ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንሓሳብ ‘ተሃድሶ’ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝነቐፈ ኣቡን ኣባሪሮም

ጳጳስ ፍራንሲሰ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ጳጳስ ፍራንሲሰ፡ ንኣመራርሓ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሕቶ ዘእተወ ብርቱዕ ነቓፊ ኣቡን ጆሴፍ ስትሪክላንድ ካብ ስራሕ ኣባሪሮም።

ቫቲካን፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ታይለር ብዝተኻየደ ምርመራ፡ እቲ ኣቡን ካብ ሓላፍነቱ ክእለ ክኢሉ ኢላ።

ኣቡን ስትሪክላንድ ኣብ ካቶሊክነት ኣመሪካ ንተሃድሶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝቃወም መሪሕ ድምጺ እዩ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ብዛዕባ "ድሑርነት" ገለ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣሜሪካ ድሕሪ ምዝራቦም'ዩ፡ እቲ ጳጳስ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ።

ኣቡን ስትሪክላንድ ኣብ ልዕሊ ምንጻል ጥንሲ፡ መሰል ትራንስጀንደርን [ፆታ ምቕያር] መውስቦ ሕደ ጾታን ሓዊሱ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገለ ዓበይቲ መርገጺታት እታ ቤተ ክርስቲያን ዝቕይሩ ፈተነታት ብምቅዋም ተኸታታሊ ነቐፌታ ኣስሚዑ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ብዙሓት "መሰረታውያን ኣስተምህተሮ" ካቶሊክ ንሓደጋ ይሳጥሑ ከምዘለዉ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ብፍላይ ድማ ሓዳር "ከምቲ ብኣምላኽ ዝፀንዐ" ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ዝግበር፡ ዝብል ኣስተምህሮ ንምቕያር ዝግበሩ ፈተነታት ነቒፉ።

ንሱ፡ እቶም ፈተነታት ተሃድሶ ናይቶም "ዘይከሓድ ስነ-ህይወታዊ ኣምላኽ ዝሃቦም መንነቶም ዝነጽጉ" ክብል ነቒፉ።

ኣብ ደብዳበታቱ፡ "እቲ ክቕየር ዘይክእል" ንምቕያር ዝግበር ፈተነታት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ዘይጽገን ምፍንጫላት ከምዘስዕብ ስግኣቱ ገሊጹ።

ኣቡን ስትሪክላንድ ብቫቲካን ምርመራ ይካየደሉ ከምዝነበረን፡ ኣቐዲሙ ካብ ሓላፍነቱ ንኽለቅቕ ዝተውሃቦ ዕድል ከምዝነጸገን ኣብ ወርሒ መስከረም ዝጸሓፎ ቅሉዕ ደብዳበ የመልክት።

"ከም ኣቡን ታይለር ካብ ሓላፍነተይ ክወርድ ኣይክእልን እየ፡ ምኽንያቱ ከምኡ እንተገይረ ነቲ መጓሰ ከም ምግዳፍ እየ ዝቑጸር" ኢሉ።

"ጥምረት ንዝተሰረዙ ካህናት" ዝብል መፀውዒ ዘለዎ ዓቀባዊ ማሕበር፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ እዋን መርመራ ነቲ ኣቡን ንምድጋፍ ዋዕላ ኣካይዱ ነይሩ።

ቫቲካን፡ ኣብ ውሳነኣ ከምዝበለቶ፡ እቲ መርመራ ኣብ ኣተሓሕዛ ፋይናንሳዊ ጉዳያት እቲ ሃገረ ስብከት እውን ርእዩ።

ወዲ 65 ዓመት ኣቡን ስትሪክላንድ፡ ኣብ እዋን በነዲክቶስ መበል 16 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳሳት፡ ኣብ 2012 እዩ ጳጳስ ኮይኑ ተሸይሙ።

እዚ ኩሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋኖም፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ገስጋሲት ንምግባር ዝገበርዎ ርኡይ ፈተነታት ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ቫቲካን፡ ጾተኦም ዝቐየሩ ሰባት ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክጥመቑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጣ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ፡ "ፈረድቲ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና" ብምባል፡ ቤተክርስትያን ሕደ-ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ክትባርኽ ክፉት ክትከውን ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ጽምብል ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት፡ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ድሕረት ገለ ሰባት "ዘይጠቅም" እዩ ኢሎም።