ባርኾት ሕደ-ጾታውያን በብቑሩብ ኣፍሪቃውያን ክቕበልዎ'ዮም' - ጳጳስ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ሕደ-ጾታውያን መጻምድቲ በረኸት ቤተ ክርስቲያን ንክረኽቡ ዝወሰድዎ ውሳነ ዝተቓወሙ ኣፍሪቃውያን ጳጳሳት "ፍሉይ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ" ምዃኑ ገሊጾም።
ይኹን’ምበር፡ በብቑሩብ ነቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣዋጅ ከምዝቕበልዎ ርግጸኛ ምዃኖም እቶም ጳጳስ ኣሚቶም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓንቲ ናይ ኢጣልያ ጋዜጣ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃን ደገፍተንን ብባህላዊ ኣረኣእያ ንሕደ-ጾታውነት ከም "ሕማቕ ነገር" ከምዝርእይዎ ገሊጾም።
ጳጳስ ፍራንሲስ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተዘርግሐ 'ፊዱቺያ ሳፕሊካንስ' ዝተበሃለ ሓድሽ ሰነድ፡ "ንምፍላይ ዘይኰነስ ንምሕቋፍ" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብሰንኪ ዝገብርዎም ዘለዉ ተሃድሶታት ዓቃባውያን ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምንጻሎም ከምዘየሻቕሎም ኣስሚሮም።
እቲ ብዛዕባ ምክፍፋል ዝዝረብ ነገር በቶም "ንኣሽቱ ስነ-ሓሳባዊ ጉጅለታት" ዝበልዎ ዝምራሕ ከምዝዀነ እውን ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ካህናት ተመሳሳሊ ጾታ ንዘለዎም መጻምድቲ ክባርኹ ምፍቃዶም ዝዝከር እዩ።
እቲ ስጉምቲ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ንዝርከቡ ሕደ-ጾታውያን (ኤልጂቢቲ) ርኡይ ምዕባለ ምዃኑ ይግለጽ።
እቶም መራሒ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝበልዎ፡ ካህናት ኣብ ትሕቲ ዝተወሰነ ኵነታት ንተመሳሳሊ ጾታን "ዘይስሩዕን" መጻምድቲ ክባርኹ ክፍቀደሎም ኣለዎ።
እንተዀነ እታ ዋና መንበረ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮማ ዝዀነት ቫቲካን፡ እቲ ባርኾት ኣካል ስሩዕ ስርዓት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ’ውን ምስ ሲቪላዊ ጥምረት ወይ መርዓ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዘይብሉ ገሊጻ እያ።
ሓዳር ድማ ከም ኣብ መንጐ ወዲ ተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ዝፍጸም ጥምረት ገይራ ምርኣይ ከምእትቕጽል ኣፍሊጣ።
እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ሓድሽ ሰነድ፡ ሰባት በረኸት ንክረኽቡ፡ "ኣቐዲሙ ሞራላዊ ፍጽምና ክህልዎም ክግደዱ የብሎምን" ይብል።
ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ባርኾት ማለት ጸሎት ወይ ልመና ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብኣገልጋሊ ናብ ኣምላኽ ዝቐርብን ፈጣሪ ነቲ ዝባረኽ ሰብ ወይ ሰባት ብጽቡቕ ክጥምቶም ዝልምንን እዩ።
ስለዚ እቲ ሓድሽ መርገጺ፡ ንጥምረት ሕደ-ጾታውያን ኣብ ቅድሚ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መረጋገጺ ዝህብ’ኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብታ ቤተክርስትያን ንዝተርኣየ ምልስላስ ግን ክገልጽ ዝኽእል እዩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ እግዚኣብሔር "ሓጢኣት ክባርኽ" ስለዘይክእል ብዝብል ካህናት ንሓዳር ተመሳሳሊ-ጾታ ክባርኹ ከምዘይክእሉ ኣብ 2021 ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ከኣ፡ ቤተ ክርስቲያን ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክትባርኽ ብወገኖም ድልው ምዃኖም ሓሳብ ኣቕሪቦም ነይሮም።
መርገጺ ሰበስልጣን እታ ቤተ ክርስቲያን ንጹር’ኳ እንተዘይኰነ፡ ቅድሚ ሎሚ ግን ጳጳሳት ገለ ሃገራት ካህናት ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክባርኹ ፈቒዶም ጸኒሖም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







