ገለ ሰባት ስለ ምንታይ'ዩ ጣዕሳ ወይ ሕፍረት ዘይስምዖም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ትዕቢት፡ ዓቕለ-ጽበት፡ ቅንኢ፡ ገበነኝነት ካብ ዝኣመሰሉ ንስምዒታት ርእሰ-ስክፍታ ወይ ሽቝረራ ዝገልጹ ኵነታት፡ ሕፍረት ሓደ እዩ።
ኵሎም እዞም ስምዒታት ምስቲ ንገዛእ ርእስና እንርእየሉን ከምኡ'ውን ካልኦት ንዓና ዝርእይሉን ኢልና እንሓስቦ ወይ እንኣምነሉ ኣገባብ ዝተኣሳሰሩ እዮም።
ገበነኝነትን ሕፈረትን ሓደ ገይሮም ዝሓስቡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ፤ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ግን ኣብ መንጐ ክልቲኦም ስምዒታት ርኡይ ፍልልይ ኣሎ ይብሉ።
ገበነኝነት ማለት ጌጋ ከም ዝፈጸምና ምስ እንኣምን ዝስምዓና ዘይምቹእ ስምዒት እዩ።
ሕፍረት ግን ብመሰረቱ ኣባና ሕማቕ፡ ዘይቅኑዕ ወይ ጌጋ ነገር ኣሎ ኢልና ምስ ንኣምን ዝፍጠር ዘይምቹእ ስምዒት እዩ።
እዚ ስምዒት ምናልባት ብሰንኪ ዝገበርናዮ ነገር ወይ ከም ሰባት ኣብ ልዕሌና ዘለዎም ኣተሓሕዛ ዝኣመሰሉ ካልኦት ምኽንያታት ዝመጽአ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስለ ምንታይ ሕፍረት ይስምዓና?
በብእዋኑ ብመጠኑ ሕፍረት እንተተሰማዐና ዘይተለምደ ኣይኰነን። እዚ ዋላ እኳ ምቹእነት ክትስእን ዝገብር እንተዀነ ገለ ረብሓታት ክህልዎ ግን ተኽእሎ ኣሎ።
ብመንጽር ፍልቀት ክርአ እንከሎ፡ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮን ስነ-ሰብን፡ ኣባል ሓደ ጉጅለ ምዃን ንህላወ ብዙሓት ኣቦታትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ፤ ሕፍረት ድማ ምስ ሕግታትን ውዕላትን እቲ ጉጅለ ተሰማሚዖም ክነብሩን ብኡ መሰረት ክዋስኡን ይሕግዞም።
እዚ ብከመይ ከም ዝሰርሕ ንርአ።
ኣንጻር ረብሓታት ጕጅለና እንተተዋሲእና፡ ንኣብነት ካብቲ ርትዓዊ ብጽሒትና ዝዛይድ መግቢ እንተወሲድና፡ ብሰንኪ'ዚ ተግባር ጽዑቕ ሕፍረት ክስምዓና ይኽእል።
ምናልባት ኣባላት እቲ ጕጅለ ብንጥፈት ሕፍረት ክስማዓና ዘተባብዑ ነገራት ክፍጽሙ ይኽእሉ።
እዚ ሕፍረት ካብ ዝዀነ ሓላፊ ስምዒት በደል ንላዕሊ ምሳና ዝጸንሕን ዝያዳ ሓያልን ስምዒት ይኸውን።
ብሓቂ ክርአ እንከሎ፡ 'ኣባና ጌጋ ኣሎ' ዝብል ሓያል ዘይምቾት ዝፈጥር ስምዒታዊ፡ ኣብ ቀጻሊ ንኽንእርሞ፡ ካብቲ ሕሱር ስምዒታት ንነብስና ንምውጻእ ንሕግታት ናይቲ ጉጅለ ክነኽብር ዳግማይ ቃል ክንኣቱ ኣዝዩ ክድርኽ ይኽእል እዩ።
እዚ ድማ ምስ ግዜ ካብቲ ጉጅለ ተቐባልነት ክንረክብ ዕድል ይኸፍተልና፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ምድሓን ዕድልና ክብርኽይኽእል።
ሕፍረት ከከም ሰቡ ይፈላለ
ኵላትና ንከም ፍርሒ፡ ሕርቃንን ጽልእን ዝኣመሰሉ ቀንዲ ስምዒታት ክሳብ ክንደይ ተቓላዕቲ ምዃንና ይፈላለ እዩ።
ኣብ ሕፍረት ክንመጽእ እንከለና'ውን፡ ነቲ ስምዒት እነተኣናግደሉ ኣገባብ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ተመሳሳሊ ኣይኰነን።
ካብ መጠን ንላዕሊ ዝስማዓና ሕፍረት ድማ ብሓፈሻ ከዳኽመና ተኽእሎ ኣሎ፤ ኣዝዩ ልዑል ሕፍረት ድማ ጠንቂ ዝተፈላለዩ ጸገማት ጥዕና ኣእምሮ ይመስል።
ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ እንፍጽሞ ንእሽቶ ጌጋ፡ ወይ ካልኦት ሰባት ፈጺምናዮ ኢሎም ዝሓሰብዎ ንእሽቶ ጌጋ ከይተረፈ ስዒቡ ዝስማዓና ብርቱዕ ሕፍረት እስኪ ሕሰቡ።
ሕፍረት ብቐሊሉን ብዙሕ ግዜን ዘጋጥሞም ሰባት፡ ከም ቅዛነት፡ ጭንቀት (ብፍላይ ማሕበራዊ ጭንቀት)፡ ጸገማት ኣመጋግባ፡ ጸገማት ወልፍን ከም ዶባዊ ስብእና ዝኣመሰሉ ጸገማት ኣእምሮ ከጋጥሞም ዝለዓለ ሓደጋ ክህሉ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ።
ሕፍረት ኣዝዩ ዘይምቹእ ስምዒት እዩ ኢልና ምስ ኣሉታዊ ሓሳባትን እምነታትን እንተኣተኣሳሲርናዮ፡ ከም ማሕበራዊ ንጽገት ከጋጥመና እንተተጸበና ወይ ብገለ መንገዲ ብዕምቆት ከም ዝተጎዳእና እንተኣመንና ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብካልእ ወገን ድማ ዝዀነ ጌጋ ፈጺሞም ሕፍረት ዘይስምዖም ሰባት ኣለዉ።
ተመክሮ ሕፍረት ሰባት ምስ ማሕበራዊ ትጽቢታት ንኽሰማምዑ ኣበርክቶ ዝገብር እንተዀይኑ፡ ዘይሓፍሩ ሰባት ዝያዳ ናጻ ዝዀነን ሓልዮት ዘይብሉን ህይወት ክመርሑ ይኽእሉ'ዶ?
ብዘይ ሕፍረት ንነብሶም ዘወዓውዑ ውልቀሰባት ምርካብ ቀሊል እዩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ሰባት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣጀንዳታት ንምስጓም ማሕበራዊ ሕግታት ዕሽሽ ይብሉ።
ብፍላይ ገለ ህዝብነተኛ (populist) መራሕቲ ፖለቲካ ኣብዚ መዳይ ምጥቃስ ይከኣል።
ገለ ካብዚኦም ናብ ዓወት ዝወስድ መንገዲ ንምምችቻው ክሕስዉን ከታልሉን ዝኸብዶም ኣይመስሉን።
ከምዚኦም ዝበሉ መራሕቲ ፖለቲካ፡ ብብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ መራኸቢ ብዙሃን 'ዘይሓፍሩ' ተባሂሎም ክጽውዑ ንሰምዕ ኢና።
ገለ ኣቓልቦ ዝጠልቡ ኰኸባት፡ ምዝባዕ ዘጋጠሞም ሰብ ሃፍትን ተንኰስቲ ስነ-ጥበባውያንን እውን ካብ ሕፍረት ነጻ ኰይኖም ክዋስኡ ተኽእሎ ኣሎ።
እዚኦም መብዛሕትና ክንርሕቖም እንደልዮም ዓይነት ገበናት፡ ጌጋታትን ቁጥዐን ክፍጽሙ ይኽእሉ እዮም።
ምስ'ዚ ኵሉ ግን ዋላ ሓንቲ ጌጋ ከምዘይፈጸሙ (ወይ እንተፈጺሞም ድማ ናቶም ጌጋኦም ከም ዘይኰነ) ኣሚኖም ስርሖም ክቕጽሉ ንርኢ ኢና።
ዝዀነ ጌጋ ከም ዘይብሎም ክሓስቡ ይኽእሉ - ንሕና ዝተረፍና ሰባት መፍትሒ ከም ዘድልየና ክኣምኑ'ውን ዕድል ኣሎ።
ኣብዚ ኵሉ መስተርእየቶም ንህዝቢ የለዓዕል፤ ነዚ ድማ ሓድሓደ ግዜ ብርግጽ ንረብሓኦም ዝጥቀሙሉ ኣለዉ።
ገለ ሰባት ስለምንታይ እዮም ሕፍረት ዘይስምዖም?
ናይ'ዚ ምኽንያት ግምታዊ'ኳ እንተዀነ፡ ገለ መጽናዕትታት ኣብ መንጐ ምንዋጽ ኣእምሮነ [psychopathy] ንሕፈረት ዝህሉ ትሑት ተቓላዕነትን ምትእስሳር ከም ዘሎ የመልክቱ።
ከምኡ'ውን 'ዕዉታት ንውጽ ኣእምሮ' ኣብ ዝበሃል ነገር ዘሎ ንቕሓት እናወሰኸ ምኻዱ ኣብ ግምት ምእታው ትርጉም ዝህብ እዩ።
ምንዋጽ ኣእምሮ (psychopathy) ሓደ ካብቶም 'ዳርክ ትሪያድስ' ብዝብል ዝፍለጡ ጸገማት ኣእምሮ እዩ።
'ዳርክ ትሪያድስ' (dark triad) ንሰለስተ ኣሉታዊ ባህርያት ስብእና ዝገልጽ ክልሰ-ሓሳብ ስብእና እዩ።
እዚኦም ድማ ናርሲዝም፡ ማክያቨልያኒዝምን ሳይኮፓቲን እዮም።
እዞም ባህርያት እዚኣቶም ከም ማሕበራዊ ጽልኢ ዝቑጸሩን ምስ ምትላል፡ ሓልዮት-ኣልቦነትን ዝሑል ስምዒታዊነት ምትስእስሳር ኣለዎም።
ምልክታት ምንዋጽ ኣእምሮ ድማ ዘይቅኑዕ ውበት፡ ግብታውነት፡ ልዕሊ ዓቀን ርእሰ-ምትእምማን (ከምኡ'ውን ትሑት ጭንቀት) ከምኡ'ውን ጭካነን እዮም።
ብፍላይ ልዕሊ ዓቀን ርእሰ-ምትእምማን ጭካነን እቲ ሰብ ሕፍረት ንኸይስምዖ ኣበርክቶ ክገብራ ከም ዝኽእላ ኣየጠራጥርን።
ኣብ ልዕሊ ዓቐን ርእሰ-ምትእምማንን ጭካነን ክመጽእ እንከሎ፡ ዕዉታት ንውጽ ኣእምሮኣዊ ልዑል ነጥቢ ከመዝግቡ ይኽእሉ እዮም።
እንተዀነ ግን ክሳብ ክንድኡ ንግብታውነትን ዓመጽ ዝመልኦ ገበን ንምፍጻምን ዝተቓልዑ ኣይኰኑን።
ካብ ሕፍረት ናጻ ምዃኖም እውን ኣብ ዓወቶም ከመይ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዝኽእል ምርዳእ ቀሊል እዩ።
ሓሓሊፉ፡ ማሕበራዊ ሓደጋታት ክወስዱ ዘለዎም ዓቕሚ፡ ፍረ ክረኽቡ የኽእሎም እዩ።
ፍልቀት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮ፡ ነዚ ኣገባብ ህይወት 'ስትራተጂ ምትላል' ኢሎም ይገልጽዎ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል እትሰርሕ ክኢላ ስነ-ኣእምሮ ሚና ልዮንስ ኣብ ጆርናል ኦፍ ሳይኮሎጂ ኣብ ዘሕተመቶ ጽሑጽ፡ "ሳይኮፓቲ ከም ፍልቀት፡ ብጀነቲካዊ ጽልዋ ዝተጸልወ ስትራተጂ ምትላል ኰይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ ምትላል ዝሕግዝ ውህሉል ክእለትን ሕጽረታትን ዘጠቓልል'ዩ" ክትብል ትገልጾ።
ናታ ርኽበታት፡ ኣብቶም ኣብ ምንዋጽ ኣእምሮ ልዑል ነጥቢ ዘመዝገቡ ሰባት ትሑት ናይ ሕፍረት ተቓላዕነት ከምዘሎ ዘረጋግጹ እዮም።
እዚ ናይ ስምዒት ሕፍረት (ከምኡ'ውን ገበነኛነት) ዘይምህላው 'ንልዑል ምንዋጽ ኣእምሮ ዘለዎም ውልቀሰባት ጣዕሳ ከይተሰምዖም ንኻልኦት ናይ ምምዝማዝ ዓቕሚ' ክህቦም ከምዝኽእል ወሲኻ ትጠቅስ።
ኣብዚ ዘመን እዚ፡ ሰባት ብተደጋጋሚ ብኢንተርነት ሓደ ሓደ ግዜ ብዝቐለለ ጥሕሰት ከይተረፈ ንሕፍረት ኣብ ዝቃልዑሉ እዋን፡ ሕፍረት ዘስዕቦ ሓደጋታትን ዘይምቾትን ፍጹም ዘየጨንቖም ሰባት ምርኣይ ዝያዳ ዘገርም ክኸውን ይኽእል።
ብርግጽ ኣብ 2021 'ዋት'ስ ኣፕ ዊዝ ኣ**ሆል?' ዘርእስታ መጽሓፍ ዘሕተመ ኣመሪካዊ ተመራማሪ ጀረሚ ሸርማን፡ 'ሜታ-ሼምለስነስ' (ክንዮ-ዘይሕፍረት) ዝበሃል ነገር ከምዘሎ ይማጐት።
እዚ ድማ ሕፍረት ዘይብሎም ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብዚ ባህርዮም ኣብ ዝሕጎሱ ሰባት ተራእዩ።
ዘይምሕፋር 'ሓርነት' እንተዀይኑ፡ ክንዮ-ዘይሕፍረት ድማ "... ንነብስኻ ጆከርን መዐወቲ ካርታን ምሃብ'ዩ። ዝዀነ ነገር ክትገብር ትኽእል፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ቅኑዕ፡ ግቡእ፡ ዘየካትዕን እትሕበነሉን እምበር እትሓፍረሉ ነገር ኣይኰነን" ይብል ደራሲ ጀረሚ ሸርማን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







