ክንጽሊ እንከለና ኣብ ሓንጐልና እንታይ ይፍጠር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉጥ እንግሊዛዊ ጸሓፊ ሲ.ኤስ. ሉዊስ ጸሎት ንብዙሓት እንታይ ማለት ምዃኑ ብግቡእ ገሊጽዎ ኣሎ።
ሓደ እዋን እቲ ደራሲ “ዋላ ሓንቲ ክገብር ስለዘይክእል እየ ዝጽሊ፤ ልበይ ስለ ዝተሰብረ እየ ዝጽሊ። ክጽሊ እየ፤ ምኽንያቱ ደቂሰ ይኹን ነቒሐ ከምኡ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ወትሩ ናብ ውሽጠይ ስለዝመላለስ። (ጸሎት) ንፈጣሪ ኣይቅይሮን፤ ነዓይ ግን ይቕይረኒ እዩ” ኢሉ ነይሩ።
ተኸታታሊት መደብ ሳይንስ ቢቢሲ ‘ክራውድሳይንስ’ ዝዀነት ሂላሪ’ውን ኮፍ ኢላ ወይ ጕዕዞ እግሪ እናገበረት ክትጽሊ እንከላ ተመሳሳሊ ስምዒት ይስምዓ።
“ክጽሊ ከለኹ ምስ ኣምላኽ ርክብ ዘለኒ ኰይኑ ይስምዓኒ። ጸሎት ብዙሕ ፍልልያት ኣለዎ። ብዘይ ቃላት ስቕ ኢልካ ክግበር ይከኣል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብጕጅለ ዝካየድ ጸሎት ክኸውን ይኽእል” ትብል።
"ጸሎት ንኣእምሮን ጥዕና ኣእምሮን ብኸመይ ይጸልዎ?" ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን’ዩ።
ኣዳለውቲ መደብ ‘ክራውድሳይንስ’ ቢቢሲ፡ ኣብ ሓንጐል ናይቶም ዝጽልዩ ሰባት እንታይ ከም ዘጋጥም ንምግንዛብ ከምኡ’ውን እዚ ኣገባብ እዚ ናይ ግድን ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር ድዩ ወይስ ኣብ ተመስጦ ክህሉ ዝኽእል’ዩ ዝብል ንምርዳእ ምስ ክኢላታት ዘተ ኣካይዶም ነይሮም።
ሓንጐል
ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ቶማስ ጀፈርሰን ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ዳይረክተር መጽናዕቲ ሓንጐል ኣንድሪው ኒውበርግ፡ ጸሎትን ካልእ ሃይማኖታዊ ተግባራትን ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ተሓከምቱ ዘለዎ ጽልዋ ዘተኰረ መጽናዕቲ ኣካይዱ ነይሩ።
ንሱ ዝርከቦ ጕጅለ ሓኻይምን ተመራመርትን ድማ ‘ኤምኣርኣይ ስካን’ ብምጥቃም፡ ሓደ ሰብ ክጽሊ እንከሎ ኣየኖት ክፋላት ሓንጐሉ ንጡፋት ከምዝዀኑ ክፈልጥ ክኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“እቲ ዝውቱር ኣገባብ ጸሎት ዝበሃል ሓደ ሰብ ነቲ ጸሎት ናይ ምግባር ልምዱ ክደጋግሞ ከሎ እዩ። ዝዀነ ሰብ ከምኡ ክጽሊ ከሎ ከኣ ካብ መንጐ ዝንቀሳቐሱ ክፋላት ሓንጐል እቲ ሓደ ብቕሚት (ብግንባር) ዘሎ ክፋል እዩ" ክብል እቲ ክኢላ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።
እዚ ዘገርም ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ጉዳይ ብዕምቈት ክነተኩር ከለና ዝንቀሳቐስ ክፋል ሓንጐል እቲ ብቕድሚት ዘሎ ስለዝዀነ። ንኒውበርግ ዘግረመሉ ጉዳይ ግን ሰባት ኣብቲ ንሱ "ዓሚቝ ጸሎት" ክብል ዝገልጾ ተግባር ክኣትዉ ከለዉ ዘጋጥም ነገር እዩ።
“ዝዀነ ሰብ እቲ ጸሎት ይሕግዞ ከም ዘሎ ምስ ዝስምዖ ንጥፈታት ናይቲ ብቕድሚት ዘሎ ክፍሊ ሓንጐል ይንኪ። እዚ ዝኸውን ከኣ እቲ ውልቀሰብ ልምድታቱ ዝብገሱ ካብ ባዕሉ ዘይኰነስ ብናይ ደገ ሓይሊ ከምዝዀነ ምስ ዝስምዖ'ዩ" ይብል እቲ ተመራማሪ።
ንሱ ከምዝበሎ፡ ዓሚቝ ጸሎት ኣብቲ ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ሓንጐል ዝርከብ ‘ፓሪየታል ሎብ’ ንዝህሉ ንጥፈታት ይንክዮ። እዚ ክፋል ሓንጐል ካብ ህዋሳት ስምዒት ሓበሬታ ተቐቢሉ ስእላዊ ውክልና ዝፈጥር’ዩ።
ብዕምቆት ኣብ ዝጽልዩ ሰባት ኣብ ‘ፓሪየታል ሎብ’ ዝህሉ “ንጥፈታት እናወሓደ ብዝኸደ መጠን፡ ንነብሶም ዝህልዎም ግንዛበ እናጠፍአ ዝያዳ ስምዒት ሓድነትን ምትእስሳርን ከምዘማዕብሉ ኣንድሪው ኒውበርግ ይገልጽ።
ጉዳይ እምነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኒውበርግ ዝሃቦ መግለጺ ንሂላሪ ትርጕም ኣለዎ። ነዚ ከኣ ምስቲ ክትጽሊ ከላ ዝስምዓ ስምዒት ተታሓሕዞ።
"ብዛዕባ ምጉዳል ውልቃዊ ስምዒታት እናስተንተንኩ ክጽሊ ከለኹ፡ እዚ ኵነታት ምስቲ ምስ ፈጣሪ ዝስምዓኒ ርክብ ዝተኣሳሰር ከምዝዀነ እግምት" ትብል።
ጸሎት ኣብ ውልቃዊ ተመኵሮ ዝምስረት ልምዲ እዩ። ንሂላሪ ኣብ ጫካ ኮፍ ኢላ ወይ ክትከይድ ከላ ክመጽእ ይኽእል። ንኻልኦት ድማ ብፍጹም ጸጥታ ወይ ብዝማረ ምስ ፈጣሪ ዝግበር ዝርርብ ክኸውን ይኽእል።
ምስ ጸሎት ዝመሳሰሉ ኰይኖም ግን ከኣ ዋላ ሓደ ሃይማኖታዊ መሰረት ዘይብሎም ተግባራት፡ ኣብ ሰባት ተመሳሳሊ ጽልዋ ክህልዎ’ዶ ይኽእል?
ክኢላ ኣስተንትኖ ወይ ተመስጦ (ሜዲቴሽን) ቴሳ ዋት፡ “ጸሎትን ተመስጦን ዝዀነ ሰብ ንኽረጋጋእ ከምዝሕግዙ እየ ዝሓስብ። ስለዚ ሰባት ንርእሶም ዝያዳ ግዜ ክህልዎም ይኽእል። ከምኡ ስለዝዀነ ከኣ [ጸሎትን ተመስጦን] ንተመሳሳሊ ስርዓተ መትኒ እዮም ዘነቓቕሑ" ትብል ዋት።
ስርዓተ መትኒ ንመብዛሕትኡ ባህርያዊ ምላሽ ኣካላትና ብዝቈጻጸሩ ክልተ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ዝቘመ እዩ።
በቲ ሓደ ሸነኽ ኣካላትና ንዘጋጥሞ ዝዀነ ይዅን ሓደጋ ብምቅላስ ወይ ብምህዳም ቀልጢፉ ምላሽ ይህብ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣካላትና ነቲ ዘጋጥሞ ኵነታት "ብዕረፍትን ጽሞናን" ዝሰግረሉ መገዲ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራማሪ ሓንጐል ኣንድሪው ኒውበርግ፡ ኣብ እዋን ዘካየዶ መጽናዕቲ እቶም ብኤምኣርኣይ ዝተሳእሉ ኣሳእል ካልኦት ምስ ዓሚቝ ጸሎት ዝመሳሰሉ ኵነታት ምህላዎም ከምዘረጋገጹሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
“ልዑል ዓቕሚ ኣብ ዘለዎም ሰብ ሞያ ሙዚቃ ኣዝዮም ዘሐጕሱ መጽናዕትታት ተኻይዶም’ዮም። እቶም ሰብሞያ ሙዚቃ ክለማመዱ ምስ ጀመሩ ኣብቲ ብቕድሚት ዘሎ ክፋል ሓንጐሎም ዝህሉ ንጥፈታት ይንኪ። ንገሊኦም እቲ ሙዚቃ ከምቲ ፈጣሪ ባዕሉ ዝደረሰሎም ኰይኑ ክሳብ ዝስምዖም ዝበጽሕ ይመስል" ይብል እቲ ሳይንቲስት።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







