'ሕደጾታውያን መጻምድቲ ክባረኹ ይኽእሉ እዮም'- ኣቡነ ፍራንሲስ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሕደጾታውያን መጻምድቲ ክትባርኽ ከም እትኽእል ሓቢሮም።
ንሶም እዚ ዝበሉ ጉጅለ ካርዲናላት፡ ኣብቲ ጉዳይ ንጹርነት ክህሉ ምስ ሓተቱ’ዩ።
እቶም ጳጳስ ንዝቐረበሎም ሕቶ "ዝኽሕዱ፣ ዝነጽጉን ዘግልሉን ዳያኑ ክንከውን የብልናን" ክብሉ መልሲ ሂቦም።
ካህናት ኣገልግሎት ንምሃብ ሓፈሻዊ ውፉይነት ስለዘለዎም፡ ሕቶ በረኸት ዘቕረቡ ሰባት ኣገልግሎት ወይ በረኸት ክረኽቡ ከም ዘድሊ ገሊጾም።
ይኹን’ምበር እታ ቤተክርስትያን ሕዚ’ውን ንርክባት ሕደጾታውያን ከም 'ሓጢኣት' ከም እትቖጽሮን ንመውስቦኦም ድማ ኣፍልጦ ከም ዘይትህብን ወሲኾም ሓቢሮም።
ብዛዕባ መጻኢ እታ ቤተ ክርስቲያን ንምዝታይ ዝዓለመ ኣኼባ ካብ ሎሚ ረቡዕ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ኣብ ቫቲካን ክካየድ’ዩ።
ካብዚ ኣኼባ ኣቐዲሞም ናብቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዝተለኣኹ ሕቶታት ሓደ በረኸት ሕደጾታውያን ዝምልከት እዩ።
ብመሰረት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፡ በረኸት መብዛሕትኡ ግዜ ብኣገልጋሊ ዝወሃብ ኰይኑ ኣምላኽ ነቲ ዝተባረኸ ሰብ ብእወታዊ ዓይኒ ንክርእዮ ዝሓትት ጸሎት ወይ ልመና እዩ።
ኣብ ቤልጅየም፣ ጀርመንን ካልኦት ሓያሎ ሃገራትን ዝርከቡ ጳጳሳት፡ ካህናት ንሕደጾታውያን መጻምድቲ ክባርኹ ክፈቕዱ ጀሚሮም እዮም።
ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ላዕለዎት ኣካላት ቤተክርስትያን እንግሊዝ’ውን፡ ንሕደጾታውያን መጻምድቲ ናይ በረኸት ጸሎት ንኽፍቀድ ዝቐረበ እማመታት ደጊፎም እዮም።
እንተዀነ፡ መርገጺ ሰበስልጣን እታ ቤተ ክርስቲያን ግን ክሳዕ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።
እቲ ሕዚ ዝሃብዎ መልሲ ርኡይ ለውጢ’ኳ እንተመሰለ፡ ኣብ 2021 ሕደጾታውያን መጻምድቲ ከይባረኹ ዝኽልክል ኣዋጅ ዘጽደቑ ባዕሎም ኣቡነ ፍራንሲስ ምዃኖም ክዝንጋዕ የብሉን።
ኣብቲ እዋን ርክብ ሕደጾታውያን ሓጢኣት ብምዃኑ ክባረኹ ከም ዘይኽእሉ እዩ ተሰሚሩሉ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣቡነ ፍራንሲስ፡ ሕደጾታውነት ገበን ከም ዘይኰነ ተዛሪቦም ነይሮም፤ ኣብቲ እዋን ከይተረፈ ግን ሕደጾታውነት ከም ሓጥኣት’ዮም ገሊጾምዎ።
ኣብዚ ዳሕረዋይ መልሶም፡ እቲ ዝባረኽ እንታይ ከም ዝዀነ ብግልጺ ኣይጠቐሱን። እቶም ሕደ ጾታውያን ውልቀሰባት ድዮም ወይስ እቲ ርክቦም እዩ ዝባረኽ ዝብል ኣይተነጸረን።
እቶም በረኸት ዝሓቱ ሰባት ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ካብ እግዚኣብሔር ሓገዝ ዝሓትት ምሕጽንታ ብዝምልከት ብሓፈሻ እዮም ተዛሪቦም፤ እዚ ድማ ክኽልከል ዘይብሉ ነገር ምዃኑ እዮም ገሊጾም።
እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ሓዳር "ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝፍጸም ፍሉይ፡ ርጉእን ዘይፈርስን ሕብረት" ምዃኑ ከም ትርዳእን "ምስዚ እምነት ክጻባእ ዝኽእል ዝዀነ ዓይነት ቡራኬ ወይ ሃይማኖታዊ ጽምብል" ክተወግድ ከም ዘለዋ ገሊጾም።
ወሲኾም ግን "ቡራኬ ክሕተት ከሎ፡ ዝሓሸ ህይወት ንምንባር ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርብ ልመና ሓገዝ እዩ" ኢሎም።
"ውፉይነት ካህናት፡ ብሓደ ወይ ልዕሊኡ ሰባት ዝቐርብ ሕቶ፡ ጌጋ ኣምር ሓዳር ዘየመሓላልፉ መልክዓት በረኸት እንተሃልዮም ብእኹል መንገዲ ክፈልጥ" ከም ዘለዎ’ውን ገሊጾም።
ንበረኸት ዝቐርብ ሕቶታት ሓደ ብሓደ ክረኣዩ ከም ዘለዎም ዝሕብር ዝመስል ዘረባ ድማ ተዛሪቦም፤ "ኣብ ዝተወሰኑ ኵነታት ኣካል ውፉይነት ካህናት ክዀኑ ዝኽእሉ ውሳኔታት ናይ ግድን ንቡር ክዀኑ የብሎምን" ኢሎም።
"ሕጊ ቀኖና ንኹሉ ክሽፍን የብሉን፡ ክሽፍን እውን ኣይክእልን'ዩ።"
እታ ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰባት ዘለዋ ርክብ ኩሉ ግዜ "ሕያውነት፣ ትዕግስቲ፣ ምርድዳእ፣ ለውሃትን ምትብባዕን" ዝተመልኦ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ኣመልኪቶም።
እዚ ሰረተ-እምነታዊ ለውጢ ዘመልክት’ኳ እንተዘይኰነ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ግን ኣብ ጾታዊ ርክብን ካልእ ቁልፊ ጉዳያትን ቋንቋ ቤተ ክርስቲያን ንምልስላስ ምንቅስቓሳት ገይሮም እዮም።
እዚ ድማ፡ ንዓቃባውያን ዘቖጥዕ ነገር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







