ቅዳሴ ፋሲካ ንሻቕሎት ሕማም ጳጳስ ፍራንሲስ መዕረፊ ገይሩሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብናይ ምስትንፋስ ጸገም ኣብ ጀመኒ ሆስፒታል ኢጣልያ ከእለዩ ዝጸንሑ ጳጳስ ፍራንሲስ ብሕማማም ነድሪ ጉርጉማ(ብሮንካይት) ክሳቐዩ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ ብቀዳም ሕክምና ወዲኦም ካብ ሆስፒታል ወጺኦም።
ይኹን እንበር እቶም ወዲ 86 ዓመት ጳጳስ፡ ነቲ ዓመት መጸ ፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናይ ፋስጋ ንግሆ ኣብ ከተማ ቫቲካን ዝህብዎ ቡራኬ ንምክያድ 'ዓቕሚ ክህልዎም ድዩ?' ብዝብል ከቢድ ሻቅሎት ተሰንዮም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ኣመንቲ፡ ደናግልን ኣቕሽሽትን ኣብ ቀጽሪ ቅዱስ ጴጥሮስ ብሃንቀውታ ተጸብዮሞም።
እቲ ብሆላንድ ዝተለገሰ ኣስታት 40ሽሕ ዕንባባታት ዘጌጸ ኣደባባይ መእተዊኡ ምስ ተኸፍተ ድማ መነኮሳትን ካህናትን ካብቶም ጽቡቕ ትርኢት ቦታ ንምርካብ ዝተጓየዩ እዮም ኔሮም።
ጳጳስ ፍራንሲስ ድሕሪ ሕማሞም ፡ ሒሽዎም ናብ ገዞኦም ካብ ዝወጹ ንደሓር ዝበዝሕ ዕማሞም ክፍጽሙ ክኢሎም እዮም። ኣብ ሆሳእና፡ ሓሙስ ጽግቦ፡ ከምኡውን ዓርቢ ስቕለት ቅዳሴ መሪሖም።
ኣብ 2013 ጳጳስ ካብ ዝኾኑ ንደሓር፡ ንመጀመርታ ግዜ እዮም ኣብቲ ዓርቢ ስቕለት ምሸት ኣብ ኮሎስየም ሮማ ኣብ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ህይወት ኢየሱስ ዝዝክር ስነ-ስርዓት ቪያ መስቀል (Via Crucis ceremony) ዘይተሳተፉ።
ኣብ ካልእ እዋን ናይቲ ሰሙን'ውን እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደኺሞም ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ትንፋስ ዝሰኣኑ ኮይኖም ዝተራእይሉ ኣጋጣሚ ነይሮም’ዮም።
እዚ ኩሉ ተደማምሩ ድማ ኣብ ሰዓብቲ እቲ እምነት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ እኳ እንተቀነየ፡ ኣብ መወዳእታኡ ግን ነቲ ን75 ደቓይቕ ዝቐጸለ ቅዳሴ ብዘይ ገለ ጸገም እዮም ኣካይዶሞ፡፣
ብድሕሪዚ ብኡንብኡ ንኩሉ ህዝቢ ኣእዳዎም እናኣወዛወዙ ሰላም ክብሉን ናብታ ክፉት ዘለዋ መኪነኦም ቅድሚ ምኻዶም፡ምስ ምሉእ ሓይሎም ኣብ ዓረብያኦም ኮፍ ብምባል፡ ነቶም ዝነበሩ መስርዕ ካርዲናላት እናተጓዕዙ ሰላም ክብልዎምን ፍሽኽታ ኣሰንዮም ክዛረብዎምን ተራእዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
"ጳጳስ ፍራንሲስ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ጥዕና ዘለዎም ይመስሉ ነይሮም። እቶም ህዝቢ’ውን የተባብዕዎ ነይሮም፡ ሕጉስ ድማ ይመስል ነይሩ፡ ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ኮይኑ ክትሪዮ ከኣ ደስ ዘብል እዩ። " ትብል ካብ ሜይደንሄድ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ በዓል ቤታን ክልተ ደቃን ክትበጽሕ ዝነበረት ሳሊ።”
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢጣልያ ካብ እትርከብ ሊጉርያ ዝኾነት ኤልያና፡ "ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበርሉ እዋን ኣዝየ ተጨኒቐ ነይረ፡ ኣዝዩ ፍሉይ ስለዝኾነ ድማ ብቐጻሊ ነቲ ዘሎ ማዕባለታት ይከታተሎ ኔረ። ነዚ ቅዱስ ሰሙን ዝኣተውዎ ኩሉ ቃል ኪዳን ክፍጽምዎ ምድላዮም ኸኣ፡ ክሳብ ክንደይ ሓያል ምዃኖም ትግንዘብ።” ትብል።
ናይ መወዳእታ ባርኮት ፡ እቲ ኣብ ቀንዲ ሰገነት ባዚሊካ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮንካ ዝግበር እዩ። ኣብቲ ነታ ከተማን ዓለምን ዘቶኮረ "ኡርቢን ኦርቢን" "Urbi and Orbi" ዝብሃል ባርኾት ኣብ ዝሃብሉ ድማ ብዛዕባቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እስራኤላውያንን ፍልስጤማውያንን ዝተላዕለ ወጥሪ ዘለዎ ዓሙቕ ስክፍታ ብምግላጽ ኣብ ኢየሩሳሌምን ኪኖኡን ሰላም ክህሉ ከምዝጽሊ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስቲ ብሩስያ ዝተጎብጥዎ ዘሕልፍዎ ዘለዉ ስቃይ ብዝተሓሓዝ ካብ ገለ ዩክሬናውያን ነቐፌታ ክጋጥሞም ዝጸንሐ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ "ነቲ ፍቑር ህዝቢ ዩክሬን ናብ ሰላም ገጹ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ ክሕግዞ"፡ ከምኡ'ውን "ብርሃን ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሩስያ ከብርህ" ጸልዮም።
በዚ ድማ ነታ ኣብ ካላንደሮም ዝጻዓቐ ዕማማት ዝሓዘት ሰሙን ብዓወት ኣጠናቒቖማ። ካብቶም ክረይዎም ዝመጹ 100,000 ዝግመቱ ሰባት ተሰናቢቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







