‘ቫለንታይንስ ደይ’፡ መዓልቲ ፍቑራት ልምዲ ድዩ እምነት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ መዓልቲ ፍቑራት እዩ፤ እዚ ማለት እዛ ዕለት ንፍ-ቕ-ሪ ዝተወፈየት መዓልቲ እያ።
‘ቫለንታይንስ ደይ’ ብዝብል ዝፍለጥ መዓልቲ ፍቑራት፡ ኣብ መላእ ዓለም በብዓመቱ ኣብ 14 ለካቲት ይኽበር።
ንሓያሎ ሰባት እዛ ዕለት ፍልይቲ እያ፤ ካርድ፡ ዕምባባ፡ ቸኮሌት ዝኣመስሉ ዝተፈላለዩ ህያባት ብምልኣኽ ንኻልእ ሰብ ዘለዎም ፍቕሪ ዘርእዩሉ እዋን እዩ።
እዛ መዓልቲ ተፈታዊት እያ፣ ብሓቂ ግን እንታይ ማለት እያ? ብኸመይከ ተጀሚራ?
ቅዱስ ቫለንታይን
ስም እዛ መዓልቲ ካብ ሓደ ፍሉጥ ቅዱስ እዩ ተዋሂብዋ፤ ብሓቂ ግን ቫለንታይን መን ከም ዝነበረ ኣይፍለጥን።
ብዛዕባ ቫለንታይን ሓያሎ ዛንታታት ኣለዉ፤ ኵሎም ድማ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም።
ሓደ ብብዙሓት ዝእመን ቅዱስ ቫለንታይን ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ካህን ከም ዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።
ሃጸይ ክላውድዮስ ዳግማዊን ሰራዊቱን ኣብ ብዙሕ ውግኣት ይሳተፉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ሮማውያን ዝተመርዓዉ ደቂ ተባዕትዮ ግን ኣንስቶምን ስድራቤቶምን ገዲፎም ናብ ውግእ ክኣትዉ ብዙሕ ድሌት ስለ ዘይነበሮም ኣዝዮም ንፉዓት ወተሃደራት ከም ዘይኰኑ ይኣምን ነይሩ።
ስለዚ፡ ሓዳር ክእገድ ወሲኑ።
እንተዀነ ቫለንታይን፡ እቲ ስጕምቲ ፍትሓዊ ኣይመሰሎን፣ ስለዚ ነቲ ሕጊታት ብምጥሓስ ብሕቡእ ሓዳር ንምምስራት ክሕግዝ ጀሚሩ።
ክላውድዮስ ነዚ ምስ ፈለጠ፡ ቫለንታይን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዩን ንሞት ተፈሪዱን።
ኣፈ-ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ጓል እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ።
ብ14 ለካቲት ክቕተል እናተወስደ እንከሎ ድማ "ካብ ቫለንታይንኪ" ዝብል ናይ ፍቕሪ ደብዳበ ሰዲዱላ።
ካልኦት ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ቅዱስ ቫለንታይን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሃጸይ ክላውድዮስ ዳግማዊ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረሎም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሮማውያን ከምልጡ ይሕግዝ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዓልቲ ፍቑራት ብኸመይ ጀሚሩ?
ፍሉይ መዓልቲ ፍቑራት ምህላው ኣዝዩ ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። ካብ በዓል ሮማውያን ዝመጽአ እዩ ተባሂሉ ድማ ይግመት።
ሮማውያን፡ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ምጅማር ጽድያኦም ዝጽንብልሉ ሉፐርካልያ ዝበሃል በዓል ነይርዎም።
እቲ በዓል ብዙሕ ዝተፈላለየ ስርዓታት ዝፍለጥ ነይሩ።
ሓደ እምነት፡ ከም ኣካል ናይቲ ጽምብል፡ ኣወዳት ካብ ሳንዱቕ ኣስማት ኣዋልድ ከም ዕጫ ይወስዱ ነይሮም።
ኣብ እዋን በዓል ኣፍቃሪን ኣፍቃሪትን ይዀኑን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ይምርዓዉን ነይሮም። ይዅን እምበር እዚ ብርግጽ ሓቂ ድዩ ኣይኰነን ኣይፍለጥን።
ድሒሩ ቤተክርስትያን ነዚ በዓል ናብ ክርስትያናዊ ጽምብል ክትቅይሮ ስለ ዝደለየት፡ ንቅዱስ ቫለንታይን እውን ንምዝካር ክትጥቀመሉ ወሲና።
በብቝሩብ ድማ ስም ቅዱስ ቫለንታይን፡ ሰባት ንዝፈትውዎም ስምዒቶም ንምግላጽ ክጥቀምሉ ጀሚሮም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



