‘ቫለንታይንስ ደይ’፡ መዓልቲ ፍቑራት ልምዲ'ዶስ እምነት?

ብቅርጺ ልቢ ዝተዳለወ ዉህብቶ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ መዓልቲ ፍቑራት እዩ፤ እዚ ማለት እዛ ዕለት ንፍ-ቕ-ሪ ዝተወፈየት መዓልቲ እያ!

‘ቫለንታይንስ ደይ’ ብዝብል ዝፍለጥ መዓልቲ ፍቑራት፡ ኣብ መላእ ዓለም በብዓመቱ ኣብ 14 ለካቲት ይኽበር።

ንብዙሓት ሰባት ኣብ ዓመት ፍሉይ እዋን እዩ። ሰባት ካርድ፡ ዕምባባ፡ ቸኮሌት ዝኣመስሉ ብምልኣኽ ንኻልእ ሰብ ዘለዎም ፍቕሪ ዘርእዩሉ እዋን እዩ።

እዛ መዓልቲ ተፈታዊት እያ። ብሓቂ ግን እንታይ ማለት እያ? ብኸመይከ ተጀሚራ?

ቅዱስ ቫለንታይን

ስም እዛ መዓልቲ ካብ ሓደ ፍሉጥ ቅዱስ እዩ ተዋሂብዋ፤ ብሓቂ ግን ቫለንታይን መን ከም ዝነበረ ኣይፍለጥን።

ብዛዕባ ቫለንታይን ሓያሎ ዛንታታት ኣለዉ፤ ኵሎም ድማ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ እዮም።

ሓደ ብብዙሓት ዝእመን ቅዱስ ቫለንታይን ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ካህን ከም ዝዀነ'ዩ ዝገልጽ።

ሃጸይ ክላውድዮስ ዳግማዊን ሰራዊቱን ኣብ ብዙሕ ውግኣት ይሳተፉ እኳ እንተነበሩ፡ ሮማውያን ዝተመርዓዉ ደቂ ተባዕትዮ ግን ኣንስቶምን ስድራቤቶምን ገዲፎም ናብ ውግእ ክኣትዉ ብዙሕ ድሌት ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ንፉዓት ወተሃደራት ከምዘይኰኑ ይኣምን ነይሩ።

ስለዚ ሓዳር ክእገድ ወሲኑ።

እንተዀነ ቫለንታይን፡ እቲ ስጕምቲ ፍትሓዊ ኣይመስሎን፣ ስለዚ ነቲ ሕጊታት ብምጥሓስ ብሕቡእ ሓዳር ንምምስራት ክሕግዝ ጀሚሩ።

ክላውድዮስ ነዚ ምስ ፈለጠ ቫለንታይን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዩ ንሞት ተፈሪዱ።

ኣፈ ታሪኽ ከም ዝሕብሮ፡ ምስ ጓል እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ፍቕሪ ወዲቑ።

ብ14 ለካቲት ንክቕተል ክውሰድ እንከሎ ድማ "ካብ ቫለንታይንኪ" ዝብል ናይ ፍቕሪ ደብዳበ ሰዲዱላ።

ካልኦት ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ቅዱስ ቫለንታይን ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሃጸይ ክላውድዮስ ዳግማዊ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝግበረሎም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሮማውያን ንኸምልጡ ይሕግዝ ነይሩ።

ኣብ ዳብሊን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ዋይትፍሪየር ዝርከብ ሓወልቲ ቅዱስ ቫለንታይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዳብሊን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ዋይትፍሪየር ዝርከብ ሓወልቲ ቅዱስ ቫለንታይን

መዓልቲ ፍቑራት ብኸመይ ጀሚሩ?

ፍሉይ መዓልቲ ፍቑራት ምህላው ኣዝዩ ዝጸንሐ ልምዲ እዩ። ካብ በዓል ሮማውያን ዝመጽአ እዩ ተባሂሉ ድማ ይግመት።

ሮማውያን፡ ኣብ መፋርቕ ለካቲት ምጅማር ጽድያኦም ዝጽንብልሉ ሉፐርካልያ ዝበሃል በዓል ነይርዎም።

እቲ በዓል ብዙሕ ዝተፈላለየ ስርዓታት ዝፍለጥ ነይሩ።

ሓደ እምነት፡ ከም ኣካል ናይቲ ጽምብል፡ ኣወዳት ካብ ሳንዱቕ ኣስማት ኣዋልድ ከም ዕጫ ይወስዱ ነይሮም።

ኣብ እዋን በዓል ኣፍቃሪን ኣፍቃሪትን ይዀኑን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ይምርዓዉን ነይሮም። ይዅን እምበር እዚ ብርግጽ ሓቂ ድዩ ኣይኰነን ኣይፍለጥን።

ድሒሩ ቤተ ክርስቲያን ነዚ በዓል ናብ ክርስትያናዊ ጽምብል ክትቅይሮ ስለ ዝደለየት ንቅዱስ ቫለንታይን እውን ንምዝካር ክትጥቀመሉ ወሲና።

በብቑሩብ ድማ ስም ቅዱስ ቫለንታይን፡ ሰባት ንዝፈትውዎም ስምዒቶም ንምግላጽ ክጥቀሙሉ ጀሚሮም።