክቶክ ልዕሊ 17 ሚልዮን ግዜ ተራእያ’ላ።
ሓንቲ፡ ካብ ግዜ ምብጋስ ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣብ ጠፈር ዝሰፍሩ ዘሎ ከይዲ ዘርኣየትላ ቪድዮ ድማ ዛጊት [እዚ ጽሑፍ ክሳብ ዝተዳለወሉ እዋን] ጥራይ 1.2 ሚሊዮን ግዜ ተራእያ ’ ላ።
ክሪስቶፈሬቲ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ካብ ሃዋሁ ምድሪ ሓሊፎም ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ትኣምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







