ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ደቂኣንስትዮ ካህናት ንምግባር ዝወጠነቶ ተቓውሞ ገጢሙዎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ሓደ ወርሒ ዝወሰደ ጉባኤ ቫቲካን፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ደቂኣንስትዮ ዝያዳ መሪሕነት ክህልወን ፃውዒት ብምቕራብ ተዛዚሙ።
እቲ ጉባኤ ካብ ትፅቢት ሓደሓደ ገስገስቲ ወፃኢ ብምዃን፡ ደቂኣንስትዮ ካህናት እታ ቤተ-ክርስትያን ክኾና እንከይፀወዐ ተሪፉ።
ሲኖዶስ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ እቲ ኣመለኻኽታ ሕድሕድ ካቶሊካዊ ዝልከዐሉ ኣብ ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ግዘ ዝሳለጥ ጉባኤ ዛዚሙ ኣሎ።
ጳጳስ ፍራንሲስ እቲ ብልሙድ ዋዕላ ኣቡናት ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣኼባ ንገለ ኣመንቲ ክፉት ብምግባር፡ ኣስታት 60 ደቂኣንስትዮ ንዝርከብኦም 368 ድምፂ ዝህቡ ልኡኻት ኣካቲቶም።
ኩሎም ኣባላት ሲኖዶስ ኣብ ሕድሕድ 151 እማመታት ድምፂ ሂቦም።
ዋላ’ኳ ኩሎም እማመታት ክልተ-ሲሶ ድምፂ ብምርካብ ዝሓለፉ እንተኾኑ፡ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ግና፡ አቲ እቲ ትፅቢት ዝተገብሮ ውጥን ከይኰነ ተሪፉ።
ኣብታ ብደቂተባዕትዮ ካህናት ዝተዓብለለት ቤተ-ክርስትያን፡ ደቂኣንስትዮ ካህናት ኰይነን ከገልግላ ዝብል ውሳነ-ሓሳብ፡ ብድምፂ ብልጫ “ኣይፋሉን” ብዝብል ተቐባልነት እንከይረኸበ ተሪፉ።
ደቂኣንስትዮ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዓብይ እጃም ክህልወን ዝሓቱ ተሓለቕቲ፡ እቲ ሲኖዶስ ደቂኣንስትዮ ዲያቆናት ክኾና ክውስን ተተስፍዮም ነይሮም።
እንተኾነ እቲ ሲኖዶስ ነዚ ሓሳብ ንቅድሚት ኣየሰጐሞን።
ናይ መወዳእታ ሰነድ እቲ ሲኖዶስ ግና፡ “ደቂኣንስትዮ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ልዑል ግደ መሪሕነት ከይህልወን ዝገትእ ዝኾነ ምኽንያት የለን” ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ ደቂተባዕትዮ ጥራሕ ዲያቆናት ክኾኑ እያ ትፈቅድ። እንተኾነ ጥምቀት፣ መርዓን ስርዓተ ቀብርን ካብ ምፍፃም ሓሊፎም፡ ከም ኣቕሽሽቲ ስርዓተ ቅዳሴ ክመርሑ ኣይፍቀድን።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ጉጅለታት ፅገና፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ንሕደ-ፆታውያን ብዝሐሸ መንገዲ ክትቕበል’ያ ዝብል ተስፋ እኳ እንተነበሮም፡ እቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ግና “ብኩነታት ሓዳር፣ ብመንነቶምን ፆታዊነቶምን ዝተገለሉ ወይ ዝተፈረዱ” ኢሉ ካብ ምጥቃስ ብዝዘለለ፡ ንማሕበረሰብ ሕደ-ፆታውያን ብግልፂ ኣይፀርሐን።
ንማሕበረሰብ ሕደ-ፆታውያን ዘገልግልን ኣባል እዚ ሲኖዶስ ዝነበረን እየሱሳዊ ስሙይ ኣመሪካዊ ካህን-ቀሺ ጀምስ ማርቲን፡ እዚ ሓድሽ ሰነድ ነዚ ጉጅለ ዘይምፅርሑ ዘደንቕ ኣይኰነን” ኢሉ።
እዚ ስጉምቲ ዓብይ ትርጉም ዝወሃቦ እዩ።
ወዲ 87 ዓመት ጳጳስ እታ ቤተ-ክርስትያን ፍራንሲስ፡ እዚ ሰነድ ውሳነ ን 1 ነጥቢ 4 ቢልየን ካቶሊካውያን “ውህብቶ’ዩ” ኢሎም።
ገስገስቲ ብውሳነ እቲ ሲኖዶስ ክሓርቁ ዝኽእሉ እንተኾኑ'ኳ፡ ዓቃባውያን ግና ካብ መፈለምታ እቲ ጉባኤ ጀሚሮም ሕጉሳት ኣይነበሩን።
ብዙሓት ዓቃባውያን፡ መድረኽ እቲ ምይይጥ ንብዙሓት ክፉት ምዃኑ ኰኒኖሙዎ።
እንተኾነ፡ 'መፃኢ ዕጫ እታ ቤተ-ክርስትያን በእተራ ካቶሊካውያን ኣመንቲ’ምበር፡ ብካርዲናላትን ኣቡናትን ጥራሕ ክውሰን ኣይግባእን' ምስ ዝብል እምነት ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሳነ’ዩ።
ዓቃባውያን ነቶም ጳጳስ ዝነቕፍሉ ሓደ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







