‘ከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን’ ምፍጻሙ ዝተገለጸ ዩጋንዳዊ ፍርዲ ሞት ይፅበዮ

ዩጋንዳ ሕግታት ፀረ ሕደፆታውያን ንክትኣልይ ካብ መወልቲ ንዝተገበረ ፀቕጢ ብምንፃግ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከቢድ ሕጊ ፀረ ሕደፆታውያን ከምዘፅደቐት ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዩጋንዳ ሕግታት ፀረ ሕደ-ፆታውያን ንክትኣልይ ካብ መወልቲ ንዝተገበረ ፀቕጢ ብምንፃግ ኣብ ወርሒ ጉንበት ከቢድ ሕጊ ፀረ ሕደ-ፆታውያን ከምዘፅደቐት ይፍለጥ

ኣብ ዩጋንዳ “ብከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን” ዝተኸሰሰ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ፍርዲ ሞት ይፅበዮ።

ጠበቓ እቲ ወዲ 20 ዓመት ተኸሳሲ፡ ብመሰረት እቲ እታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጽደቐቶ ሕጊ ፀረ ሕደ-ፆታውያን ዝተኸሰሰ፡ ፈላማይ ሰብ ከም ዝኾነ ንሮይተርስ ገሊፃ።

እቲ ዝቐረበ ገበን ክሲ ዋላ’ኳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ እቲ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ምስ ወዲ 41 ዓመት ሰብኣይ ዘይሕጋዊ ፆታዊ ርክብ ከም ዝፈፀመ የመልክት።

"ከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን"፡ ምስ ህፃናትን ተቃላዕቲ ምስ ዝኾኑ ሰባትን ዝግበር ፆታዊ ርክብ ዘጠቓልል እዩ።

ብዘይካ'ዚ ዝኾነ ሰብ ናብ ዝምድናታት ሕደ-ፆታውያን እንተድኣ ተገዲዱ፣ ወይ ኤችኣይቪ ዝርከቦም፡ ብናይ ዕድመ ልክዕ ሕማም እንተድኣ ተለኺፉ፡ ኣብ ከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን እዩ ዝምደብ።

ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዩጋንዳ፡ ኣብ ዓለም ከቢድ ሕጊ ፀረ ሕደ-ፆታውያን ካብ ዘለወን ሃገራት እያ።

ብተግባራት ሕደ-ፆታውያን ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኸበ ዝኾነ ሰብ ድማ፡ ብማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ትቐፅዕ።

ዩጋንዳ ነዚ ሕጊ ምድንጋጋ ስዒቡ፡ ካብታ ሃገር ወፃኢ መጠነ ሰፊሕ ተቓውሞታት ዘስዓበ እንትኾን፡ ባንኪ ዓለም’ውን ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ፡ ነታ ሃገር ዝህቦ ልቓሕ ከም ዝኣገደ ይፍለጥ።

ኣብዚ ወርሒ ተግባራት ሕደ-ፆታውያን ፈፂሞም ዝተብሃሉ ብዙሓት ሰባት ተኣሲሮም እዮም።

ወሃቢት ቃል ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር ጃኩሊን ኦኩይ፡ እዚ ብከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን ዝተኸሰሰ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ 18 ነሓሰ ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ሶሮቲ ናብ ቤት-ፍርዲ ከም ዝቐረበ ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።

ጉዳዩ ኣብ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ክሳብ ዝረአ ድማ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ከም ዝፀንሕ ሓቢራ።

ሕግታት ፀረ ሕደ-ፆታውያን ዩጋንዳ ዘይሕገመንግስታዊ እዩ ዝብል ስምዒት ዘለዋ ጠበቓ እቲ ተኸሳሲ ጀስቲን ባላያ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ይካትዑ ከም ዘለዉ ገሊፃ።

ንሳ፡ እዚ ጉዳይ ፈላማይ ክሲ ከቢድ ተግባር ሕደ-ፆታውያን ምዃኑ ካብ ምግላፅ ወፃኢ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።

ዩጋንዳ ካብ 2005 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንነዘ ዋላ’ኳ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንተዘይፈፀመት፡ ድንጋገ መቕፃዕቲ ሞት ግና ኣይተሰረዘን።